ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • የሩሳሌም ከም ዝመረተ ቝራዕ (1-14)

      • ሞት ሰበይቲ ህዝቅኤል ምልክት ኰነ (15-27)

ህዝቅኤል 24:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስም እዛ መዓልቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:1፣ ኤር 39:1፣ 52:4

ህዝቅኤል 24:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምሳልያዊ ዛንታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 11:3

ህዝቅኤል 24:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 11:7

ህዝቅኤል 24:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:6

ህዝቅኤል 24:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:16፣ ሚክ 7:2፣ ማቴ 23:35
  • +ህዝ 11:7, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 14

ህዝቅኤል 24:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:34
  • +ዘሌ 17:13፣ ዘዳ 12:16

ህዝቅኤል 24:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:3, 4

ህዝቅኤል 24:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 23:37

ህዝቅኤል 24:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:10፣ 32:29፣ ህዝ 22:15

ህዝቅኤል 24:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:3፣ 6:29

ህዝቅኤል 24:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:14፣ ህዝ 22:9
  • +ህዝ 5:12, 13፣ 8:18

ህዝቅኤል 24:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 13:14፣ ህዝ 5:11

ህዝቅኤል 24:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ደረትካ ኣይትውቃዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 24:18, 21

ህዝቅኤል 24:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሸነብ ወይ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር። ወይ፡ “ላዕለዋይ ከንፈርካ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እንጌራ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 16:5
  • +ዘሌ 10:6
  • +2ሳሙ 15:30
  • +ሚክ 3:7
  • +ኤር 16:7

ህዝቅኤል 24:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርሕራሐ ነፍስኹምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 74:7፣ 79:1፣ ኤር 7:14፣ ድጕ 1:10፣ 2:7፣ ህዝ 9:7
  • +2ዜና 36:17፣ ኤር 6:11

ህዝቅኤል 24:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 24:17

ህዝቅኤል 24:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:39፣ ህዝ 33:10

ህዝቅኤል 24:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:18፣ 20:3፣ ህዝ 4:3

ህዝቅኤል 24:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:32፣ ኤር 11:22

ህዝቅኤል 24:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 33:21

ህዝቅኤል 24:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:26፣ 33:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 13-14

    1/12/2003፡ ገጽ 29

ሓፈሻዊ

ህዝ. 24:22ነገ 25:1፣ ኤር 39:1፣ 52:4
ህዝ. 24:3ህዝ 11:3
ህዝ. 24:4ህዝ 11:7
ህዝ. 24:5ኤር 39:6
ህዝ. 24:62ነገ 21:16፣ ሚክ 7:2፣ ማቴ 23:35
ህዝ. 24:6ህዝ 11:7, 9
ህዝ. 24:7ኤር 2:34
ህዝ. 24:7ዘሌ 17:13፣ ዘዳ 12:16
ህዝ. 24:82ነገ 24:3, 4
ህዝ. 24:9ማቴ 23:37
ህዝ. 24:11ኤር 21:10፣ 32:29፣ ህዝ 22:15
ህዝ. 24:12ኤር 5:3፣ 6:29
ህዝ. 24:132ዜና 36:14፣ ህዝ 22:9
ህዝ. 24:13ህዝ 5:12, 13፣ 8:18
ህዝ. 24:14ኤር 13:14፣ ህዝ 5:11
ህዝ. 24:16ህዝ 24:18, 21
ህዝ. 24:17ኤር 16:5
ህዝ. 24:17ዘሌ 10:6
ህዝ. 24:172ሳሙ 15:30
ህዝ. 24:17ሚክ 3:7
ህዝ. 24:17ኤር 16:7
ህዝ. 24:21መዝ 74:7፣ 79:1፣ ኤር 7:14፣ ድጕ 1:10፣ 2:7፣ ህዝ 9:7
ህዝ. 24:212ዜና 36:17፣ ኤር 6:11
ህዝ. 24:22ህዝ 24:17
ህዝ. 24:23ዘሌ 26:39፣ ህዝ 33:10
ህዝ. 24:24ኢሳ 8:18፣ 20:3፣ ህዝ 4:3
ህዝ. 24:25ዘዳ 28:32፣ ኤር 11:22
ህዝ. 24:26ህዝ 33:21
ህዝ. 24:27ህዝ 3:26፣ 33:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 24:1-27

ህዝቅኤል

24 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ ዕለት እዚኣ፡* ነዛ መዓልቲ እዚኣ መዝግባ። ንጉስ ባቢሎን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም መጥቃዕቲ ፈንዩ ኣሎ።+ 3 ብዛዕባ እታ ዓላዊት ቤት ከኣ ምስላ* መስል፡ ብዛዕባኦም እውን ከምዚ በል፦

“‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ቍራዕ ሰኽትት፣ ኣብ ሓዊ ሰኽትቶ እሞ ማይ ኣዕርቐሉ።+

 4 እተመትረ ስጋ፡+ ኵሉ ጽቡቕ ምታር፡

ሰለፍን ኢድን ግበረሉ፣ ብሕሩይ ኣዕጽምቲ ምልኣዮ።

 5 ካብቲ መጓሰ ሕሩይ በጊዕ ውሰድ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ ቝራዕ ድማ እያድ ጸፍጽፍ።

ነቲ ምታር ኣብስሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣዕጽምቲ እውን ጠጥቆ።”’

 6 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

‘እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም፡+ እታ ምራተኣ ዘየልገሰ መራት ቍራዕ ወይለኣ!

በብምታር እናኣውጻእካ ጥራያ ግበራ፣+ ንዕኡ ዕጫ ኣይተውድቕ።

 7 ደማስ ኣብ ውሽጣ እዩ፣+ ኣብ መላጥ ከውሒ ኣፍሲሳቶ እያ።

ብሓመድ ክትከድኖስ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን።+

 8 ንምፍዳይ ሕነ ነድሪ ምእንቲ ኸለዓዕልሲ፡

ደማ ምእንቲ ኸይክደን፡

ኣብ ዜንጸባርቕ መላጥ ከውሒ ገይረዮ ኣለኹ።’+

 9 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

‘እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም ወይለኣ!+

ብዙሕ ዕንጨይቲ ኽጽፍጽፍ እየ።

10 እያድ ኰምር፡ ሓዊ እውን እጐድ፣

ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣፍስሶ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ድማ ኣሕርሮ።

11 እቲ ጥራዩ ዝዀነ ቝራዕ ምእንቲ ኺረስን፡

ነሓሱ ኣጸቢቑ ኺረስንሲ፡ ኣብ ጓህሪ ሰኽትቶ።

ርኽሰቱ ኣብ ውሽጡ ኺመክኽ፡+ ምራተኡ ድማ ኪብላዕ እዩ።

12 እቲ ብርቱዕ ምራተ ኣይኪለቅቕን እዩ እሞ፡+

ዜበሳጩን ዜድክምን እዩ።

ምስ ምራተኡ ናብ ሓዊ ደርብዮ!’

13 “‘ርኽሰትኪ ብሰንኪ ጽያፍኪ እዩ።+ ከጽርየኪ ፈቲነስ፡ ካብ ርኽሰትኪ ኣይጸረኽን። ነድረይ ክሳዕ ዚዝሕል ኣይክትጸርይን ኢኺ።+ 14 ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። ኪኸውን ድማ እዩ። ርእሰይ ከይገታእኩ፡ ከይጐሃኹ፡ ከይተጥዓስኩ ስጕምቲ ኽወስድ እየ።+ ከም መገድታትክን ከም ግብርታትክን ኪፈርዱኺ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

15 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 16 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነታ ፍትውትኻ ብሓንቲ ውቅዒት ክወስዳ እየ።+ ኣይትሕዘን፡* ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕ እውን። 17 ስቕ ኢልካ ደኣ እህህ በል፣ ንምዉታት ድማ ኣይትሕዘነሎም።+ መጠምጠምያኻ ጠምጥም፡+ ኣሳእንካ ውደ።+ ጭሕምኻ* ኣይትኽደን፡+ ካልኦት ዜምጽኡልካ እንጌራ* እውን ኣይትብላዕ።”+

18 ነቶም ህዝቢ ድማ ንግሆ ተዛረብክዎም፣ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት። ስለዚ፡ ንግሆ፡ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። 19 እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዚ እትገብሮ ዘለኻስ ንዓና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትነግረናን ኢኻ፧” ይብሉኒ ነበሩ። 20 ኣነ ኸኣ ከምዚ ኢለ መለስኩሎም፦ “ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 21 ‘ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንመቕደሰይ፡ ነታ ምንጪ ዓብዪ ትምክሕትኹም፡ ነታ ፍትውትኹምን ትምኒት ልብኹምን* ከርክሳ እየ።+ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ 22 ሽዑ፡ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ ካልኦት ዜምጽኡልኩም እንጌራ እውን ኣይክትበልዑን ኢኹም።+ 23 መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፡ ኣሳእንኩም እውን ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ኣይክትበኽዩን፡ ኣይክትነብዑን እውን ኢኹም። የግዳስ፡ ብስሕተት ክትምህምኑ፡+ ንሓድሕድኩም ድማ እህህ ክትባሃሃሉ ኢኹም። 24 ህዝቅኤል ድማ ምልክት ኰይኑልኩም ኣሎ።+ ከምቲ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ ኰነ፡ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”’”

25 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ በታ ንዕርዶም፡—ነታ ጽብቕቲ መሐጐሲቶምን ነታ ዚፈትውዋን ነታ ትምኒት ልቦምን፡*—ምስ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ካባታቶም ዝወስደላ መዓልቲ፡+ 26 ሓደ ዘምለጠ ኺነግረካ እዩ።+ 27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣፍካ ኽትከፍት፡ ነቲ ዘምለጠ ድማ ክትዛረቦ፡ ደጊም እውን ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ።+ ንዓታቶም ምልክት ክትከውን ኢኻ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ