ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኪከላኸለለን እዩ (1-9)

        • የሩሳሌም፡ “ከቢድ እምኒ” (3)

      • ነቲ እተወግአ ዋይዋይ ይብሃለሉ (10-14)

ዘካርያስ 12:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትንፋስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 26:7፣ ኢሳ 42:5
  • +መዝ 102:25፣ ኢሳ 45:18

ዘካርያስ 12:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጭሔሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 14:14

ዘካርያስ 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 3:19
  • +ዘካ 14:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 22-23

ዘካርያስ 12:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 23-24

ዘካርያስ 12:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሸኻት።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:10፣ ዮኤ 3:16፣ ዘካ 12:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 24-25

ዘካርያስ 12:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ግቡእ ቦታኣ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:15
  • +ሚክ 4:13፣ ዘካ 9:15
  • +ዘካ 2:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 24-25

    1/12/2007፡ ገጽ 11

ዘካርያስ 12:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ግርማ።”

  • *

    ወይ፡ “ግርማ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 25

ዘካርያስ 12:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝደኸመ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:6፣ ዮኤ 3:16፣ ዘካ 2:5፣ 9:15
  • +ዘጸ 14:19፣ 23:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 25

ዘካርያስ 12:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 54:17፣ ሃጌ 2:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 25

ዘካርያስ 12:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 19:34, 37፣ 20:27፣ ራእ 1:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 146

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 15

    የሱስ—መገዲ፡ ገጽ 303

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2011፡ ገጽ 16

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 29-30

ዘካርያስ 12:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:29፣ 2ዜና 35:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2007፡ ገጽ 10

ዘካርያስ 12:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:13, 14፣ ሉቃ 3:23, 31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    5/2019፡ ገጽ 30

ዘካርያስ 12:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:16
  • +ዘጸ 6:17፣ 1ዜና 23:10

ሓፈሻዊ

ዘካ. 12:1እዮ 26:7፣ ኢሳ 42:5
ዘካ. 12:1መዝ 102:25፣ ኢሳ 45:18
ዘካ. 12:2ዘካ 14:14
ዘካ. 12:3ጸፎ 3:19
ዘካ. 12:3ዘካ 14:2, 3
ዘካ. 12:5ኢሳ 41:10፣ ዮኤ 3:16፣ ዘካ 12:8
ዘካ. 12:6ኢሳ 41:15
ዘካ. 12:6ሚክ 4:13፣ ዘካ 9:15
ዘካ. 12:6ዘካ 2:4
ዘካ. 12:8ኤር 23:6፣ ዮኤ 3:16፣ ዘካ 2:5፣ 9:15
ዘካ. 12:8ዘጸ 14:19፣ 23:20
ዘካ. 12:9ኢሳ 54:17፣ ሃጌ 2:22
ዘካ. 12:10ዮሃ 19:34, 37፣ 20:27፣ ራእ 1:7
ዘካ. 12:112ነገ 23:29፣ 2ዜና 35:22
ዘካ. 12:122ሳሙ 5:13, 14፣ ሉቃ 3:23, 31
ዘካ. 12:13ዘጸ 6:16
ዘካ. 12:13ዘጸ 6:17፣ 1ዜና 23:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 12:1-14

ዘካርያስ

12 ከቢድ መልእኽቲ፦

“ቃል የሆዋ ብዛዕባ እስራኤል” ይብል

እቲ ሰማያት ዝዘርግሐ፡+

መሰረት ምድሪ ዝሰረተ፡+

መንፈስ* ሰብ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዝገበረ የሆዋ።

2 “እንሆ፡ ንየሩሳሌም፡ ኣብ ዙርያ ንዘለዉ ህዝብታት ሰንከልከል እተብል ጽዋእ* ክገብራ እየ፣ ይሁዳ ድማ ክትክበብ እያ፣ የሩሳሌም እውን ከምኡ።+ 3 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም፡ ንዅሎም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ። ኵሎም እቶም ዜልዕልዋ ብርግጽ ኣመና ኪቘስሉ እዮም፣+ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸኣ ኣንጻራ ኺእከቡ እዮም።+ 4 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ንዅሉ ፈረስ ብስምባድ፡ ንተወጣሒኡ ድማ ብጽላለ ኽወቅዕ እየ። ኣዒንተይ ኣብ ቤት ይሁዳ ኼተኵራ እየን፣ ንዅሉ ፈረስ ህዝብታት ግና ብዑረት ክወቅዕ እየ። 5 ሹማምንቲ* ይሁዳ ኸኣ ብልቦም፡ ‘ነበርቲ የሩሳሌም ብኣምላኾም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብርታዐይ እዮም’ ኪብሉ እዮም።+ 6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንሹማምንቲ ይሁዳ ኣብ መንጎ ዕንጨይቲ ኸም ምድጃ ሓዊ፡ ኣብ መንጎ ተር ዝበለ ዕጻድ ከም ፋና ሓዊ ኽገብሮም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ብየማንን ብጸጋምን ዘለዉ ህዝብታት ኪበልዕዎም እዮም፣+ የሩሳሌም ከኣ ኣብ ቦታኣ፡* ኣብ የሩሳሌም፡ ከም ብሓድሽ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም።+

7 “የሆዋ ድማ ጽባቐ* ቤት ዳዊትን ጽባቐ* ነበርቲ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ እምብዛ ኸይዓብስ፡ ቅድም ድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ። 8 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ዙርያ ነበርቲ የሩሳሌም ኰይኑ ኺከላኸለሎም እዩ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኻባታቶም ዚዕንቀፍ* ከም ዳዊት፡ ቤት ዳዊት እውን ከም ኣምላኽ፡ ከምቲ ቐቅድሚኦም ዚኸይድ መልኣኽ የሆዋ ኪኸውን እዩ።+ 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዅሎም እቶም ኣንጻር የሩሳሌም ዚመጹ ኣህዛብ ብርግጽ ከጥፍኦም እየ።+

10 “ኣብ ቤት ዳዊትን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌምን መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምትዎ እዮም፣+ ከምቲ ንሓደ በይኑ ውሉድ ዋይዋይ ዚብሃለሉ ገይሮም ከኣ ዋይዋይ ኪብሉሉ እዮም፣ ከምቲ ንበዅሪ ወዲ ዚሕዘነሉ ገይሮም ድማ ኣምሪሮም ኪሓዝኑሉ እዮም። 11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዋይዋይታ የሩሳሌም፡ ከም ዋይዋይታ ሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ፡ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ 12 እታ ምድሪ ኸኣ ዋይዋይ ክትብል እያ፣ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይና፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን+ ንበይና፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ 13 ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይና፡+ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ ዓሌት ሺምዓውያን+ ንበይኖም፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ 14 ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ