ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ኢትዮጵያ እተዘርበ መልእኽቲ (1-7)

ኢሳይያስ 18:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 20:3, 4፣ ህዝ 30:4

ኢሳይያስ 18:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”

  • *

    ወይ፡ “ዚረግጽን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 12:2, 3፣ 14:9፣ 16:8

ኢሳይያስ 18:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምት” ኪኸውን ይኽእል።

ኢሳይያስ 18:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተመዝዘን እተወልወለን ህዝቢ።”

  • *

    ወይ፡ “ዚረግጽን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:18፣ 24:23

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 18:1ኢሳ 20:3, 4፣ ህዝ 30:4
ኢሳ. 18:22ዜና 12:2, 3፣ 14:9፣ 16:8
ኢሳ. 18:7ኢሳ 8:18፣ 24:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 18:1-7

ኢሳይያስ

18 ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ+ ዘላ

ምድሪ እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ ሓሸራ፡ ወይለኣ!

 2 ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ ኣቢላ

ብባሕሪ ኸምዚ ዚብሉ ልኡኻት ትልእኽ፦

“ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት፡

ናብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*

ኣብ ኵሉ ናብ ዚፍራህ ህዝቢ፡+

ናብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*

ምድሩ እውን ብኣፍላግ ናብ እተባሕጐገት ህዝቢ ኺዱ።”

 3 ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩን ኣብ ምድሪ እትቕመጡን፡

እቲ እትርእይዎ ኣብ ኣኽራን ከም እተላዕለ ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እዩ፣

ከም ዚንፋሕ መለኸት ዝበለ ደሃይ ከኣ ክትሰምዑ ኢኹም።

 4 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ፦

“ከም ውሪግሪግ ዚብል ሙቐት ምስ ብርሃን ጸሓይ፡

ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ሙቐት ቀውዒ፡

ከይተረበሽኩ ኽጸንሕ፡ ነታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምታ* እየ።

 5 ከመይሲ፡ ቅድሚ ቐውዒ፡

ምዕምባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዕምባባ ድማ ዚበስል ወይኒ ምስ ኰነ፡

እቲ ጨናፍር ብገዘሞታት ኪቝረጽ፡

መጠንጠን ሓረግ ከኣ ኪጽልጸልን ኪውገድን እዩ።

 6 ኵሎም ንኣሞራታት ኣኽራንን

ንእንስሳታት ምድርን ኪዀኑ እዮም።

ኣሞራታት ኣባታቶም ኪሓግዩ፡

ኵሎም እንስሳታት ምድሪ ድማ ኣባታቶም ኪቕውዑ እዮም።

 7 በቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*

ኣብ ኵሉ ኻብ ዚፍራህ ህዝቢ፡

ካብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*

ምድሩ እውን ብኣፍላግ ካብ እተባሕጐጐት ህዝቢ፡

ህያብ ናብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡

ናብታ ስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን+ ኪመጽእ እዩ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ