ኢሳይያስ
18 ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ+ ዘላ
ምድሪ እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ ሓሸራ፡ ወይለኣ!
2 ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ ኣቢላ
ብባሕሪ ኸምዚ ዚብሉ ልኡኻት ትልእኽ፦
“ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት፡
ናብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*
ኣብ ኵሉ ናብ ዚፍራህ ህዝቢ፡+
ናብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*
ምድሩ እውን ብኣፍላግ ናብ እተባሕጐገት ህዝቢ ኺዱ።”
3 ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩን ኣብ ምድሪ እትቕመጡን፡
እቲ እትርእይዎ ኣብ ኣኽራን ከም እተላዕለ ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እዩ፣
ከም ዚንፋሕ መለኸት ዝበለ ደሃይ ከኣ ክትሰምዑ ኢኹም።
4 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ፦
5 ከመይሲ፡ ቅድሚ ቐውዒ፡
ምዕምባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዕምባባ ድማ ዚበስል ወይኒ ምስ ኰነ፡
እቲ ጨናፍር ብገዘሞታት ኪቝረጽ፡
መጠንጠን ሓረግ ከኣ ኪጽልጸልን ኪውገድን እዩ።
6 ኵሎም ንኣሞራታት ኣኽራንን
ንእንስሳታት ምድርን ኪዀኑ እዮም።
ኣሞራታት ኣባታቶም ኪሓግዩ፡
ኵሎም እንስሳታት ምድሪ ድማ ኣባታቶም ኪቕውዑ እዮም።