ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ንጉስን መሳፍንቱን ምእንቲ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም (1-8)

      • ንሸለልተኛታት ኣንስቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ (9-14)

      • መንፈስ ምስ ፈሰሰ ዚርከብ በረኸት (15-20)

ኢሳይያስ 32:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ መዝ 2:6፣ ሉቃ 1:32, 33፣ ዮሃ 1:49
  • +መዝ 45:6፣ 72:1፣ ኢሳ 9:7፣ 11:4, 5፣ ኤር 23:5፣ ዘካ 9:9፣ እብ 1:9፣ ራእ 19:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 164-165

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2007፡ ገጽ 22

    1/3/1999፡ ገጽ 16

    1/8/1998፡ ገጽ 15-17

    1/12/1995፡ ገጽ 18-19

ኢሳይያስ 32:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መጽለሊ።”

  • *

    ወይ፡ “መዕቈቢ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 166-167

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 20

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    1/2017፡ ገጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2014፡ ገጽ 16

    15/2/2002፡ ገጽ 20፡ 23

    1/3/1999፡ ገጽ 16

    1/1/1996፡ ገጽ 30

    1/12/1995፡ ገጽ 18-19

ኢሳይያስ 32:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:6

ኢሳይያስ 32:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዘይ ኣኽብሮት።”

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሓድጋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 2:1

ኢሳይያስ 32:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:26፣ ሚክ 7:3
  • +1ነገ 21:9, 10

ኢሳይያስ 32:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ልዑል።”

ኢሳይያስ 32:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:16

ኢሳይያስ 32:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:12፣ ጸፎ 1:13

ኢሳይያስ 32:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:24

ኢሳይያስ 32:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 22:2፣ ድጕ 2:15

ኢሳይያስ 32:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:9, 10
  • +2ዜና 27:1, 3፣ ነህ 3:26
  • +ኢሳ 27:10

ኢሳይያስ 32:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:3
  • +ኢሳ 29:17፣ 35:1, 2

ኢሳይያስ 32:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 42:1, 4፣ 60:21

ኢሳይያስ 32:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 119:165፣ ኢሳ 55:12
  • +ህዝ 37:26፣ ሚክ 4:3, 4

ኢሳይያስ 32:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 60:18፣ 65:22፣ ኤር 23:6፣ ህዝ 34:25፣ ሆሴ 2:18

ኢሳይያስ 32:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:23, 24

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 32:1ዘፍ 49:10፣ መዝ 2:6፣ ሉቃ 1:32, 33፣ ዮሃ 1:49
ኢሳ. 32:1መዝ 45:6፣ 72:1፣ ኢሳ 9:7፣ 11:4, 5፣ ኤር 23:5፣ ዘካ 9:9፣ እብ 1:9፣ ራእ 19:11
ኢሳ. 32:2ኢሳ 35:6
ኢሳ. 32:4ኢሳ 35:6
ኢሳ. 32:6ሚክ 2:1
ኢሳ. 32:7ኤር 5:26፣ ሚክ 7:3
ኢሳ. 32:71ነገ 21:9, 10
ኢሳ. 32:9ኢሳ 3:16
ኢሳ. 32:10ድጕ 2:12፣ ጸፎ 1:13
ኢሳ. 32:11ኢሳ 3:24
ኢሳ. 32:13ኢሳ 22:2፣ ድጕ 2:15
ኢሳ. 32:142ነገ 25:9, 10
ኢሳ. 32:142ዜና 27:1, 3፣ ነህ 3:26
ኢሳ. 32:14ኢሳ 27:10
ኢሳ. 32:15ኢሳ 44:3
ኢሳ. 32:15ኢሳ 29:17፣ 35:1, 2
ኢሳ. 32:16ኢሳ 42:1, 4፣ 60:21
ኢሳ. 32:17መዝ 119:165፣ ኢሳ 55:12
ኢሳ. 32:17ህዝ 37:26፣ ሚክ 4:3, 4
ኢሳ. 32:18ኢሳ 60:18፣ 65:22፣ ኤር 23:6፣ ህዝ 34:25፣ ሆሴ 2:18
ኢሳ. 32:20ኢሳ 30:23, 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 32:1-20

ኢሳይያስ

32 እንሆ፡ ንጉስ+ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ፣+

መሳፍንቲ እውን ምእንቲ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም።

 2 ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡*

ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡*

ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡+

ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።

 3 ሽዑ፡ ኣዒንቲ እቶም ዚርእዩ፡ ደጊም ኣይኪዕመታን፡

ኣእዛን እቶም ዚሰምዑ ኸኣ፡ ኬቕልባ እየን።

 4 ልቢ እቶም ርቡጻት ብዛዕባ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኺሓስብ፡

ወታእ ልሳን ድማ ብምልከትን ብንጹርን ኪዛረብ እዩ።+

 5 ዓሻስ ደጊም ለጋስ ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን፡

ስዲ ኸኣ ልዑል ኣይኪብሃልን እዩ፣

 6 ዓሻስ ዕሽነት ኪዛረብ እዩ፣

ክሕደት ኬስፋሕፍሕ፡* ኣንጻር የሆዋ ፋሉል ዘረባ ኺዛረብ፡

ንጥሙይ ከየብልዕ፡*

ንጽሙእ ድማ መስተ ኪኸልእ ኢሉ፡

ልቡ ጕድኣት ኪምህዝ እዩ።+

 7 ሜላታት ስዲ፡ ክፉእ እዩ፣+

ንውጹዕ ብሓሶት ኬጥፍኦስ፡+

ዋላ እኳ ድኻ ቕኑዕ ምስ ተዛረበ፡

ንሱ ዜሕፍር ተግባር የስፋሕፍሕ።

 8 ለጋስ* ግና ብዛዕባ ልግሲ ይሕልን፣

ብልግሲ ኸኣ ኪጸንዕ ይጽዕር።

 9 “ኣትን ሸለልተኛታት፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ!

ኣትን ቅሱናት ኣዋልድ፡+ ናብቲ ዝብለክን ኣድህባ!

10 ወይኒ ዚእረየሉ ግዜ ኣብ ዚውድኣሉ እዋን፡ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይኪእከብን እዩ እሞ፡+

ኣትን ቅሱናት፡ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትታትን ከተንፈጥፍጣ ኢኽን።

11 ኣትን ሸለልተኛታት፡ ራዕራዕ በላ!

ኣትን ቅሱናት፡ ኣንፈጥፍጣ!

ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፣

ኣብ ሓቛቝኽን ድማ ማቕ ተዓጠቓ።+

12 ብዛዕባ እቲ ተባሃጊ ግራውትን ፍርያም ኣትክልቲ ወይንን

ደረትክን እናወቓዕክን ኣልቅሳ።

13 ምድሪ ህዝበይሲ፡ ብእሾዅን ብዳንዴርን ክትክደን እያ፣

ንዅሉ ኣባይቲ ሓጐስ ኪኸድኖ፡

እወ፡ ንኸተማ ፍስሃ ኪኸድና እዩ።+

14 እቲ እተዓርደ ግምብስ ተጠንጢኑ እዩ፣

እታ ጫውጫው እትብል ከተማ ተሓዲጋ እያ።+

ዖፌልን+ ግምቢ ዘብዐኛን ንሓዋሩ ዝባደመ ዀይኑ፡

መደሰቲ ኣድጊ በረኻን

መጓሰዪ መጓሰን ኰይኑ፡+

15 ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+

እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡

እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+

16 ሽዑ፡ ፍትሒ ኣብ በረኻ ኺነብር፡

ጽድቂ እውን ኣብ ግራት ፍረታት ኪቕመጥ እዩ።+

17 ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም፡+

ፍረ ናይ ሓቂ ጽድቂ ድማ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ኪኸውን እዩ።+

18 ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡

ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ።+

19 ግናኸ፡ ዱር ብበረድ ለጥ ኪብል፡

እታ ኸተማ ኸኣ ፈጺማ ሰጣሕ ክትከውን እያ።

20 ኣቱም ኣብ ጥቓ ዅሉ ማያት እትዘርኡ፡

ንብዕራይን ንኣድግን እውን እትፍንዉ፡ ሕጉሳት ኢኹም።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ