ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጕዕዞ ናብ የሩሳሌም (1-14)

      • ኣብ የሩሳሌም በጽሑ (15-19)

      • ጳውሎስ ምኽሪ ሽማግለታት ሰምዐ (20-26)

      • ኣብ ቤተ መቕደስ እተፈጥረ ዕግርግር፣ ጳውሎስ ተኣስረ (27-36)

      • ጳውሎስ ነቲ ህዝቢ ኺዛረብ ተፈቕደሉ (37-40)

ግብሪ ሃዋርያት 21:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 173-174

ግብሪ ሃዋርያት 21:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 173-174

ግብሪ ሃዋርያት 21:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሸነኽ ወደብ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 173-174

ግብሪ ሃዋርያት 21:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:10-12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 175

ግብሪ ሃዋርያት 21:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 176

ግብሪ ሃዋርያት 21:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 6:3, 5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 176

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1999፡ ገጽ 25

ግብሪ ሃዋርያት 21:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደናግል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 2:28፣ ግብ 2:17፣ 1ቈረ 11:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 176

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1999፡ ገጽ 25

ግብሪ ሃዋርያት 21:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:27, 28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 177

ግብሪ ሃዋርያት 21:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:22, 23፣ 21:33
  • +ግብ 9:15, 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 177፡ 189

ግብሪ ሃዋርያት 21:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 177-178

ግብሪ ሃዋርያት 21:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:24፣ 2ቈረ 4:10, 11፣ 2ጢሞ 4:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 177-178

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2008፡ ገጽ 32

ግብሪ ሃዋርያት 21:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስቕ በልና።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 178

ግብሪ ሃዋርያት 21:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 12:17፣ 15:13፣ ገላ 1:19፣ 2:9፣ ያእ 1:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 112፡ 181

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/1997፡ ገጽ 16-17

ግብሪ ሃዋርያት 21:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 181-182

ግብሪ ሃዋርያት 21:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 15:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 181-183

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2003፡ ገጽ 23-24

    15/10/2002፡ ገጽ 30

ግብሪ ሃዋርያት 21:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 2:28, 29፣ 1ቈረ 7:18-20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 182፡ 183-184

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    9/2016፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2003፡ ገጽ 23-24

ግብሪ ሃዋርያት 21:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 184-185

ግብሪ ሃዋርያት 21:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 9:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2023፡ ገጽ 10

    መስክር፡ ገጽ 184-185

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2018፡ ገጽ 24

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    9/2016፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2003፡ ገጽ 23-24

    15/6/2000፡ ገጽ 14

ግብሪ ሃዋርያት 21:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕሉቕን።”

  • *

    ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:2፣ ዘጸ 34:15
  • +ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 3:17፣ 17:10፣ 1ሳሙ 14:32, 33
  • +ዘሌ 17:13፣ ዘዳ 12:23, 24
  • +ግብ 15:28, 29፣ 1ቈረ 6:9፣ ቈሎ 3:5፣ 1ተሰ 4:3፣ 1ጴጥ 4:3

ግብሪ ሃዋርያት 21:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 9:20

ግብሪ ሃዋርያት 21:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 24:5, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2001፡ ገጽ 23

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” 1ተሰ-ራእ፡ ገጽ 13

ግብሪ ሃዋርያት 21:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:4፣ 2ጢሞ 4:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2001፡ ገጽ 23

ግብሪ ሃዋርያት 21:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2020፡ ገጽ 31

ግብሪ ሃዋርያት 21:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:22, 23፣ 21:10, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2001፡ ገጽ 21

ግብሪ ሃዋርያት 21:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2011፡ ገጽ 5

ግብሪ ሃዋርያት 21:38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2010፡ ገጽ 15

ግብሪ ሃዋርያት 21:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ፊል 3:4, 5
  • +ግብ 22:3

ግብሪ ሃዋርያት 21:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 26:14

ሓፈሻዊ

ግብ. 21:4ግብ 21:10-12
ግብ. 21:8ግብ 6:3, 5
ግብ. 21:9ዮኤ 2:28፣ ግብ 2:17፣ 1ቈረ 11:5
ግብ. 21:10ግብ 11:27, 28
ግብ. 21:11ግብ 20:22, 23፣ 21:33
ግብ. 21:11ግብ 9:15, 16
ግብ. 21:13ግብ 20:24፣ 2ቈረ 4:10, 11፣ 2ጢሞ 4:6
ግብ. 21:18ግብ 12:17፣ 15:13፣ ገላ 1:19፣ 2:9፣ ያእ 1:1
ግብ. 21:20ግብ 15:1
ግብ. 21:21ሮሜ 2:28, 29፣ 1ቈረ 7:18-20
ግብ. 21:241ቈረ 9:20
ግብ. 21:25ዘፍ 35:2፣ ዘጸ 34:15
ግብ. 21:25ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 3:17፣ 17:10፣ 1ሳሙ 14:32, 33
ግብ. 21:25ዘሌ 17:13፣ ዘዳ 12:23, 24
ግብ. 21:25ግብ 15:28, 29፣ 1ቈረ 6:9፣ ቈሎ 3:5፣ 1ተሰ 4:3፣ 1ጴጥ 4:3
ግብ. 21:261ቈረ 9:20
ግብ. 21:28ግብ 24:5, 6
ግብ. 21:29ግብ 20:4፣ 2ጢሞ 4:20
ግብ. 21:33ግብ 20:22, 23፣ 21:10, 11
ግብ. 21:39ፊል 3:4, 5
ግብ. 21:39ግብ 22:3
ግብ. 21:40ግብ 26:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 21:1-40

ግብሪ ሃዋርያት

21 ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ነቐልና ድማ፡ ትኽ ኢልና ናብ ቆስ መጻእና፣ ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ሮዶስ፡ ካብኣ እውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። 2 ናብ ፊንቄ እትሰግር መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ኣብኣ ደየብና እሞ ኸድና። 3 ንደሴት ቆጵሮስ ምስ ረኣናያ፡ ብጸጋምና* ንድሕሪት ሓዲግናያ ናብ ሶርያ ገጽና ኸድና፣ እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ጽዕነት ነበራ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። 4 ደቀ መዛሙርቲ ደሊና ምስ ረኸብና፡ ኣብኣ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና። ንሳቶም ግና ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይከይድ ደጋጊሞም ነገርዎ።+ 5 ኣብኣ ዝቐነናለን መዓልትታት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ካብኣ ወጺእና ኽንጕዓዝ ተበገስና፣ ኵላቶም ድማ ምስ ኣንስትን ደቅን ኰይኖም፡ ክሳብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና። ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ተምበርኪኽና ጸለና፡ 6 ተሰነባበትና ኸኣ። ሽዑ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፣ ንሳቶም ድማ ነናብ ቤቶም ተመልሱ።

7 ሽዑ፡ ንሕና ኻብ ጢሮስ ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ዛዚምና ናብ ጵቶልማዩስ በጻሕና፣ ንኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ጸናሕና። 8 ንጽብሒቱ፡ ካብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና፣ ናብ ቤት እቲ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዝነበረ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ኣቲና ድማ፡+ ምስኡ ቐነና። 9 ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ* ኣዋልድ ነበራኦ።+ 10 ሓያሎ መዓልትታት ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ+ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11 ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፡ ብእኡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሰረ እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣይሁድ ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም፡+ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም’” በለ።+ 12 እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ኣብኡ ዝነበሩን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ለመንናዮ። 13 ሽዑ፡ ጳውሎስ፡ “ኣቱም እትበኽዩን ልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧ ኣነ ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ንሙማት እውን ተዳልየ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።+ 14 ከነእምኖ ፈቲንና ምስ ኣበየና፡ “ፍቓድ የሆዋ* ይኹን” ኢልና ምቅዋሙ ሓደግና።*

15 ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚአን ንጕዕዞ ተዳሊና፡ ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16 ገለ ኻብቶም ኣብ ቂሳርያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ እውን ምሳና ኸዱ፣ ናብቲ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር ዝዀነ ምናሶን ብዓል ቆጵሮስ ከኣ መርሑና፣ ኣብኡ እውን ተኣንገድና። 17 ናብ የሩሳሌም ምስ በጻሕና ድማ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18 ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ+ ከደ፣ ኵሎም እቶም ሽማግለታት ድማ ኣብኡ ነበሩ። 19 ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ ብኣገልግሎቱ ኣቢሉ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ነገር ብዝርዝር ኣዘንተወሎም።

20 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣሞጊሶም ከምዚ በልዎ፦ “ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፣ ኵላቶም ከኣ ንሕጊ ቕንኣት ኣለዎም።+ 21 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ፡ ደቆም ከይገዝሩን ብልምድታት ከይመላለሱን እናነገርካ፡ ምስ ሙሴ ዚጻረር ክሕደት ትምህር ከም ዘለኻ፡ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።+ 22 እንታይ ደኣ ይገበር፧ ብርግጽ ምምጻእካ ኺሰምዑ እዮም። 23 እምበኣር፡ እዚ እንብለካ ግበር፦ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኡት ኣለዉና። 24 ነዚኣቶም ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፣ ርእሶም ኪላጸዩ እውን፡ ወጻኢታቶም ሸፍነሎም። ሽዑ፡ ንስኻ እውን ሕጊ እናሓሎኻ ብስርዓት ከም እትመላለስ እምበር፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ወረስ ከንቱ ምዃኑ፡ ኵሎም ኪፈልጡ እዮም።+ 25 ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውአን+ ካብ ደምን+ ካብ ሕኑቕን*+ ካብ ምንዝርናን*+ ኪርሕቁ፡ ውሳነና ብጽሑፍ ልኢኽናሎም ኣለና።”

26 ሽዑ፡ ጳውሎስ ነቶም ሰብኡት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ነጽሀ፣+ መዓልትታት ምንጻሆም መዓስ ከም ዚውድኣን ንነፍሲ ወከፎም መዓስ መስዋእቲ ኸም ዚቐርበሎምን ኪነግር ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።

27 እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ድማ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ እሞ፡ 28 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ርድኡና! እቲ ኣብ ኵሉ ምስ ህዝብናን ምስ ሕግናን ምስ እዛ ቦታ እዚኣን ዚጻረር ንዅሉ ዚምህር ሰብ እዚ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ግሪኻውያን እውን ናብ ቤተ መቕደስ ኣእትዩ፡ ነዛ ቕድስቲ ቦታ ኸኣ ኣርኪስዋ” ኢሎም ጨደሩ።+ 29 ከመይሲ፡ ቅድም ንጥሮፊሞስ+ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ፣ ጳውሎስ ናብታ ቤተ መቕደስ ዘእተዎ እውን መሲልዎም ነበረ። 30 ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ተነዓበት፣ ህዝቢ እናጐየየ ድማ መጸ፣ ንጳውሎስ ሒዞም ከኣ ካብታ ቤተ መቕደስ ንወጻኢ ወጠጥዎ፣ ብኡብኡ እውን ነቲ መዓጹ ዓጸውዎ። 31 ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕ እቲ ኣሃዱ ሰራዊት፡ ብዘላ የሩሳሌም ዕግርግር ከም ዝበለት፡ ሓበሬታ በጽሖ፣ 32 ንሱ ድማ ብኡብኡ ወተሃደራትን ሓላቑ ሚእትን ሒዙ ናባታቶም ጐየየ። ነቲ ሓለቓ ሽሕን ንወተሃደራቱን ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስ ምውቃዑ ሓደጉ።

33 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ሓዞ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኪእሰር ድማ ኣዘዘ፣+ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረን እውን ሓተተ። 34 ግናኸ፡ እቶም ህዝቢ፡ ገሊኣቶም ከምዚ፡ ገሊኣቶም እውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። ብሰንኪ እቲ ጫውጫው ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። 35 ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሐ ግና፡ እቲ ህዝቢ ስለ ዝነደረ፡ እቶም ወተሃደራት ተሰከምዎ፣ 36 ከመይሲ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ “ንየው በሎ!” ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።

37 ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬእትውዎ ምስ በሉ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ግሪኽኛ ኽትዛረብ ትኽእል ዲኻ፧ 38 ቅድሚ እተወሰነ ግዜ ኣናዒብካስ፡ 4,000 ሰብ ሽቶል ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻውስ ንስኻ ደይኰንካን፧” በሎ። 39 ጳውሎስ ድማ፡ “ኣነስ ኣይሁዳዊ+ ብዓል ጠርሴስ+ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ውርይቲ ኸተማ እየ። ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ ከኣ፡ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። 40 ምስ ፈቐደሉ፡ ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከተሎም። ዓብዪ ጸጥታ ምስ ኰነ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ+ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ