መዝሙር ንኣላዪ። ናይ ዳዊት፡ ንመዘከርታ። 70 ኦ ኣምላኽ፡ ኣድሕነኒ፣ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 2 እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡ናብ ውርደት የንሳሕቡ። 3 እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉ፡ብሕፍረት ንድሕሪት ይመለሱ። 4 እቶም ዚደልዩኻ ግና፡ብኣኻ ይፈስሁን ይተሓጐሱን።+ እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡ወትሩ፡ “ኣምላኽ ይዕበ!” ይበሉ። 5 ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣+ኦ ኣምላኽ፡ ምእንታይ ቀልጥፍ።+ ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፣+ኦ የሆዋ፡ ኣይትደንጒ።+