ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ቆርኔሌዎስ ዝረኣዮ ራእይ (1-8)

      • ጴጥሮስ ብዛዕባ ዝነጽሁ እንስሳታት ዝረኣዮ ራእይ (9-16)

      • ጴጥሮስ ናብ ቆርኔሌዎስ ከደ (17-33)

      • ጴጥሮስ ንኣህዛብ ኣበሰሮም (34-43)

        • ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን’ (34, 35)

      • ኣህዛብ መንፈስ ቅዱስ ተዋህቦምን ተጠምቁን (44-48)

ግብሪ ሃዋርያት 10:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጭፍራ፡” 600 ወተሃደራት ዘለዎ ኣሃዱ ሰራዊት ሮሜ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 70

ግብሪ ሃዋርያት 10:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:1

ግብሪ ሃዋርያት 10:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 65:2

ግብሪ ሃዋርያት 10:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ያፎ።”

ግብሪ ሃዋርያት 10:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 69

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2011፡ ገጽ 18

ግብሪ ሃዋርያት 10:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 12:00 ኣቢሉ።

ግብሪ ሃዋርያት 10:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:5-10

ግብሪ ሃዋርያት 10:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣቕሓ።”

ግብሪ ሃዋርያት 10:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:4, 13-20፣ 20:25፣ ዘዳ 14:3, 19፣ ህዝ 4:14

ግብሪ ሃዋርያት 10:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ።”

ግብሪ ሃዋርያት 10:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 71

ግብሪ ሃዋርያት 10:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:2፣ 15:28፣ 16:6፣ 20:23

ግብሪ ሃዋርያት 10:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:1

ግብሪ ሃዋርያት 10:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 71፡ 75

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2014፡ ገጽ 3-4

ግብሪ ሃዋርያት 10:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 4:8፣ ግብ 14:12-15፣ ራእ 19:10፣ 22:8, 9

ግብሪ ሃዋርያት 10:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 18:28
  • +ግብ 10:45፣ ኤፌ 3:5, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 71

ግብሪ ሃዋርያት 10:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።

ግብሪ ሃዋርያት 10:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:43

ግብሪ ሃዋርያት 10:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 10:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 10:17፣ 2ዜና 19:7፣ ሮሜ 2:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 1 2022፡ ገጽ 6-7

    መስክር፡ ገጽ 71-72

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 5

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 1 2021፡ ገጽ 7

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2018፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2013፡ ገጽ 8

    1/9/2009፡ ገጽ 29

    1/2/2004፡ ገጽ 30

ግብሪ ሃዋርያት 10:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 2:13፣ 1ቈረ 12:13፣ ገላ 3:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት፡ ዓንቀጽ 64

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 1 2022፡ ገጽ 6-7

    መስክር፡ ገጽ 71-72

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 5

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 1 2021፡ ገጽ 7

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2018፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2013፡ ገጽ 8

    1/10/2010፡ ገጽ 11

    1/2/2004፡ ገጽ 30

ግብሪ ሃዋርያት 10:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 28:18፣ ሮሜ 14:9፣ ራእ 19:11, 16
  • +ኢሳ 52:7፣ ናሆ 1:15

ግብሪ ሃዋርያት 10:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 4:14

ግብሪ ሃዋርያት 10:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:2፣ 42:1፣ 61:1፣ ማቴ 3:16
  • +ዮሃ 3:1, 2
  • +ሉቃ 13:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    7/2020፡ ገጽ 31

    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ፡ ገጽ 186-187

ግብሪ ሃዋርያት 10:39

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኦም።”

ግብሪ ሃዋርያት 10:40

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪርአ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮና 1:17፣ 2:10፣ ግብ 2:23, 24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 6 2017፡ ገጽ 9

ግብሪ ሃዋርያት 10:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 24:30, 31፣ ዮሃ 21:13, 14

ግብሪ ሃዋርያት 10:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:31፣ ሮሜ 14:9፣ 2ቈረ 5:10፣ 2ጢሞ 4:1፣ 1ጴጥ 4:5
  • +ማቴ 28:19, 20፣ ግብ 1:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2008፡ ገጽ 16፡ 19

    1/1/2005፡ ገጽ 12

    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡

    2/2003፡ ገጽ 3

ግብሪ ሃዋርያት 10:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 53:11፣ ኤር 31:34፣ ዳን 9:24
  • +ሉቃ 24:27፣ ራእ 19:10

ግብሪ ሃዋርያት 10:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:31፣ 8:14, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 72

ግብሪ ሃዋርያት 10:45

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እሙናት።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 72

ግብሪ ሃዋርያት 10:46

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብልሳናት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:1, 4፣ 19:6

ግብሪ ሃዋርያት 10:47

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 3:11፣ ግብ 8:36፣ 11:17

ግብሪ ሃዋርያት 10:48

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 16:19፣ ግብ 2:38

ሓፈሻዊ

ግብ. 10:3ግብ 3:1
ግብ. 10:4መዝ 65:2
ግብ. 10:10ግብ 11:5-10
ግብ. 10:14ዘሌ 11:4, 13-20፣ 20:25፣ ዘዳ 14:3, 19፣ ህዝ 4:14
ግብ. 10:17ግብ 11:11
ግብ. 10:19ግብ 13:2፣ 15:28፣ 16:6፣ 20:23
ግብ. 10:22ግብ 10:1
ግብ. 10:26ሉቃ 4:8፣ ግብ 14:12-15፣ ራእ 19:10፣ 22:8, 9
ግብ. 10:28ዮሃ 18:28
ግብ. 10:28ግብ 10:45፣ ኤፌ 3:5, 6
ግብ. 10:32ግብ 9:43
ግብ. 10:34ዘዳ 10:17፣ 2ዜና 19:7፣ ሮሜ 2:11
ግብ. 10:35ሮሜ 2:13፣ 1ቈረ 12:13፣ ገላ 3:28
ግብ. 10:36ማቴ 28:18፣ ሮሜ 14:9፣ ራእ 19:11, 16
ግብ. 10:36ኢሳ 52:7፣ ናሆ 1:15
ግብ. 10:37ሉቃ 4:14
ግብ. 10:38ኢሳ 11:2፣ 42:1፣ 61:1፣ ማቴ 3:16
ግብ. 10:38ዮሃ 3:1, 2
ግብ. 10:38ሉቃ 13:16
ግብ. 10:40ዮና 1:17፣ 2:10፣ ግብ 2:23, 24
ግብ. 10:41ሉቃ 24:30, 31፣ ዮሃ 21:13, 14
ግብ. 10:42ግብ 17:31፣ ሮሜ 14:9፣ 2ቈረ 5:10፣ 2ጢሞ 4:1፣ 1ጴጥ 4:5
ግብ. 10:42ማቴ 28:19, 20፣ ግብ 1:8
ግብ. 10:43ኢሳ 53:11፣ ኤር 31:34፣ ዳን 9:24
ግብ. 10:43ሉቃ 24:27፣ ራእ 19:10
ግብ. 10:44ግብ 4:31፣ 8:14, 15
ግብ. 10:46ግብ 2:1, 4፣ 19:6
ግብ. 10:47ማቴ 3:11፣ ግብ 8:36፣ 11:17
ግብ. 10:48ማቴ 16:19፣ ግብ 2:38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48

ግብሪ ሃዋርያት

10 ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ኣብቲ ኢጣልያዊ ኣሃዱ* ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ። 2 ንሱ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ፡ ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኵሉ ሳዕ ከኣ ናብ ኣምላኽ ዚምህለል ነበረ። 3 ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት+ ናይ መዓልቲ* ኣቢሉ ድማ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ መጺኡ፡ “ቆርኔሌዎስ!” ኪብሎ ኸሎ፡ ብግህዶ ራእይ ረኣየ። 4 ንሱ ኸኣ ፈሪሁ ጠመቶ እሞ፡ “እንታይ እዩ ጐይታይ፧” በለ። ንሱ ድማ፡ “ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ።+ 5 ሕጂ ኸኣ ናብ ዮጴ* ሰባት ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ። 6 ንሱ ምስቲ ቤቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ። 7 እቲ እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ከደ፡ ብኡብኡ ኽልተ ኻብቶም ገላዉኡን ካብቶም ዜገልግልዎ ድማ ሓደ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ ወተሃደርን ጸዊዑ፡ 8 ኵሉ እቲ ዝዀነ ኣዘንትዩ፡ ናብ ዮጴ ለኣኾም።

9 ንጽብሒቱ፡ ንሳቶም ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ድማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢሉ፡ ኪጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10 ሽዑ፡ ኣዝዩ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ። ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ፣+ 11 ሰማይ ተኸፊቱ ድማ፡ ከም ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዝኣመሰለ ነገር* ብኣርባዕተ መኣዝኑ ተታሒዙ ናብ ምድሪ ኺወርድ ከሎ ረኣየ፣ 12 ኣብኡ ኸኣ ኵሎም ዓይነት ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታትን ለመምቲ ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ። 13 ሽዑ፡ “ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!” ዚብል ድምጺ መጾ። 14 ጴጥሮስ ግና፡ “ጐይታይ፡ ርኹስን ዘይንጹህን ዘበለ ኸቶ በሊዐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ” በለ።+ 15 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ካልኣይ ሳዕ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” ዚብል ድምጺ መጾ። 16 እዚ ሳልሳይ ሳዕ ኰነ፣ ብኡብኡ ኸኣ ናብ ሰማይ ተወስደ።*

17 ጴጥሮስ፡ እቲ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ደንጽይዎ ኸሎ፡ ሽዑሽዑ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን ኣበይ ምዃና ሓቲቶም፡ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።+ 18 ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ እንተሎ ሓተቱ። 19 ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡+ “እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኡት ይደልዩኻ ኣለዉ። 20 ኣነ ስለ ዝለኣኽክዎም፡ ተንስእ እሞ ወሪድካ ኸይተጠራጠርካ ምሳታቶም ኪድ” በሎ። 21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ናብቶም ሰብኡት ወሪዱ፡ “እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ኣነ እየ። ናብዚ ዘምጽኣኩም ምኽንያት እንታይ እዩ፧” በሎም። 22 ንሳቶም ከኣ፡ “ነቲ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ብጽቡቕ እተመስከረሉን ቆርኔሌዎስ+ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ልኢኹ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካን ንስኻ እትብሎ ኺሰምዕን፡ ብቕዱስ መልኣኽ መለኮታዊ መምርሒ ተዋሂብዎ ኣሎ” በሉ። 23 ስለዚ፡ ኣእትዩ ኸም ኣጋይሹ ተቐበሎም።

ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፣ ካብ ዮጴ ኸኣ ገለ ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ። 24 ንጽብሒቱ፡ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25 ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፡ ኣብ ኣእጋሩ ፍግም ኢሉ እውን ሰገደሉ። 26 ጴጥሮስ ግና፡ “ተንስእ፣ ኣነ እውን ከማኻ ሰብ እየ” ኢሉ ኣተንስኦ።+ 27 ምስኡ እናተዛራረበ ኣትዩ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ረኸበ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “ኣይሁዳዊ ምስ ካልእ ዝዓሌቱ ኺሕወስ ወይ ኪቐርብ ከም ዘይተፈቕደ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ እዩ።+ 29 ስለዚ፡ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ሰገጥ ከይበልኩ እየ መጺአ። እምበኣር፡ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሓትተኩም ኣለኹ” በሎም።

30 ቆርኔሌዎስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ከምዛ ሰዓት እዚኣ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ቤተይ ኰይነ ኽጽሊ ኸለኹ፡ ሽዑሽዑ፡ ብሩህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ፡ 31 ‘ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ። 32 እምበኣር፡ ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸውዓዮ። ንሱ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ቤት ስምኦን እቲ ኣልፋዓይ፡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ ኣሎ’ ኢሉኒ።+ 33 ስለዚ፡ ብኡብኡ ናባኻ ልኢኸ፣ ንስኻ ናብዚ ብምምጻእካ እውን ጽቡቕ ጌርካ። ሕጂ ኸኣ ኵሉ እቲ ኻብ የሆዋ* እተኣዘዝካዮ ኽንሰምዕሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነና።”

34 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ ኸምዚ በለ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣+ 35 የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።+ 36 ንሱ በቲ ጐይታ ዅሉ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ፡+ ሰላም ኬበስሮም ናብ ደቂ እስራኤል ቃል ልኢኹ እዩ።+ 37 ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፡ ካብ ገሊላ+ ጀሚሩ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እተባህለ ነገር፡ 38 ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ንዕኡ ብመንፈስ ቅዱስን+ ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ+ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ+ ትፈልጡ ኢኹም። 39 ንሕና ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ፡ መሰኻኽር ኢና፣ ንዕኡ እውን ኣብ ጕንዲ* ሰቒሎም ቀቲሎምዎ። 40 ኣምላኽ ንዕኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንሲእዎ፣+ ኪገሃድ* ድማ ፈቒዱሉ፣ 41 ግናኸ፡ ንዓና ነቶም ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናን፡ ኣምላኽ እውን ኣቐዲሙ ዝሓረየና መሰኻኽር እምበር፡ ንዅሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን።+ 42 ንሱ ፈራድ ህያዋንን ምዉታትን ኪኸውን ኣምላኽ ከም ዝወሰነ ኸኣ፡+ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ኣጸቢቕና ኽንምስክርን ኣዚዙና።+ 43 ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኺረክብ፡+ ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ እዮም።”+

44 ጴጥሮስ ገና እዚ ቓል እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።+ 45 እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ እተገዝሩ ኣመንቲ፡* ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ እውን ስለ ዝፈሰሰ፡ ኣስተንከሩ። 46 ከመይሲ፡ ብቛንቋታት* ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬዕብይዎን ሰምዕዎም።+ ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ 47 “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧”+ ኢሉ መለሰ። 48 ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ።+ ድሕርዚ፡ ቍሩብ መዓልትታት ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ