ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ግብጺ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-15)

      • ግብጺ ንየሆዋ ኽትፈልጦ እያ (16-25)

        • ኣብ ግብጺ ንየሆዋ መሰውኢ ኺህሉ እዩ (19)

ኢሳይያስ 19:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:17, 19፣ ህዝ 29:2፣ ዮኤ 3:19
  • +ዘጸ 12:12፣ ኤር 43:12፣ 46:25፣ ህዝ 30:13

ኢሳይያስ 19:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 19:11, 13
  • +ኢሳ 8:19፣ ግብ 16:16፣ ራእ 18:23

ኢሳይያስ 19:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 20:3, 4፣ ኤር 46:25, 26፣ ህዝ 29:19

ኢሳይያስ 19:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 30:12፣ ዘካ 10:11

ኢሳይያስ 19:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 2:3

ኢሳይያስ 19:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 11:10
  • +ህዝ 29:10

ኢሳይያስ 19:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 9:25, 31፣ ምሳ 7:16

ኢሳይያስ 19:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነፍሶም ኪሓዝኑ።”

ኢሳይያስ 19:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 78:12፣ ህዝ 30:14
  • +ኢሳ 44:25

ኢሳይያስ 19:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:8፣ 1ነገ 4:30፣ ግብ 7:22

ኢሳይያስ 19:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሞፍ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:14፣ ህዝ 30:13

ኢሳይያስ 19:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 12:20, 24፣ ኢሳ 19:3

ኢሳይያስ 19:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጨንፈር ስየ ዀነ ሻምብቆ” ኪኸውን ይኽእል።

ኢሳይያስ 19:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:15

ኢሳይያስ 19:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 20:3, 4፣ ኤር 25:17, 19፣ 43:10, 11፣ ህዝ 29:6

ኢሳይያስ 19:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:4, 7፣ 44:1

ኢሳይያስ 19:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2000፡ ገጽ 9-10

ኢሳይያስ 19:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2000፡ ገጽ 9-10

ኢሳይያስ 19:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 19:1፣ ኤር 46:13

ኢሳይያስ 19:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:16፣ 35:8፣ 40:3

ኢሳይያስ 19:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 2:11

ኢሳይያስ 19:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:9፣ መዝ 115:12፣ ኢሳ 61:9

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 19:1ኤር 25:17, 19፣ ህዝ 29:2፣ ዮኤ 3:19
ኢሳ. 19:1ዘጸ 12:12፣ ኤር 43:12፣ 46:25፣ ህዝ 30:13
ኢሳ. 19:3ኢሳ 19:11, 13
ኢሳ. 19:3ኢሳ 8:19፣ ግብ 16:16፣ ራእ 18:23
ኢሳ. 19:4ኢሳ 20:3, 4፣ ኤር 46:25, 26፣ ህዝ 29:19
ኢሳ. 19:5ህዝ 30:12፣ ዘካ 10:11
ኢሳ. 19:6ዘጸ 2:3
ኢሳ. 19:7ዘዳ 11:10
ኢሳ. 19:7ህዝ 29:10
ኢሳ. 19:9ዘጸ 9:25, 31፣ ምሳ 7:16
ኢሳ. 19:11መዝ 78:12፣ ህዝ 30:14
ኢሳ. 19:11ኢሳ 44:25
ኢሳ. 19:12ዘፍ 41:8፣ 1ነገ 4:30፣ ግብ 7:22
ኢሳ. 19:13ኤር 46:14፣ ህዝ 30:13
ኢሳ. 19:14እዮ 12:20, 24፣ ኢሳ 19:3
ኢሳ. 19:16ኢሳ 11:15
ኢሳ. 19:17ኢሳ 20:3, 4፣ ኤር 25:17, 19፣ 43:10, 11፣ ህዝ 29:6
ኢሳ. 19:18ኤር 43:4, 7፣ 44:1
ኢሳ. 19:22ኢሳ 19:1፣ ኤር 46:13
ኢሳ. 19:23ኢሳ 11:16፣ 35:8፣ 40:3
ኢሳ. 19:24ዘካ 2:11
ኢሳ. 19:25ዘዳ 32:9፣ መዝ 115:12፣ ኢሳ 61:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 19:1-25

ኢሳይያስ

19 ኣንጻር ግብጺ+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦

እንሆ፡ የሆዋ ኣብ ፈጣን ደበና ተወጢሑ ናብ ግብጺ ይመጽእ ኣሎ።

እቶም ከንቱ ኣማልኽቲ ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+

ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ።

 2 “ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፣

ንሓድሕዶም ኪዋግኡ እዮም፣

ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓዉን ምስ ብጻዩን፡

ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ድማ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ።

 3 መንፈስ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺዕውን እዩ፣

ንውጥናታ ድማ ክዘርጎ እየ።+

ንሳቶም ከኣ ናብ ከንቱ ኣማልኽቶምን፡

ናብ ዓዘምትን ናብ ጠየቕቲ መናፍስትን ናብ ጠንቈልትን ኪጽግዑ እዮም።+

 4 ንግብጺ ናብ ኢድ ተሪር ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፣

ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ”+ ይብል እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

 5 ማይ ባሕሪ ኺነቅጽ፡

ኣፍላግ ከኣ ኪደርቕን ኪነጽፍን እዩ።+

 6 ኣፍላግ ኪጽይእ እዩ፣

መትረባት ኒል ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ።

ሻምብቆታትን ሰትታትን ኪምሽምሽ እዩ።+

 7 ጥቓ ፈለግ ኒል፡ ኣብ ኣፍ ኒል ዘሎ ኣትክልቲ፡

ኵሉ እቲ ኣብ ጥቓ ኒል ብዘርኢ ዚዝራእ ምድሪ+ ኺነቅጽ እዩ።+

ንፋስ ከኣ ኪወስዶ፡ ኣይኪርከብን እውን እዩ።

 8 ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ኪሓዝኑ፡

እቶም ኣብ ኒል መቝለብ ዓሳ ዚድርብዩ እውን ኪቝዝሙ እዮም፣

እቶም መርበቦም ኣብ ማይ ዚዝርግሑ ኸኣ ኪውሕዱ እዮም።

 9 እቶም ብእተባዘተ እንጣጢዕ+ ዚዓይዩ፡

እቶም ብማእለማ ጻዕዳ ዓለባ ዚገብሩ፡ ኪሓፍሩ እዮም።

10 ኣለምታ ኺጭፍለቑ፡

ኵሎም ዕሱባታ ድማ ኪሓዝኑ* እዮም።

11 መሳፍንቲ ጾዓን+ ዓያሹ እዮም።

እቶም ጥበበኛታት ኣማኸርቲ ፈርኦን ናይ ዕሽነት ምኽሪ ይህቡ።+

ከመይ ጌርኩም ንፈርኦን፡

“ኣነ ወዲ ጥበበኛታት እየ፡

ወዲ ናይ ጥንቲ ነገስታት እየ” እትብልዎ፧

12 ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧+

የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ ግብጺ ዝወሰኖ ነገር ዚፈልጡ እንተ ዀይኖም፡ ይንገሩኻ።

13 መሳፍንቲ ጾዓን ዓሽዮም፣

መሳፍንቲ ኖፍ*+ ተታሊሎም፣

ኣሕሉቕ ነገዳታ ንግብጺ ኣስሒቶምዋ።

14 የሆዋ ኣብኣ መንፈስ ዕውንውን ኣፍሲሱላ ኣሎ፣+

ከምቲ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ዚብል፡

ንግብጺ ኸኣ ኣብ ኵሉ እትገብሮ ኣስሒቶምዋ ኣለዉ።

15 ግብጺ ድማ ርእሲ ዀነ ጭራ፡ ጨንፈር ኰነ ሰቲ* ዚገብሮ

ዝዀነ ዕዮ ኣይኪህልዋን እዩ።

16 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን፡ ኣብ ቅድሚ እታ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ ዜልዕላ እተፍርህ ኢዱ ድማ ራዕራዕ ክትብልን ክትሽበርን እያ።+ 17 ምድሪ ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሸበሪ ኽትኰና እያ። ብሰንኪ እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኦም ዝገበሮ ውሳነ፡ ንሳ ኽትጥቀስ ከላ ኺርዕዱ እዮም።+

18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቋንቋ ከነኣን+ ዚዛረባን ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት እሙናት ከም ዚዀና ዚምሕላን ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኺርከባ እየን። ሓንቲ ኸተማ፡ ከተማ ምፍራስ ክትብሃል እያ።

19 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብጺ ንየሆዋ መሰውኢ፡ ኣብ ዶባ እውን ንየሆዋ ሓወልቲ ኺህሉ እዩ። 20 እዚ ድማ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ምድሪ ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት ጨቈንቶምሲ ናብ የሆዋ ኼእውዩ እዮም፣ ንሱ እውን ዜድሕኖም መድሓንን ዓብይን ኪሰድደሎም እዩ። 21 የሆዋ ንግብጻውያን ኪፍለጠሎም፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሆዋ ኺፈልጥዎ እዮም፣ ንየሆዋ ድማ መስዋእትን መባእን ኬቕርቡሉ፡ መብጽዓ እውን ኪመባጽዑሉን ኪፍጽምዎን እዮም። 22 የሆዋ ንግብጺ ኺወቕዓ፡+ ኪወቕዓ እሞ ኬሕውያ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ የሆዋ ኺምለሱ፡ ንሱ እውን ንልማኖኦም ኪምልሰሎምን ኬሕውዮምን እዩ።

23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ዚወስድ ጐደና+ ኺህሉ እዩ። ሽዑ፡ ኣሶር ናብ ግብጺ፡ ግብጺ እውን ናብ ኣሶር ክትመጽእ እያ፣ ግብጺ ኸኣ ምስ ኣሶር ሓቢራ ንኣምላኽ ከተገልግል እያ። 24 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እስራኤል ንግብጽን ንኣሶርን+ ሳልሰይተን፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ክትከውን እያ። 25 የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡ “ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኣእዳወይን እስራኤል ርስተይን ይባረኻ” ኢሉ ኺባርኸን እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ