ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ መሰውኢ እተነግረ ትንቢት (1-10)

        • እቲ መሰውኢ ተጨድደ (5)

      • እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ትእዛዝ ጠሓሰ (11-34)

1 ነገስት 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:32፣ ኣሞ 3:14
  • +2ነገ 23:16, 17

1 ነገስት 13:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:24፣ 22:1
  • +2ነገ 23:15, 16፣ 2ዜና 34:33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2014፡ ገጽ 5

1 ነገስት 13:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብስብሒ እቲ መስዋእቲ ዝጠስጠሰ ሓምዅሽቲ።

1 ነገስት 13:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ለመሰት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:10፣ ኤር 20:2
  • +2ነገ 6:18

1 ነገስት 13:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኣምላኽካ ኣፈሽሕው።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 10:16, 17፣ ዘሁ 21:7፣ ኤር 37:3፣ ግብ 8:24

1 ነገስት 13:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2008፡ ገጽ 8-9

1 ነገስት 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 13:1

1 ነገስት 13:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2008፡ ገጽ 9-10

1 ነገስት 13:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 13:30፣ 2ነገ 23:17, 18

1 ነገስት 13:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 6:7፣ 1ነገ 20:35, 36፣ 2ነገ 17:25

1 ነገስት 13:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 13:9
  • +1ነገ 13:21, 22

1 ነገስት 13:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:17, 18

1 ነገስት 13:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:30፣ 1ነገ 12:29, 31
  • +2ነገ 23:15, 19

1 ነገስት 13:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢድ ይመልእ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:25, 31
  • +2ዜና 11:14, 15

1 ነገስት 13:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:30, 31፣ 2ነገ 3:1, 3፣ 10:31፣ 13:1, 2
  • +1ነገ 14:10፣ 15:25-29፣ 2ነገ 17:22, 23

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 13:11ነገ 12:32፣ ኣሞ 3:14
1 ነገ. 13:12ነገ 23:16, 17
1 ነገ. 13:22ነገ 21:24፣ 22:1
1 ነገ. 13:22ነገ 23:15, 16፣ 2ዜና 34:33
1 ነገ. 13:42ዜና 16:10፣ ኤር 20:2
1 ነገ. 13:42ነገ 6:18
1 ነገ. 13:6ዘጸ 10:16, 17፣ ዘሁ 21:7፣ ኤር 37:3፣ ግብ 8:24
1 ነገ. 13:141ነገ 13:1
1 ነገ. 13:221ነገ 13:30፣ 2ነገ 23:17, 18
1 ነገ. 13:242ሳሙ 6:7፣ 1ነገ 20:35, 36፣ 2ነገ 17:25
1 ነገ. 13:261ነገ 13:9
1 ነገ. 13:261ነገ 13:21, 22
1 ነገ. 13:312ነገ 23:17, 18
1 ነገ. 13:32ዘሌ 26:30፣ 1ነገ 12:29, 31
1 ነገ. 13:322ነገ 23:15, 19
1 ነገ. 13:331ነገ 12:25, 31
1 ነገ. 13:332ዜና 11:14, 15
1 ነገ. 13:341ነገ 16:30, 31፣ 2ነገ 3:1, 3፣ 10:31፣ 13:1, 2
1 ነገ. 13:341ነገ 14:10፣ 15:25-29፣ 2ነገ 17:22, 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 13:1-34

1 ነገስት

13 የሮብዓም ኪዓጥን ኣብ ጥቓ መሰውኢ+ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ+ ብቓል የሆዋ ኻብ ይሁዳ ናብ ቤት-ኤል መጸ። 2 ብቓል የሆዋ ኸኣ ኣንጻር እቲ መሰውኢ ኸምዚ ኢሉ ጨደረ፦ “ኦ መሰውኢ፡ መሰውኢ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንቤት ዳዊት፡ ዮስያስ+ ዝስሙ ወዲ ኺውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣብ ልዕሌኻ ዚዓጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኺስውኦም፡ ኣዕጽምቲ ሰባት እውን ኣብ ልዕሌኻ ኼንድድ እዩ።’”+ 3 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ከምዚ ኢሉ ትእምርቲ ሃበ፦ “እቲ የሆዋ እተዛረቦ ትእምርቲ እዚ እዩ፦ እንሆ፡ እቲ መሰውኢ ኺጭደድ እዩ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓምዅሽቲ* ኸኣ ኪክዖ እዩ።”

4 ንጉስ ድማ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውኢ ዝጨደሮ ቓል ምስ ሰምዐ፡ የሮብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ፡ “ሓዝዎ!” በለ።+ ብኡብኡ፡ እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ነቐጸት፣* ኪመልሳ ኸኣ ኣይከኣለን።+ 5 ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ብቓል የሆዋ ዝሃቦ ትእምርቲ ድማ፡ እቲ መሰውኢ ተጨድደ፡ እቲ ሓምዅሽቲ እውን ተኻዕወ።

6 ሽዑ፡ ንጉስ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ሞገስ የሆዋ ኣምላኽካ ለምን፡* ምእንታይ እውን ጸሊ” በሎ።+ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ሞገስ የሆዋ ለመነ፡ ኢድ ንጉስ ድማ ናብ ቀደማ ተመልሰት። 7 ንጉስ ከኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “ምሳይ ናብ ቤት ንዓናይ እሞ ምግቢ ብላዕ፣ ህያብ እውን ክህበካ” በሎ። 8 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ግና ንንጉስ፡ “ፍርቂ ቤትካ እኳ እንተ ትህበኒ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ምሳኻ ኣይከይድን፡ እንጌራ ድማ ኣይበልዕን፡ ማይ እውን ኣይሰትን እየ። 9 ከመይሲ፡ ‘እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ እውን ኣይትስተ፣ በታ ዝኸድካላ መገዲ ኸኣ ኣይትመለስ’ ተባሂለ ብቓል የሆዋ ተኣዚዘ እየ” በሎ። 10 ብኻልእ መገዲ ድማ ከደ፣ በታ ናብ ቤት-ኤል ዝመጸላ መገዲ ኸኣ ኣይተመልሰን።

11 ሓደ ኣረጊት ነብዪ ድማ ኣብ ቤት-ኤል ይቕመጥ ነበረ፣ ደቁ ናብ ቤት መጺኦም ከኣ ኵሉ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ነገርን ንንጉስ እተዛረቦ ዘረባን ኣዘንተዉሉ። ንኣቦኦም ምስ ኣዘንተዉሉ ድማ፡ 12 ኣቦኦም፡ “በየነይቲ መገዲ ኸይዱ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ደቁ ኸኣ፡ ነታ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ኣርኣይዎ። 13 ንሱ ድማ ንደቁ፡ “ኣድጊ ጽዓኑለይ” በሎም። ኣድጊ ኸኣ ጸዓኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ተወጥሐ።

14 ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ሰዓቦ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ዓብዪ ኦም ተቐሚጡ ረኸቦ። “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ንስኻ ዲኻ፧” ከኣ በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። 15 ንሱ ኸኣ፡ “ምሳይ ናብ ቤት ንዓናይ እሞ፡ እንጌራ ብላዕ” በሎ። 16 ንሱ ግና፡ “ምሳኻ ክኸይድን ዕድመኻ ክቕበልን ኣይክእልን እየ፣ ምሳኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንጌራ ኣይበልዕን፡ ማይ እውን ኣይሰትን እየ። 17 ከመይሲ፡ ‘እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ እውን ኣይትስተ፣ በታ ዝኸድካላ መገዲ ኸኣ ኣይትመለስ’ ተባሂለ ብቓል የሆዋ ተኣዚዘ እየ” በሎ። 18 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣነ እውን ከማኻ ነብዪ እየ፣ ሓደ መልኣኽ ከኣ፡ ‘እንጌራ ኺበልዕን ማይ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል የሆዋ ተዛሪቡኒ” በሎ። (ግናኸ፡ ኣታሊልዎ እዩ።) 19 ኣብ ቤቱ እንጌራ ኺበልዕን ማይ ኪሰትን ድማ፡ ምስኡ ተመልሰ።

20 ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ ኸኣ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል የሆዋ መጾ፣ 21 ንሱ ድማ ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ኢሉ ጨደረሉ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብ ትእዛዝ የሆዋ ስለ ዝዓሎኻን ነቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ስለ ዘይሓሎኻዮን፡ 22 የግዳስ ኣብታ ብዛዕባኣ፡ “እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ እውን ኣይትስተ” እተባህለላ ቦታ እንጌራ ኽትበልዕን ማይ ክትሰትን ስለ እተመለስካ፡ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኪኣቱን እዩ።’”+

23 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እንጌራ ምስ በልዐን ምስ ሰተየን ከኣ፡ እቲ ኣረጊት ነብዪ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዓነሉ። 24 ንሱ ድማ ከደ፣ ግናኸ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ፡ ቀተሎ።+ ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፣ እቲ ኣድጊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፣ እቲ ኣንበሳ እውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። 25 ዚሓልፉ ሰባት ከኣ እቲ ሬሳ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳ እውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረኣዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዚነብረላ ኸተማ ኣትዮም ድማ፡ እዚ ነገሩ።

26 እቲ ኻብ መገዲ ዝመለሶ ነብዪ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ፡ “ንሱ እቲ ኻብ ትእዛዝ የሆዋ ዝዓለወ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እዩ፣+ ከምቲ ንዕኡ እተዛረቦ ቓል የሆዋ፡ ኪሰብሮን ኪቐትሎን ኢሉ የሆዋ ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ” በለ።+ 27 ንደቁ ድማ፡ “ኣድጊ ጽዓኑለይ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ጸዓኑሉ። 28 ንሱ ድማ ከይዱ ነቲ ሬሳ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፣ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ድማ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊ እውን ኣይሰበሮን። 29 እቲ ነብዪ ኸኣ ንሬሳ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ፡ ኣብቲ ኣድጊ ጽዒኑ፡ ኪሓዝነሉን ኪቐብሮን ናብ ከተማኡ መለሶ። 30 ነቲ ሬሳ ድማ ኣብ መቓብሩ ኣንበሮ፣ “ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከኣ በኸዩሉ። 31 ምስ ቀበሮ ድማ፡ ንደቁ፡ “ምስ ሞትኩ፡ ኣብታ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እተቐብረላ ቕበሩኒ። ንኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብርዎ።+ 32 እቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውእን ኣንጻር ኵሉ እቲ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣብ በረኽቲ ዘሎ ኣባይቲ ኣምልኾን+ ብቓል የሆዋ ዝጨደሮ ቓል ብርግጽ ኪፍጸም እዩ” በሎም።+

33 እዚ ድሕሪ ምዃኑ እኳ፡ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንበረኽቲ ዚዀኑ ኻህናት ይሸይም ነበረ።+ ንዝደለየ ዘበለ ኸኣ፡ “ሓደ ኻብቶም ንበረኽቲ ዚኸውን ካህናት ይኹን” እናበለ ኻህን ኪኸውን ይሸይም* ነበረ።+ 34 እዚ ሓጢኣት ቤተ ሰብ የሮብዓም እዚ፡+ ካብ ገጽ ምድሪ መጥፍኢኦምን መጽነቲኦምን ኰነ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ