ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኣብያም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-8)

      • ኣሳ፡ ንጉስ ይሁዳ (9-24)

      • ናዳብ፡ ንጉስ እስራኤል (25-32)

      • ባዕሳ፡ ንጉስ እስራኤል (33, 34)

1 ነገስት 15:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:20
  • +2ዜና 13:1, 2

1 ነገስት 15:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:20-22

1 ነገስት 15:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣምላኹ ውፉይ ኣይነበረን።”

1 ነገስት 15:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:8, 12፣ መዝ 89:33-37፣ ኢሳ 37:35፣ ኤር 33:20, 21
  • +1ነገ 11:36፣ 2ዜና 21:7፣ መዝ 132:13, 17

1 ነገስት 15:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 11:4, 15፣ መዝ 51:ልዕለ ጽሑፍ

1 ነገስት 15:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:30፣ 2ዜና 12:15

1 ነገስት 15:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 13:22
  • +2ዜና 13:3

1 ነገስት 15:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:10፣ ማቴ 1:7
  • +2ዜና 14:1

1 ነገስት 15:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:21, 22

1 ነገስት 15:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 14:2-5, 11፣ 15:17

1 ነገስት 15:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 23:17, 18፣ 1ነገ 14:24፣ 22:45, 46
  • +1ነገ 11:7፣ 14:22, 23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2012፡ ገጽ 8

1 ነገስት 15:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “እተጌ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:18, 20
  • +ዘዳ 7:5፣ 2ነገ 18:1, 4፣ 2ዜና 34:1, 4
  • +2ሳሙ 15:23፣ 2ዜና 15:16-18፣ ዮሃ 18:1

1 ነገስት 15:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቱ።”

  • *

    ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 33:52፣ ዘዳ 12:2፣ 1ነገ 22:41, 43

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2017፡ ገጽ 19

1 ነገስት 15:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:26, 27

1 ነገስት 15:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:3, 12

1 ነገስት 15:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኺዓርዳ፣ ዳግም ኪሰርሓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:21, 25
  • +2ዜና 16:1-6

1 ነገስት 15:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:7

1 ነገስት 15:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪዳን።”

  • *

    ወይ፡ “ኪዳን።”

1 ነገስት 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29
  • +መሳ 18:29፣ 1ነገ 12:28, 29

1 ነገስት 15:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምዕራድ፣ ዳግም ምስራሕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:17፣ መሃ 6:4

1 ነገስት 15:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓረደን፣ ዳግም ሰርሐን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 21:8, 17
  • +እያ 18:21, 26፣ መሳ 20:1፣ 1ሳሙ 7:5፣ ኤር 40:6

1 ነገስት 15:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝዓረደን፣ ዳግም ዝሰርሐን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:11-14

1 ነገስት 15:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:42፣ 2ዜና 17:3, 4፣ 18:1፣ 19:4፣ ማቴ 1:8

1 ነገስት 15:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:20

1 ነገስት 15:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:7, 9
  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33

1 ነገስት 15:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:44, 48፣ 21:20, 23፣ 1ነገ 16:15

1 ነገስት 15:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:9, 10

1 ነገስት 15:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 12:15

1 ነገስት 15:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:8

1 ነገስት 15:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:7
  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 15:11ነገ 12:20
1 ነገ. 15:12ዜና 13:1, 2
1 ነገ. 15:22ዜና 11:20-22
1 ነገ. 15:42ሳሙ 7:8, 12፣ መዝ 89:33-37፣ ኢሳ 37:35፣ ኤር 33:20, 21
1 ነገ. 15:41ነገ 11:36፣ 2ዜና 21:7፣ መዝ 132:13, 17
1 ነገ. 15:52ሳሙ 11:4, 15፣ መዝ 51:ልዕለ ጽሑፍ
1 ነገ. 15:61ነገ 14:30፣ 2ዜና 12:15
1 ነገ. 15:72ዜና 13:22
1 ነገ. 15:72ዜና 13:3
1 ነገ. 15:81ዜና 3:10፣ ማቴ 1:7
1 ነገ. 15:82ዜና 14:1
1 ነገ. 15:102ዜና 11:21, 22
1 ነገ. 15:112ዜና 14:2-5, 11፣ 15:17
1 ነገ. 15:12ዘዳ 23:17, 18፣ 1ነገ 14:24፣ 22:45, 46
1 ነገ. 15:121ነገ 11:7፣ 14:22, 23
1 ነገ. 15:132ዜና 11:18, 20
1 ነገ. 15:13ዘዳ 7:5፣ 2ነገ 18:1, 4፣ 2ዜና 34:1, 4
1 ነገ. 15:132ሳሙ 15:23፣ 2ዜና 15:16-18፣ ዮሃ 18:1
1 ነገ. 15:14ዘሁ 33:52፣ ዘዳ 12:2፣ 1ነገ 22:41, 43
1 ነገ. 15:151ዜና 26:26, 27
1 ነገ. 15:161ነገ 16:3, 12
1 ነገ. 15:17እያ 18:21, 25
1 ነገ. 15:172ዜና 16:1-6
1 ነገ. 15:182ዜና 16:7
1 ነገ. 15:202ነገ 15:29
1 ነገ. 15:20መሳ 18:29፣ 1ነገ 12:28, 29
1 ነገ. 15:211ነገ 14:17፣ መሃ 6:4
1 ነገ. 15:22እያ 21:8, 17
1 ነገ. 15:22እያ 18:21, 26፣ መሳ 20:1፣ 1ሳሙ 7:5፣ ኤር 40:6
1 ነገ. 15:232ዜና 16:11-14
1 ነገ. 15:241ነገ 22:42፣ 2ዜና 17:3, 4፣ 18:1፣ 19:4፣ ማቴ 1:8
1 ነገ. 15:251ነገ 14:20
1 ነገ. 15:261ነገ 14:7, 9
1 ነገ. 15:261ነገ 12:28-30፣ 13:33
1 ነገ. 15:27እያ 19:44, 48፣ 21:20, 23፣ 1ነገ 16:15
1 ነገ. 15:291ነገ 14:9, 10
1 ነገ. 15:322ዜና 12:15
1 ነገ. 15:331ነገ 16:8
1 ነገ. 15:341ነገ 16:7
1 ነገ. 15:341ነገ 12:28-30፣ 13:33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 15:1-34

1 ነገስት

15 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ፡ ኣብያም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።+ 2 ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ እዩ፣+ ንሳ ጓል ጓሉ ንኣቢሻሎም እያ። 3 ንሱ ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ቕድሚኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ተመላለሰ፣ ልቡ ድማ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ ኣይነበረን።* 4 የሆዋ ኣምላኹ ግና፡ ምእንቲ ዳዊት ኢሉ፡+ ብድሕሪኡ ወዱ ብምትንሳእን ንየሩሳሌም ብዘይምጥፋእን፡ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ።+ 5 ከመይሲ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብዘይካ ኣብ ናይ ኡርያ እቲ ሔታዊ ነገር ድማ፡+ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኻብቲ ዝኣዘዞ ዘበለ ኣየልገሰን። 6 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ውግእ ነበረ።+

7 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣብያም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ ኣብ መንጎ ኣብያምን የሮብዓምን እውን ውግእ ነበረ።+ 8 ኣብያም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሳ+ ነገሰ።+

9 ኣብ መበል 20 ዓመት የሮብዓም ንጉስ እስራኤል፡ ኣሳ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 10 41 ዓመት ከኣ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ዓባዩ ድማ ማዓካ እዩ፣+ ንሳ ጓል ጓሉ ንኣቢሻሎም እያ። 11 ኣሳ ኸኣ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ።+ 12 ነቶም ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ድማ ካብታ ምድሪ ሰጐጎም፣+ ንዅሎም እቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ጽዩፋት ጣኦታት* ከኣ ኣርሓቖም።+ 13 ዓባዩ ማዓካ+ ድማ ዓንዲ ኣምልኾ* ኪኸውን ጽዩፍ ጣኦት ስለ ዝገበረት፡ ንዓኣ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ* ዝነበራ ስልጣን ሰዓራ። ኣሳ ኸኣ ነቲ ጽዩፍ ጣኦታ ቘሪጹ+ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ።+ 14 እቲ በረኽቲ ግና ኣይተወገደን ነበረ።+ ይኹን እምበር፡ ልቢ ኣሳ ብዅሉ ዘመኑ* ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ* ነበረ። 15 ነቲ ንሱን ኣቦኡን ዝቐደስዎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን ድማ ናብ ቤት የሆዋ ኣእተዎ።+

16 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤልን ከኣ፡ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 17 ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ድማ ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+ 18 ሽዑ፡ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንገላዉኡ ኣብ ኢዶም ሃቦም። ንጉስ ኣሳ ኸኣ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኾም፦+ 19 “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ህያብ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።” 20 ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ቤት-ማዓካን ንዅላ ኪነረትን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ወቕዑ። 21 ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓዲጉ፡ ኣብ ቲርጻ+ ተቐመጠ። 22 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንሓደ እኳ ናጻ ኸይሓደገ ንዅሉ ይሁዳ ኣኽተተ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡ ንጉስ ኣሳ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ+ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን+ ሰርሐን።*

23 ኵሉ እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ኵሉ ሓይሉን ኵሉ እቲ ዝገበሮን እተን ዝሰርሐን* ከተማታትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ብግዜ እርጋኑ ግና፡ ኣእጋሩ ሓመመ።+ 24 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።+

25 ናዳብ+ ወዲ የሮብዓም ከኣ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። 26 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ብመገዲ ኣቦኡን+ በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ድማ ተመላለሰ።+ 27 ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ከኣ ውዲት ኣለመሉ፣ ናዳብን ኵሉ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ድማ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን+ ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ። 28 ባዕሳ ኸኣ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 29 ምስ ነገሰ ድማ፡ ንዅሎም ቤት የሮብዓም ቀተሎም። ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ እተዛረቦ ቓል፡ ነቶም ካብ የሮብዓም ዘበሉ ኽሳዕ ዜጽንቶም፡ ትንፋስ ዘለዎ ዘበለ ኣይሓደገን።+ 30 እዚ ዝዀነ ኸኣ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦን ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ስለ ዘዀረዮን እዩ። 31 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ናዳብ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 32 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ።+

33 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፣ 24 ዓመት ድማ ነገሰ።+ 34 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ግና ክፉእ ይገብር ነበረ፣+ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ከኣ ተመላለሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ