ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ቶላዕን ያኢርን (1-5)

      • እስራኤል ይዓሉ፡ ይንሳሕ (6-16)

      • ዓሞናውያን ንእስራኤል ኣስግእዎ (17, 18)

መሳፍንቲ 10:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:16

መሳፍንቲ 10:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:14

መሳፍንቲ 10:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሶርያን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:19፣ 4:1፣ 6:1፣ ነህ 9:28
  • +መሳ 3:7፣ መዝ 106:36, 37
  • +ዘሁ 25:1, 2
  • +1ነገ 11:5፣ 2ነገ 23:13
  • +መሳ 16:23፣ 1ሳሙ 5:4፣ 2ነገ 1:2

መሳፍንቲ 10:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 48፣ 31:17፣ መሳ 2:14፣ 4:2

መሳፍንቲ 10:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2007፡ ገጽ 8

መሳፍንቲ 10:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:13፣ 3:7፣ 1ሳሙ 12:9, 10
  • +ዘዳ 4:30

መሳፍንቲ 10:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 14:30
  • +ዘሁ 21:23-25
  • +መሳ 3:31

መሳፍንቲ 10:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:12
  • +2ዜና 15:2፣ ሚክ 3:4

መሳፍንቲ 10:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:27
  • +ኤር 2:28

መሳፍንቲ 10:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሱ ብመከራ እስራኤል ዓቕሊ ኣጽበበት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:26
  • +2ዜና 7:14፣ 33:13, 15፣ መዝ 106:44፣ ኢሳ 63:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 254

መሳፍንቲ 10:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 3:13

መሳፍንቲ 10:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 11:1

ሓፈሻዊ

መሳ. 10:1መሳ 2:16
መሳ. 10:4ዘዳ 3:14
መሳ. 10:6መሳ 2:19፣ 4:1፣ 6:1፣ ነህ 9:28
መሳ. 10:6መሳ 3:7፣ መዝ 106:36, 37
መሳ. 10:6ዘሁ 25:1, 2
መሳ. 10:61ነገ 11:5፣ 2ነገ 23:13
መሳ. 10:6መሳ 16:23፣ 1ሳሙ 5:4፣ 2ነገ 1:2
መሳ. 10:7ዘዳ 28:15, 48፣ 31:17፣ መሳ 2:14፣ 4:2
መሳ. 10:10መሳ 2:13፣ 3:7፣ 1ሳሙ 12:9, 10
መሳ. 10:10ዘዳ 4:30
መሳ. 10:11ዘጸ 14:30
መሳ. 10:11ዘሁ 21:23-25
መሳ. 10:11መሳ 3:31
መሳ. 10:13መሳ 2:12
መሳ. 10:132ዜና 15:2፣ ሚክ 3:4
መሳ. 10:141ነገ 18:27
መሳ. 10:14ኤር 2:28
መሳ. 10:16ዘዳ 7:26
መሳ. 10:162ዜና 7:14፣ 33:13, 15፣ መዝ 106:44፣ ኢሳ 63:9
መሳ. 10:17ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 3:13
መሳ. 10:18መሳ 11:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 10:1-18

መሳፍንቲ

10 ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላዕ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ፡ ካብ ይሳኮር፡ ንእስራኤል ኬድሕን ተንስአ።+ ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ። 2 ንእስራኤል ከኣ 23 ዓመት ፈረደ። ድሕሪኡ፡ ሞተ፡ ኣብ ሻሚር ድማ ተቐብረ።

3 ድሕሪኡ፡ ያኢር እቲ ጊልዓዳዊ ተንስአ፣ ንእስራኤል ከኣ 22 ዓመት ፈረደ። 4 ንሱ ድማ ኣብ 30 ኣድጊ ዚውጥሑ 30 ደቂ ነበርዎ፣ እተን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓዎት-ያኢር ተባሂለን ዚጽውዓ፡ 30 ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፣+ ንሳተን ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ኣለዋ። 5 ድሕርዚ፡ ያኢር ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ድማ ተቐብረ።

6 እስራኤላውያን ከኣ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣+ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ንኣማልኽቲ ኣራምን* ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን+ ንኣማልኽቲ ዓሞናውያንን+ ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን+ ድማ ኣገልገሉ። ንየሆዋ ኸኣ ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን። 7 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ዓሞናውያንን ድማ ሸጦም።+ 8 ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ጨፍለቕዎምን ኣበርቲዖም ጨቈንዎምን፡—ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ምድሪ ኣሞራውያን ዝነበረት ጊልዓድ ዚነብሩ እስራኤላውያን 18 ዓመት ጨቈንዎም። 9 እቶም ዓሞናውያን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ኪዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፣ እስራኤል ከኣ ኣመና ጨነቖ። 10 ሽዑ፡ እስራኤላውያን፡ “ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና”+ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+

11 የሆዋ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ግብጻውያንን+ ኣሞራውያንን+ ዓሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን+ 12 ሲዶናውያንን ኣማሌቅን ሚድያንን ምስ ጨቈኑኹም፡ ኣነ ደይኰንኩን ዘድሓንኩኹም፧ ናባይ ምስ ተማህለልኩም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣድሒነኩም እየ። 13 ንስኻትኩም ግና ንዓይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊልኩም።+ ስለዚ፡ ደጊም ኣይከድሕነኩምን እየ።+ 14 ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ኼድኩም ተማህለሉ።+ ብግዜ ጭንቅኹም ንሳቶም የድሕኑኹም።”+ 15 እስራኤላውያን ግና ንየሆዋ፡ “በዲልና ኢና። ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዘበለ ግበረና። ሓንትስ፡ በጃኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣድሕነና” በልዎ። 16 ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ኣርሒቖም ከኣ ንየሆዋ ኣገልገልዎ፣+ ስለዚ፡ ንሱ ንመከራ እስራኤል ኪጻወሮ ኣይከኣለን።*+

17 ዓሞናውያን+ ድማ ተኣኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ። እስራኤላውያን እውን ተኣኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ። 18 እቶም ህዝብን እቶም መሳፍንቲ ጊልዓድን ከኣ ንሓድሕዶም፡ “ምስ ዓሞናውያን ንምውጋእ መን ኪመርሓና እዩ፧+ ንሱ ሓለቓ ዅሎም ነበርቲ ጊልዓድ ይኹን” ተባሃሃሉ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ