ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ፍልስጥኤማውያን ነቲ ታቦት ናብ እስራኤል መለስዎ (1-21)

1 ሳሙኤል 6:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 4:11፣ 5:1፣ መዝ 78:61

1 ሳሙኤል 6:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 18:9, 10፣ ኢሳ 2:6

1 ሳሙኤል 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:4, 17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2015፡ ገጽ 10

1 ሳሙኤል 6:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነድሪ ቝልጠ፣ ኦሞረድዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:2, 3፣ 1ሳሙ 6:16

1 ሳሙኤል 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:18
  • +1ሳሙ 5:6, 11

1 ሳሙኤል 6:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 7:13፣ 8:15፣ 14:17
  • +ዘጸ 9:14, 16፣ ሮሜ 9:17, 18
  • +ዘጸ 6:1፣ 11:1፣ 12:33

1 ሳሙኤል 6:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:3, 4

1 ሳሙኤል 6:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:10, 12፣ 21:8, 16፣ 2ዜና 28:18

1 ሳሙኤል 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:8, 9

1 ሳሙኤል 6:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

1 ሳሙኤል 6:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:7

1 ሳሙኤል 6:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 3:30, 31
  • +እያ 21:8, 16

1 ሳሙኤል 6:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:4
  • +1ሳሙ 5:1
  • +1ሳሙ 5:8
  • +መሳ 1:18፣ 1ሳሙ 5:10

1 ሳሙኤል 6:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “70 ሰባት፡ 50,000 ሰባት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 4:15, 20፣ 1ዜና 13:10

1 ሳሙኤል 6:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:45
  • +ዘሁ 17:12, 13፣ 2ሳሙ 6:8, 9፣ መዝ 76:7

1 ሳሙኤል 6:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:14፣ 1ዜና 13:5, 6
  • +1ዜና 16:1፣ 2ዜና 1:4

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 6:11ሳሙ 4:11፣ 5:1፣ መዝ 78:61
1 ሳሙ. 6:2ዘዳ 18:9, 10፣ ኢሳ 2:6
1 ሳሙ. 6:31ሳሙ 6:4, 17
1 ሳሙ. 6:4እያ 13:2, 3፣ 1ሳሙ 6:16
1 ሳሙ. 6:51ሳሙ 6:18
1 ሳሙ. 6:51ሳሙ 5:6, 11
1 ሳሙ. 6:6ዘጸ 7:13፣ 8:15፣ 14:17
1 ሳሙ. 6:6ዘጸ 9:14, 16፣ ሮሜ 9:17, 18
1 ሳሙ. 6:6ዘጸ 6:1፣ 11:1፣ 12:33
1 ሳሙ. 6:81ሳሙ 6:3, 4
1 ሳሙ. 6:9እያ 15:10, 12፣ 21:8, 16፣ 2ዜና 28:18
1 ሳሙ. 6:121ሳሙ 6:8, 9
1 ሳሙ. 6:141ሳሙ 6:7
1 ሳሙ. 6:15ዘሁ 3:30, 31
1 ሳሙ. 6:15እያ 21:8, 16
1 ሳሙ. 6:171ሳሙ 6:4
1 ሳሙ. 6:171ሳሙ 5:1
1 ሳሙ. 6:171ሳሙ 5:8
1 ሳሙ. 6:17መሳ 1:18፣ 1ሳሙ 5:10
1 ሳሙ. 6:19ዘሁ 4:15, 20፣ 1ዜና 13:10
1 ሳሙ. 6:20ዘሌ 11:45
1 ሳሙ. 6:20ዘሁ 17:12, 13፣ 2ሳሙ 6:8, 9፣ መዝ 76:7
1 ሳሙ. 6:21እያ 18:14፣ 1ዜና 13:5, 6
1 ሳሙ. 6:211ዜና 16:1፣ 2ዜና 1:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 6:1-21

1 ሳሙኤል

6 ታቦት+ የሆዋ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ገበረ። 2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንኻህናትን ንጠንቈልትን ጸዊዖም፡+ “ንታቦት የሆዋ እንታይ ንግበሮ፧ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” ኢሎም ሓተትዎም። 3 ንሳቶም ድማ፡ “ንታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰዲድኩምዎ፡ ብዘይ መስዋእቲ ኣይትምለስዎ። መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ።+ ሽዑ ጥራይ ኢኹም እትሓውዩ፣ ኢዱ ኻባኻትኩም ዘየልገሰትሉ ምኽንያት እውን ኪፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱ። 4 ንሳቶም ከኣ፡ “እንታይ መስዋእቲ በደልከ ኢና እንመልሰሉ፧” ኢሎም ሓተቱ። ንሳቶም ድማ ከምዚ በሉ፦ “ንዅላትኩምን ንጐይተትኩምን ዝወቕዐ መዓት ሕደ እዩ እሞ፡ ከም ቍጽሪ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን+ ሓሙሽተ ጀርባዶ* ወርቅን ሓሙሽተ ኣንጭዋ ወርቅን ስደዱ። 5 ምስልታት እቲ ጀርባዶኹምን ምስልታት እተን ንምድርኹም ዜጥፍኣ ኣናጹኹምን+ ግበሩ፣ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሃብዎ። ምናልባት ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣምላኽኩምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ።+ 6 ከምቲ ግብጽን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም እተትርሩ፧+ ምስ በርትዖም፡+ ንእስራኤላውያን ኪሰድድዎም ተገደዱ፡ ንሳቶም እውን ከዱ።+ 7 ሕጂ ድማ፡ ሓደ ሓድሽ ሰረገላን ኣርዑት ዘይተሰቕለን ዜጥብዋ ኽልተ ላምን ኣዳልዉ። ነተን ኣሓ ኸኣ ምስቲ ሰረገላ ቝረንወን፣ ነቶም ምራኹተን ግና ካባታተን ፈሊኹም ናብ ቤት ምለስዎም። 8 ንታቦት የሆዋ ወሲድኩም ድማ ኣብቲ ሰረገላ ኣንብርዎ፣ እቲ መስዋእቲ በደል ኪኸውን እትሰድዱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጥቓኡ ኣንብርዎ።+ ድሕሪኡ፡ መገዱ ስደድዎ 9 እሞ ርኣዩ፦ በቲ መገዲ ኣቢሉ ናብ ቤት-ሸመሽ፡+ ናብ ሃገሩ እንተ ደዪቡ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፉእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ። እንተ ዘይኰነ ግና፡ ብኣጋጣሚ ደኣ እዩ ዀይኑ እምበር፡ እታ ዝወቕዓትና፡ ኢዱ ኸም ዘይኰነት ክንፈልጥ ኢና።”

10 እቶም ሰባት ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፣ ነቶም ምራኹተን ድማ ኣብ ቤት ዓጸውዎም። 11 ንታቦት የሆዋን ነቲ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ጀርባዶኦምን ዝሓዘ ሳጹንን ከኣ ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ። 12 እተን ኣሓ ድማ ብመገዲ ቤት-ሸመሽ ትኽ ኢለን ከዳ።+ ኣብ ጐደና እምባሕ እናበላ ኸዳ እምበር፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላገሳን። እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳብ ዶብ ቤት-ሸመሽ ደድሕሪአን ይኸዱ ነበሩ። 13 ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ* ስርናይ ይዓጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ኣልዒሎም ነቲ ታቦት ምስ ረኣይዎ፡ ንዕኡ ብምርኣዮም ተሓጐሱ። 14 እቲ ሰረገላ ኸኣ ናብ ግራት እያሱ ብዓል ቤት-ሸመሽ መጺኡ ኣብኣ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብዪ እምኒ ቘመ። ንሳቶም ድማ ንዕንጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈለጽዎ፣ ነተን ኣሓ+ ኸኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኪዀና ኣቕረቡሉ።

15 ሌዋውያን+ ድማ ነቲ ታቦት የሆዋን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቕሑ ወርቂ ዝሓዘ ሳጹንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ቤት-ሸመሽ+ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ እውን ሰውኡሉ።

16 እቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ። 17 እቲ ፍልስጥኤማውያን ንየሆዋ መስዋእቲ በደል ኪኸውን ዝሰደዱሉ ጀርባዶ ወርቂ ድማ እዚ እዩ፦+ ሓደ ንኣሽዶድ፡+ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣሽቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡+ ሓደ ንዔቅሮን።+ 18 ቍጽሪ እተን ኣናጹ ወርቂ ኸኣ ከም ቍጽሪ ዅለን እተን ናይቶም ሓሙሽተ ጐይተት ዝዀና ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን፡ ካብተን እተዓርዳ ኸተማታት ክሳብ እተን ኣብ ገጠር ዘለዋ ኣቝሻት ነበራ።

እቲ ታቦት የሆዋ እተነብረሉ ዓብዪ እምኒ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ግራት እያሱ ብዓል ቤት-ሸመሽ ምስክር ኰይኑ ኣሎ። 19 ግናኸ፡ ሰብ ቤት-ሸመሽ ናብ ታቦት የሆዋ ስለ ዝጠመቱ፡ ኣምላኽ ወቕዖም። ካብቲ ህዝቢ 50,070* ቀተለ፣ የሆዋ ነቲ ህዝቢ ወቒዑ ብዙሓት ስለ ዝቐተለ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ሓዘነ።+ 20 ሰብ ቤት-ሸመሽ ከኣ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ እዚ ቕዱስ ኣምላኽ እዚ፡ መን ኪቐውም ይኽእል፧+ ካባናኸ ናብ መን ይኺድ፧” በሉ።+ 21 ንነበርቲ ቂርያት-የዓሪም+ ድማ፡ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት የሆዋ መሊሶምዎ ኣለዉ። ወሪድኩም፡ ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ለኣኹሎም።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ