ሚክያስ
2 “እቶም ጕድኣት ዚሓስቡ፡
ኣብ ዓራቶም እከይ ዚኣልሙ፡ ወይለኦም!
ኣብ ኢዶም ሓይሊ ኣሎ እሞ፡
ንግሆ ምስ በርሀ፡ ይገብርዎ።+
3 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር እዚ ዓሌት እዚ ዘይተምልጡሉ*+ መዓት ምሂዘ ኣለኹ።+
ግዜ መዓት እዩ እሞ፡+ ደጊም ብትዕቢት ኣይክትመላለሱን ኢኹም።+
“ጠሪስና ጠፊእና ኢና!+
ግደ ህዝበይ ለዊጥዎ፡—ከመይ ገይሩ ዀን እዩ ዘሕደገኒ!+
ግራውትና ድማ ንዘይእሙን ዓዲልዎ” ኺብሉ እዮም።
5 ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ነታ ምድሪ ብዕጫ ንምዕዳልሲ፡
ገመድ መለክዒ ዚዝርግሕ ኣይኪህልወካን እዩ።
6 “ኣይትስበኹ!
እዚ ነገራት እዚ ኺሰብኩ የብሎምን፣
ውርደት ኣይኬርክበናን እዩ!” ኢሎም ይሰብኩ።
7 ኣታ ቤት ያእቆብ፡ ከምዚዶ ይብሃል ኣሎ፦
“መንፈስ የሆዋዶ ዓቕሊ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ፧
እዝስ ግብርታቱ ድዩ፧”
ቃላተይ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ጽቡቕ ደይኰነን ዜምጽኣሎም፧
8 ኣብ ቀረባ ግዜ ግና ህዝበይ ከም ጸላኢ ተንሲኡ ኣሎ።
ካብቶም ካብ ውግእ ከም ዚምለሱ ዀይኖም ብምትእምማን ዚሓልፉስ፡
ክቡር ስልማት ምስ* ክዳን ብግህዶ ትቕንጥጡ።
9 ንኣንስቲ ህዝበይ ካብቲ ደስ ዜብል ኣባይተን ትሰጕጉወን፣
ካብ ደቀን ግርማይ ንዘለኣለም ትወስዱ።
10 እዚ ቦታ ዕረፍቲ ኣይኰነን እሞ፡ ተንስኡ፡ ኪዱ።
ብሰሪ ርኽሰት፡+ ጥፍኣት፡ ብርቱዕ ጥፍኣት ኣሎ።+
11 ሰብ ደድሕሪ ንፋስን ምትላልን እንተ ተመላሊሱ፡
“ብዛዕባ ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ክሰብከልካ እየ” ኢሉ ድማ ሓሶት እንተ ተዛሪቡ፡
ነዚ ህዝቢ እዚ ዚኸውን ሰባኺ ንሱ እዩ!+