ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ (1-7)

      • ኢሽ-ቦሸት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ (8-11)

      • ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ቤት ሳኦልን እተገብረ ውግእ (12-32)

2 ሳሙኤል 2:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 27:21፣ 1ሳሙ 28:6
  • +ዘፍ 23:2፣ ዘሁ 13:22፣ እያ 14:14፣ 20:7፣ 2ሳሙ 5:1፣ 1ነገ 2:11

2 ሳሙኤል 2:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:43
  • +1ሳሙ 25:42፣ 30:5

2 ሳሙኤል 2:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:1, 2፣ 27:2፣ 1ዜና 12:1

2 ሳሙኤል 2:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ 1ሳሙ 15:24, 28፣ 16:13፣ 2ሳሙ 5:4, 5፣ 1ዜና 11:3

2 ሳሙኤል 2:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:11-13

2 ሳሙኤል 2:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:7፣ 10:2

2 ሳሙኤል 2:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:50፣ 17:55፣ 26:5፣ 2ሳሙ 4:1፣ 1ነገ 2:5
  • +2ሳሙ 4:5-8, 12
  • +ዘፍ 32:1, 2፣ እያ 13:29, 30

2 ሳሙኤል 2:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:8, 11
  • +እያ 19:17, 18
  • +እያ 16:5-8

2 ሳሙኤል 2:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2017፡ ገጽ 32

2 ሳሙኤል 2:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቍጽሪ መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:4

2 ሳሙኤል 2:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:8
  • +እያ 10:12፣ 18:21, 25፣ 21:8, 17፣ 2ሳሙ 20:8፣ 2ዜና 1:3

2 ሳሙኤል 2:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16፣ 20:23፣ 1ነገ 1:5, 7
  • +1ዜና 2:15, 16

2 ሳሙኤል 2:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይጋጠሙ።”

2 ሳሙኤል 2:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 2:15, 16
  • +2ሳሙ 10:7፣ 24:2፣ 1ነገ 11:15፣ 1ዜና 11:6
  • +1ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 20:6፣ 1ዜና 11:20
  • +2ሳሙ 3:27፣ 23:24፣ 1ዜና 27:1, 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 16

2 ሳሙኤል 2:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:27

2 ሳሙኤል 2:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዅላ ቢትሮን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 1:7፣ እያ 12:2, 3
  • +እያ 21:8, 38፣ 2ሳሙ 2:8

2 ሳሙኤል 2:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:18፣ 1ዜና 2:15, 16
  • +ዘፍ 35:19፣ ሩት 4:11፣ 1ሳሙ 16:1
  • +2ሳሙ 2:1, 3፣ 1ዜና 11:1

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 2:1ዘሁ 27:21፣ 1ሳሙ 28:6
2 ሳሙ. 2:1ዘፍ 23:2፣ ዘሁ 13:22፣ እያ 14:14፣ 20:7፣ 2ሳሙ 5:1፣ 1ነገ 2:11
2 ሳሙ. 2:21ሳሙ 25:43
2 ሳሙ. 2:21ሳሙ 25:42፣ 30:5
2 ሳሙ. 2:31ሳሙ 22:1, 2፣ 27:2፣ 1ዜና 12:1
2 ሳሙ. 2:4ዘፍ 49:10፣ 1ሳሙ 15:24, 28፣ 16:13፣ 2ሳሙ 5:4, 5፣ 1ዜና 11:3
2 ሳሙ. 2:51ሳሙ 31:11-13
2 ሳሙ. 2:62ሳሙ 9:7፣ 10:2
2 ሳሙ. 2:81ሳሙ 14:50፣ 17:55፣ 26:5፣ 2ሳሙ 4:1፣ 1ነገ 2:5
2 ሳሙ. 2:82ሳሙ 4:5-8, 12
2 ሳሙ. 2:8ዘፍ 32:1, 2፣ እያ 13:29, 30
2 ሳሙ. 2:9እያ 13:8, 11
2 ሳሙ. 2:9እያ 19:17, 18
2 ሳሙ. 2:9እያ 16:5-8
2 ሳሙ. 2:102ሳሙ 2:4
2 ሳሙ. 2:111ዜና 3:4
2 ሳሙ. 2:122ሳሙ 2:8
2 ሳሙ. 2:12እያ 10:12፣ 18:21, 25፣ 21:8, 17፣ 2ሳሙ 20:8፣ 2ዜና 1:3
2 ሳሙ. 2:132ሳሙ 8:16፣ 20:23፣ 1ነገ 1:5, 7
2 ሳሙ. 2:131ዜና 2:15, 16
2 ሳሙ. 2:181ዜና 2:15, 16
2 ሳሙ. 2:182ሳሙ 10:7፣ 24:2፣ 1ነገ 11:15፣ 1ዜና 11:6
2 ሳሙ. 2:181ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 20:6፣ 1ዜና 11:20
2 ሳሙ. 2:182ሳሙ 3:27፣ 23:24፣ 1ዜና 27:1, 7
2 ሳሙ. 2:232ሳሙ 3:27
2 ሳሙ. 2:29ዘዳ 1:7፣ እያ 12:2, 3
2 ሳሙ. 2:29እያ 21:8, 38፣ 2ሳሙ 2:8
2 ሳሙ. 2:322ሳሙ 2:18፣ 1ዜና 2:15, 16
2 ሳሙ. 2:32ዘፍ 35:19፣ ሩት 4:11፣ 1ሳሙ 16:1
2 ሳሙ. 2:322ሳሙ 2:1, 3፣ 1ዜና 11:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 2:1-32

2 ሳሙኤል

2 ድሕርዚ፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ “ናብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳዶ ኽድይብ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ኬብሮን”+ ኢሉ መለሰሉ። 2 ሽዑ፡ ዳዊት ምስ ክልተ ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳውን፡ ናብኣ ደየበ። 3 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡+ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ኣደየቦም፣ ኣብ ከባቢ ኬብሮን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት ድማ ተቐመጡ። 4 ሰብ ይሁዳ ኸኣ መጺኦም፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ።+

ንዳዊት ድማ፡ “ንሳኦል ዝቐበርዎ፡ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እዮም” ኢሎም ነገርዎ። 5 ዳዊት ከኣ ናብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ልኡኻት ልኢኹ ኸምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባር ብተኣማንነት ኣፍቂርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ብየሆዋ ተባረኹ።+ 6 የሆዋ ንዓኻትኩም ብተኣማንነት የፍቅርኩምን ተኣማንነቱ የርኢኹምን። እዚ ስለ ዝገበርኩም፡ ኣነ እውን ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ።+ 7 ሕጂ ድማ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ቤት ይሁዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ክነግስ ቀቢኦምኒ እዮም እሞ፡ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ፡ ተባዓት ድማ ኩኑ።”

8 ኣብኔር+ ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና፡ ንኢሽ-ቦሸት+ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም+ ኣሳገሮ፣ 9 ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን+ ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን+ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን+ ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ከኣ ኣንገሶ። 10 ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ነበረ፣ ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ንዳዊት ደገፈቶ።+ 11 እቲ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ዝነገሰሉ ዘመን፡* ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነበረ።+

12 ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ከኣ፡ ካብ ማሓናዪም+ ናብ ጊብዖን+ ወጹ። 13 ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን+ ገላዉ ዳዊትን እውን ወጺኦም ኣብ ሓጽቢ ጊብዖን ምሳታቶም ተጓነፉ፣ ሓደ ጕጅለ በዚ ሸነኽ እቲ ሓጽቢ፡ እቲ ሓደ ጕጅለ ድማ በቲ ሸነኽ እቲ ሓጽቢ ተቐመጡ። 14 ኣብኔር ከኣ ንዮኣብ፡ “እዞም ኣጕባዝ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይቃለሱ”* በሎ። ዮኣብ ድማ፡ “ይተንስኡ” በለ። 15 ሽዑ፡ ተንሲኦም ብቝጽሪ እተወሰኑ፡ 12 ኻብ ብንያምን ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን፡ 12 ኸኣ ካብ ገላዉ ዳዊት ተሳገሩ። 16 ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ፡ ሰይፉ ኣብ ጐድኒ መቐናቕንቱ ሸኸተ፣ ኵላቶም ድማ ብሓደ ወደቑ። ስለዚ፡ እታ ኣብ ጊብዖን ዘላ ቦታ፡ ሔልቃት-ሃጹሪም ተባህለት።

17 እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝሰዓበ ውግእ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ፣ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ። 18 ኣብኡ ድማ ሰለስተ ደቂ ጽሩያ፡+—ዮኣብን+ ኣቢሻይን+ ዓሳሄልን፡+—ነበሩ፣ ዓሳሄል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሰስሓ ፈጣን ነበረ። 19 ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዓበ፣ ደድሕሪ ኣብኔር ካብ ምስዓብ ከኣ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን። 20 ኣብኔር ድማ ግልጽ ኢሉ፡ “ዓሳሄል፡ ንስኻ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ፡ ኣነ እየ” በሎ። 21 ኣብኔር ድማ፡ “ናብ የማንካ ወይ ናብ ጸጋምካ ኣላጊስካ፡ ንሓደ ኻብ ኣጕባዝ ሓዝ እሞ፡ ክትገፍፎ እትኽእል ዘበለ ንዓኻ ውሰድ” በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬላግስ ኣይደለየን። 22 ኣብኔር ከኣ ከም ብሓድሽ ንዓሳሄል፡ “ኣይትስዓበኒ። ስለምንታይ ዝቐትለካ፧ ድሕሪኡኸ፡ ከመይ ገይረ ገጽ ሓውካ ዮኣብ ክርኢ እኽእል፧” በሎ። 23 ንሱ ግና ምልጋስ ኣበየ። ኣብኔር ከኣ ብዳሕረዋይ ጫፍ ኲናቱ ኸብዱ ወግኦ፣+ እቲ ዂናት ድማ ብድሕሪኡ ወጸ፣ ኣብኣ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ናብታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ፡ ኣብኣ ደው ኢሉ ይጸንሕ ነበረ።

24 ዮኣብን ኣቢሻይን ድማ ንኣብኔር ሰጐጕዎ። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ናብታ ኣብ መንጽር ጊያሕ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን ዘላ ዅርባ ኣማ መጹ። 25 እቶም ደቂ ብንያም ከኣ ብድሕሪ ኣብኔር ተኣከቡ፣ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም ድማ፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዅርባ ኣትከሉ። 26 ኣብኔር ድማ ንዮኣብ ጸዊዑ፡ “ሰይፊዶ ብዘይ መወዳእታ ኺውሕጥ እዩ፧ ሳዕቤኑ ምረት ጥራይ ከም ዚኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቶም ኪምለሱኸ ኽሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትእዝዝ፧” በሎ። 27 ዮኣብ ከኣ፡ “ከምቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቱ ኽሳዕ ንግሆ ኣይምተመልሰን” በለ። 28 ሽዑ፡ ዮኣብ መለኸት ነፍሐ፣ እቶም ሰቡ ድማ ንእስራኤል ምስጓጕ ሓደግዎ፣ እቲ ውግእ እውን ኣቋረጸ።

29 ኣብኔርን ሰቡን ከኣ ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣ ብዓራባ ኸይዶም፡+ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ብዅሉ እቲ ስንጭሮ* ኸይዶም ድማ ናብ ማሓናዪም መጹ።+ 30 ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ ንዅሉ ህዝቢ ኣከቦ። ካብ ገላዉ ዳዊት ድማ፡ ብዘይካ ዓሳሄል፡ 19 ሰባት ጐዲሎም ነበሩ። 31 እቶም ገላዉ ዳዊት ግና፡ ንብንያማውያንን ንሰብ ኣብኔርን ሰዓርዎም፣ 360 ካብቶም ሰቦም ከኣ ሞቱ። 32 ንዓሳሄል+ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ቤት-ልሄም+ ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ከኣ፡ ምሉእ ለይቲ ኸይዶም፡ ምስ ወግሐ ኣብ ኬብሮን+ በጽሑ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ