ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • እስራኤላውያን ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ (1-9)

      • ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ኣጠንቀቖም (10-18)

      • ነቲ ንጉስ ኪነግሶም ዘቕረብዎ ሕቶ፡ የሆዋ ተቐበሎ (19-22)

1 ሳሙኤል 8:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 6:28

1 ሳሙኤል 8:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 18:21
  • +ዘጸ 23:8፣ ዘዳ 16:19፣ መዝ 15:5፣ ምሳ 29:4
  • +ዘዳ 24:17

1 ሳሙኤል 8:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:14, 15፣ 1ሳሙ 12:13፣ ግብ 13:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 72-73

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2011፡ ገጽ 27

1 ሳሙኤል 8:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽፉእ ነበረ።”

1 ሳሙኤል 8:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 8:23፣ 1ሳሙ 10:19፣ 12:12፣ ኢሳ 33:22

1 ሳሙኤል 8:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 9:24
  • +መሳ 2:19

1 ሳሙኤል 8:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:25
  • +1ሳሙ 14:52
  • +1ነገ 9:22፣ 10:26
  • +1ነገ 4:26

1 ሳሙኤል 8:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:1፣ 1ዜና 27:1
  • +2ነገ 1:14
  • +1ዜና 27:26
  • +1ነገ 4:7
  • +1ነገ 4:26

1 ሳሙኤል 8:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቀመምቲ ሽቱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 4:22

1 ሳሙኤል 8:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:28, 31

1 ሳሙኤል 8:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:15, 16

1 ሳሙኤል 8:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 4:22, 23

1 ሳሙኤል 8:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:3, 4

1 ሳሙኤል 8:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:7፣ ሆሴ 13:11

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 8:21ዜና 6:28
1 ሳሙ. 8:3ዘጸ 18:21
1 ሳሙ. 8:3ዘጸ 23:8፣ ዘዳ 16:19፣ መዝ 15:5፣ ምሳ 29:4
1 ሳሙ. 8:3ዘዳ 24:17
1 ሳሙ. 8:5ዘዳ 17:14, 15፣ 1ሳሙ 12:13፣ ግብ 13:21
1 ሳሙ. 8:7መሳ 8:23፣ 1ሳሙ 10:19፣ 12:12፣ ኢሳ 33:22
1 ሳሙ. 8:8ዘዳ 9:24
1 ሳሙ. 8:8መሳ 2:19
1 ሳሙ. 8:111ሳሙ 10:25
1 ሳሙ. 8:111ሳሙ 14:52
1 ሳሙ. 8:111ነገ 9:22፣ 10:26
1 ሳሙ. 8:111ነገ 4:26
1 ሳሙ. 8:122ሳሙ 18:1፣ 1ዜና 27:1
1 ሳሙ. 8:122ነገ 1:14
1 ሳሙ. 8:121ዜና 27:26
1 ሳሙ. 8:121ነገ 4:7
1 ሳሙ. 8:121ነገ 4:26
1 ሳሙ. 8:131ነገ 4:22
1 ሳሙ. 8:141ዜና 27:28, 31
1 ሳሙ. 8:161ነገ 5:15, 16
1 ሳሙ. 8:171ነገ 4:22, 23
1 ሳሙ. 8:181ነገ 12:3, 4
1 ሳሙ. 8:221ሳሙ 8:7፣ ሆሴ 13:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 8:1-22

1 ሳሙኤል

8 ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈራዶ ገበሮም። 2 ስም እቲ በዅሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ድማ ኣብያ ነበረ፣+ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ፈራዶ ነበሩ። 3 ደቁ ግና ብመገድታቱ ኣይተመላለሱን፣ ረብሓ ሸፈጥ ናብ ምስዓብ ዝዘምበሉን+ ጉቦ ዚቕበሉን+ ፍትሒ ዜቕንኑን+ ነበሩ።

4 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጺኦም፡ 5 “እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፣ ደቅኻ ኸኣ ብመገድታትካ ኣይመላለሱን እዮም ዘለዉ። ሕጂ ድማ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ፡ ዚፈርደና ንጉስ ኣንግሰልና” በልዎ።+ 6 “ዚፈርደና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፡ እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ።* ሳሙኤል ድማ ናብ የሆዋ ጸለየ። 7 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኸይነግሶም ንዓይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንዓኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ ኵሉ እቲ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ስማዕ።+ 8 ከምቲ ኻብታ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርዎ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፣ ንዓይ ሓሓዲጎም+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊሎም እዮም፣+ ንዓኻ እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩኻ ዘለዉ። 9 ሕጂ ስምዓዮም። ግናኸ፡ ኣጸቢቕካ ኣጠንቅቆም፣ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ኬማልእዎ ዚሓትቶም ግቡእ ንገሮም።”

10 ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ኬንግሰሎም ዝለመንዎ ህዝቢ፡ ኵሉ ቓላት የሆዋ ነገሮም። 11 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስ ከተማልእዎ ዚሓትተኩም ግቡእ እዚ እዩ፦+ ንኣወዳትኩም ወሲዱ+ ሰብ ሰረገላታቱን+ ፈረሰኛታቱን+ ኪገብሮም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ቀቅድሚ ሰረገላታቱ ኺጐይዩ እዮም። 12 ንገዛእ ርእሱ ዚዀኑ ኣሕሉቕ ሽሕን+ ኣሕሉቕ ሓምሳን+ ገይሩ ኸኣ ኪሸሞም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ማሕረሱ ኺሓርሱ፡+ ዓጺዱ ኺዓጽዱ፡+ ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሑ ሰረገላታቱን ከኣ ኪሰርሑ እዮም።+ 13 ኣዋልድኩም ድማ ቀመምቲ ቕብእን* ከሸንትን ሰንከትትን ኪዀና ኺወስደን እዩ።+ 14 ዘዝበለጸ ግራውትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣእዋም ኣውልዕኩምን ወሲዱ፡+ ንገላዉኡ ኺህቦም እዩ። 15 ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ፡ ንኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ንገላዉኡን ኪህቦም እዩ። 16 ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጻ ኸብትኹምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ኸኣ፡ ንዕዮኡ ኺጥቀመሎም እዩ።+ 17 ዕሽር ጤለ በጊዕኩም ድማ ኪወስድ እዩ፣+ ንስኻትኩም እውን ባሮቱ ኽትኰኑ ኢኹም። 18 ብሰሪ እቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ እትምህለሉላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና የሆዋ ኣይኪምልሰልኩምን እዩ።”

19 እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሳሙኤል ዝነገሮም ምስማዕ ኣበዩ፡ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና። 20 ሽዑ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ ክንከውን ኢና፣ ንጉስና ድማ ኪፈርደናን ኪመርሓናን ውግእ ኪዋግኣልናን እዩ።” 21 ሳሙኤል ንዅሉ ቓላት እቲ ህዝቢ ሰሚዑ፡ የሆዋ እናሰምዖ ደገሞ። 22 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ስምዓዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ።+ ሳሙኤል ከኣ ንሰብ እስራኤል፡ “ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይመለስ” በሎም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ