ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳሙኤል እተዛረቦ ናይ ስንብታ ዘረባ (1-25)

        • ‘ንኸንቱታት ኣይትስዓብዎም’ (21)

        • የሆዋ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ (22)

1 ሳሙኤል 12:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዐ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:5፣ 10:24፣ 11:14, 15

1 ሳሙኤል 12:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሜኹም ዚኸይድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:20
  • +1ሳሙ 8:1, 3
  • +1ሳሙ 3:19

1 ሳሙኤል 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:16, 17፣ 10:1
  • +ዘሁ 16:15
  • +ዘዳ 16:19
  • +ዘጸ 22:4፣ ዘሌ 6:4

1 ሳሙኤል 12:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩም።”

1 ሳሙኤል 12:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:26

1 ሳሙኤል 12:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:6
  • +ዘጸ 2:23
  • +ዘጸ 3:9, 10፣ እያ 11:23

1 ሳሙኤል 12:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:2
  • +መሳ 10:7፣ 13:1
  • +መሳ 3:12
  • +ዘዳ 32:18, 30፣ መሳ 2:12, 14

1 ሳሙኤል 12:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:7
  • +መሳ 2:13
  • +መሳ 10:10, 15
  • +መሳ 2:18፣ 3:9

1 ሳሙኤል 12:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:6
  • +መሳ 6:32
  • +መሳ 11:1
  • +እብ 11:32

1 ሳሙኤል 12:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:1
  • +መሳ 8:23፣ 1ሳሙ 8:7፣ ኢሳ 33:22
  • +1ሳሙ 8:5, 19

1 ሳሙኤል 12:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:16, 17፣ 10:24

1 ሳሙኤል 12:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 10:12፣ 17:19
  • +እያ 24:14
  • +ዘዳ 13:4፣ 28:2

1 ሳሙኤል 12:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:14, 17፣ ዘዳ 28:15፣ እያ 24:20

1 ሳሙኤል 12:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:7፣ ሆሴ 13:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 59

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2010፡ ገጽ 14

1 ሳሙኤል 12:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 66

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2010፡ ገጽ 17-18

1 ሳሙኤል 12:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:5፣ 12:23

1 ሳሙኤል 12:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:29፣ እያ 23:6፣ 1ሳሙ 12:15
  • +ዘዳ 6:5

1 ሳሙኤል 12:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 115:4, 5፣ ኤር 16:19
  • +ዘዳ 32:21፣ ኤር 2:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2011፡ ገጽ 13-14

1 ሳሙኤል 12:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:13፣ መዝ 94:14፣ ሮሜ 11:1
  • +እያ 7:9፣ መዝ 23:3፣ 106:8፣ ኤር 14:21፣ ህዝ 20:14
  • +ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 7:7

1 ሳሙኤል 12:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2007፡ ገጽ 28-29

1 ሳሙኤል 12:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሓቂ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 12:14፣ መዝ 111:10፣ መክ 12:13
  • +ዘዳ 10:12, 21

1 ሳሙኤል 12:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 36፣ እያ 24:20

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 12:11ሳሙ 8:5፣ 10:24፣ 11:14, 15
1 ሳሙ. 12:21ሳሙ 8:20
1 ሳሙ. 12:21ሳሙ 8:1, 3
1 ሳሙ. 12:21ሳሙ 3:19
1 ሳሙ. 12:31ሳሙ 9:16, 17፣ 10:1
1 ሳሙ. 12:3ዘሁ 16:15
1 ሳሙ. 12:3ዘዳ 16:19
1 ሳሙ. 12:3ዘጸ 22:4፣ ዘሌ 6:4
1 ሳሙ. 12:6ዘጸ 6:26
1 ሳሙ. 12:8ዘፍ 46:6
1 ሳሙ. 12:8ዘጸ 2:23
1 ሳሙ. 12:8ዘጸ 3:9, 10፣ እያ 11:23
1 ሳሙ. 12:9መሳ 4:2
1 ሳሙ. 12:9መሳ 10:7፣ 13:1
1 ሳሙ. 12:9መሳ 3:12
1 ሳሙ. 12:9ዘዳ 32:18, 30፣ መሳ 2:12, 14
1 ሳሙ. 12:10መሳ 3:7
1 ሳሙ. 12:10መሳ 2:13
1 ሳሙ. 12:10መሳ 10:10, 15
1 ሳሙ. 12:10መሳ 2:18፣ 3:9
1 ሳሙ. 12:11ዘሌ 26:6
1 ሳሙ. 12:11መሳ 6:32
1 ሳሙ. 12:11መሳ 11:1
1 ሳሙ. 12:11እብ 11:32
1 ሳሙ. 12:121ሳሙ 11:1
1 ሳሙ. 12:12መሳ 8:23፣ 1ሳሙ 8:7፣ ኢሳ 33:22
1 ሳሙ. 12:121ሳሙ 8:5, 19
1 ሳሙ. 12:131ሳሙ 9:16, 17፣ 10:24
1 ሳሙ. 12:14ዘዳ 10:12፣ 17:19
1 ሳሙ. 12:14እያ 24:14
1 ሳሙ. 12:14ዘዳ 13:4፣ 28:2
1 ሳሙ. 12:15ዘሌ 26:14, 17፣ ዘዳ 28:15፣ እያ 24:20
1 ሳሙ. 12:171ሳሙ 8:7፣ ሆሴ 13:11
1 ሳሙ. 12:191ሳሙ 7:5፣ 12:23
1 ሳሙ. 12:20ዘዳ 31:29፣ እያ 23:6፣ 1ሳሙ 12:15
1 ሳሙ. 12:20ዘዳ 6:5
1 ሳሙ. 12:21መዝ 115:4, 5፣ ኤር 16:19
1 ሳሙ. 12:21ዘዳ 32:21፣ ኤር 2:11
1 ሳሙ. 12:221ነገ 6:13፣ መዝ 94:14፣ ሮሜ 11:1
1 ሳሙ. 12:22እያ 7:9፣ መዝ 23:3፣ 106:8፣ ኤር 14:21፣ ህዝ 20:14
1 ሳሙ. 12:22ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 7:7
1 ሳሙ. 12:241ሳሙ 12:14፣ መዝ 111:10፣ መክ 12:13
1 ሳሙ. 12:24ዘዳ 10:12, 21
1 ሳሙ. 12:25ዘዳ 28:15, 36፣ እያ 24:20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 12:1-25

1 ሳሙኤል

12 ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እስራኤል ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ኵሉ እቲ ዝሓተትኩምኒ ገይረልኩም እየ፣* ኣብ ልዕሌኹም ከኣ ንጉስ ኣንጊሰልኩም እየ።+ 2 ሕጂ ድማ፡ እቲ ዚመርሓኩም* ንጉስ እንሆ!+ ኣነ ኸኣ ኣሪገን ሸዪበን እየ፡ ደቀይ ድማ እነዉ ምሳኻትኩም ኣለዉ፣+ ኣነ ኸኣ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ መሪሐኩም እየ።+ 3 እነኹ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፦+ ብዕራይ መን ወይ ኣድጊ መን ወሲደ፧+ ወይስ ንመን ዓሚጸ ወይ ጨፍሊቐ፧ ከም ዘይረኣኹ ክኸውንከ ኻብ ኢድ መን ጉቦ ተቐቢለ፧+ ከምኡ እንተ ገይረ፡ ክመልሰልኩም እየ።”+ 4 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይዓመጽካናን፡ ወይ ኣይጨፍለቕካናን፡ ወይ ካብ ኢድ ዝዀነ ሰብ ገለ እኳ ኣይተቐበልካን” በልዎ። 5 ንሱ ድማ፡ “ዋላ ሓደ መኽሰሲ ኸም ዘይረኸብኩምለይ፡* በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ምስክር እዩ፡ እቲ ቕቡኡ እውን ምስክር እዩ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ምስክር እዩ” በሉ።

6 ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “እቲ ብሙሴን ብኣሮንን ገይሩ ንኣቦታትና ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም የሆዋ+ ምስክር እዩ። 7 ሕጂ ድማ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝገበሮ ግብርታት ጽድቂ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ።

8 “ያእቆብ ናብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡+ ኣቦታትኩም ድማ ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ የሆዋ፡ ንኣቦታትኩም ካብ ግብጺ ኼውጽእዎምን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኬቐምጥዎምን ኢሉ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ሰደደሎም።+ 9 ንሳቶም ግና ንየሆዋ ኣምላኾም ረስዕዎ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ+ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን+ ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን+ ሸጦም፡+ ንሳቶም እውን ተዋግእዎም። 10 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ ‘ንየሆዋ ሓዲግናስ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣገልጊልና ኢና እሞ፡+ በዲልና ኢና፣+ ሕጂ ድማ ምእንቲ ኸነገልግለካ፡ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና’ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 11 የሆዋ ኸኣ ብደሓን ምእንቲ ኽትቅመጡ፡+ ንየሩብበዓልን+ ንበዳንን ንይፍታሕን+ ንሳሙኤልን+ ሰዲዱ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ጸላእትኹም ኣናገፈኩም። 12 ናሓሽ+ ንጉስ ዓሞናውያን ከም ዝመጸኩም ምስ ረኣኹም ድማ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡+ ‘ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና’ በልኩምኒ።+ 13 ሕጂ ኸኣ እቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ፡ እቲ ዝለመንኩምሉ እንሆ። እንሆ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱ ኣሎ።+ 14 ንየሆዋ እንተ ፈሪህኩምዎን+ እንተ ኣገልጊልኩምዎን+ ድምጹ እንተ ተኣዚዝኩምን፡+ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ እንተ ዘይዓሊኹም፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩም፡ ጽቡቕ። 15 ግናኸ፡ ድምጺ የሆዋ እንተ ዘይተኣዚዝኩም፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ እንተ ዓሊኹም፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻርኩምን ኣንጻር ኣቦታትኩምን ክትከውን እያ።+ 16 ሕጂ ድማ፡ ደው በሉ እሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዚገብሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ። 17 ሎምስ ግዜ ዓጺድ ስርናይ ደይኰነን፧ ነጕድን ዝናምን ኪኸውን ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ ሽዑ፡ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸመይ ዝበለ ኽፍኣት ከም ዝገበርኩም ክትፈልጡን ክትርእዩን ኢኹም።”+

18 ሽዑ፡ ሳሙኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጕድን ዝናምን ገበረ፣ ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ንየሆዋን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርህዎም። 19 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሳሙኤል፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትና፡ ንጉስ ብምልማንና ኻልእ ክፍኣት ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ምእንቲ ገላዉኻ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸልየልና” በልዎ።+

20 ሳሙኤል ከኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ኣይትፍርሁ። እዚ ዅሉ ኽፉእ እዝስ ጌርኩም ኢኹም። ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ጥራይ ኣይተላግሱ፣+ ንየሆዋ ድማ ብዅሉ ልብኹም ኣገልግልዎ።+ 21 እቶም ዘይጠቕሙን+ ዘየናግፉን ከንቱታት፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ፡+ ንዓታቶም ንምስዓብ ኣይተላግሱ። 22 የሆዋ ፈትዩ ህዝቡ ገይሩኩም እዩ እሞ፡+ የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ+ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ።+ 23 ኣነ ምእንታኹም ምጽላይ ብምሕዳግ ንየሆዋ ኽብድልሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ፣ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ ኸኣ ክምህረኩም እየ። 24 ንየሆዋ ጥራይ ፍርህዎ፡+ ብዅሉ ልብኹም ከኣ ብተኣማንነት* ኣገልግልዎ፣ እቲ ንዓኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር እሞ ርኣዩ።+ 25 ብንቕጽና ኽፉእ እንተ ጌርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትኵስተሩ ኢኹም።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ