ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳኦል ትእዛዝ ጥሒሱ ንኣጋግ ነሓፎ (1-9)

      • ሳሙኤል ንሳኦል ገንሖ (10-23)

        • “ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ” (22)

      • ሳኦል ንጉስ ከይከውን ተናዕቀ (24-29)

      • ሳሙኤል ንኣጋግ ቀተሎ (30-35)

1 ሳሙኤል 15:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:16፣ 10:1
  • +1ሳሙ 12:14

1 ሳሙኤል 15:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 17:8፣ ዘሁ 24:20፣ ዘዳ 25:17, 18

1 ሳሙኤል 15:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣይትራሕርሓሎም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 17:14፣ ዘዳ 25:19፣ 1ዜና 4:43
  • +ዘሌ 27:29፣ 1ሳሙ 15:18
  • +ዘዳ 9:1, 3፣ 13:17፣ እያ 6:18

1 ሳሙኤል 15:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:8፣ 13:15

1 ሳሙኤል 15:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

1 ሳሙኤል 15:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:29, 32፣ 24:21፣ መሳ 1:16
  • +ዘጸ 18:9, 12
  • +ዘፍ 18:25፣ 19:12, 13፣ እያ 6:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2005፡ ገጽ 22-23

1 ሳሙኤል 15:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 25:19፣ 1ሳሙ 14:47, 48
  • +ዘፍ 25:17, 18
  • +1ሳሙ 27:8

1 ሳሙኤል 15:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:33
  • +ዘሌ 27:29፣ 1ሳሙ 15:3

1 ሳሙኤል 15:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ራሕርሑሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 7:12

1 ሳሙኤል 15:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጕህየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:13፣ 15:3
  • +1ሳሙ 16:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/1998፡ ገጽ 6-7

1 ሳሙኤል 15:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:20, 55
  • +2ሳሙ 18:18

1 ሳሙኤል 15:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:3

1 ሳሙኤል 15:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝራሕርሑለን።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2022፡ ገጽ 3

1 ሳሙኤል 15:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:10, 11

1 ሳሙኤል 15:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:16፣ 10:1
  • +1ሳሙ 9:21፣ 10:22

1 ሳሙኤል 15:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:3
  • +ዘዳ 25:19

1 ሳሙኤል 15:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 13:17፣ 1ሳሙ 15:9

1 ሳሙኤል 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:29፣ ዘዳ 7:16፣ 1ሳሙ 15:3, 9

1 ሳሙኤል 15:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:15

1 ሳሙኤል 15:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:11
  • +ምሳ 21:3፣ ሆሴ 6:6፣ ማር 12:33
  • +ዘሌ 3:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 26-28

1 ሳሙኤል 15:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ተራፊምን፡” ማለት፡ ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽቲ፣ ጣኦታት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 12:15
  • +ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10, 12፣ 1ዜና 10:13
  • +1ሳሙ 15:3
  • +1ሳሙ 13:14፣ 16:1፣ ግብ 13:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2022፡ ገጽ 2-3

1 ሳሙኤል 15:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:30

1 ሳሙኤል 15:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:14፣ 16:1

1 ሳሙኤል 15:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:14፣ 16:12, 13፣ ግብ 13:22

1 ሳሙኤል 15:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከይጠዓስ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣይጠዓስን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:11
  • +ቲቶ 1:2፣ እብ 6:18
  • +ዘሁ 23:19

1 ሳሙኤል 15:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:25

1 ሳሙኤል 15:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምረት።”

  • *

    ወይ፡ “ብምትእምማን” ኪኸውን ይኽእል።

1 ሳሙኤል 15:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 17:14፣ ዘዳ 25:19፣ 1ሳሙ 15:3

1 ሳሙኤል 15:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:1
  • +1ሳሙ 15:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/1998፡ ገጽ 6-7

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 15:11ሳሙ 9:16፣ 10:1
1 ሳሙ. 15:11ሳሙ 12:14
1 ሳሙ. 15:2ዘጸ 17:8፣ ዘሁ 24:20፣ ዘዳ 25:17, 18
1 ሳሙ. 15:3ዘጸ 17:14፣ ዘዳ 25:19፣ 1ዜና 4:43
1 ሳሙ. 15:3ዘሌ 27:29፣ 1ሳሙ 15:18
1 ሳሙ. 15:3ዘዳ 9:1, 3፣ 13:17፣ እያ 6:18
1 ሳሙ. 15:41ሳሙ 11:8፣ 13:15
1 ሳሙ. 15:6ዘሁ 10:29, 32፣ 24:21፣ መሳ 1:16
1 ሳሙ. 15:6ዘጸ 18:9, 12
1 ሳሙ. 15:6ዘፍ 18:25፣ 19:12, 13፣ እያ 6:17
1 ሳሙ. 15:7ዘዳ 25:19፣ 1ሳሙ 14:47, 48
1 ሳሙ. 15:7ዘፍ 25:17, 18
1 ሳሙ. 15:71ሳሙ 27:8
1 ሳሙ. 15:81ሳሙ 15:33
1 ሳሙ. 15:8ዘሌ 27:29፣ 1ሳሙ 15:3
1 ሳሙ. 15:9እያ 7:12
1 ሳሙ. 15:111ሳሙ 13:13፣ 15:3
1 ሳሙ. 15:111ሳሙ 16:1
1 ሳሙ. 15:12እያ 15:20, 55
1 ሳሙ. 15:122ሳሙ 18:18
1 ሳሙ. 15:141ሳሙ 15:3
1 ሳሙ. 15:161ሳሙ 15:10, 11
1 ሳሙ. 15:171ሳሙ 9:16፣ 10:1
1 ሳሙ. 15:171ሳሙ 9:21፣ 10:22
1 ሳሙ. 15:181ሳሙ 15:3
1 ሳሙ. 15:18ዘዳ 25:19
1 ሳሙ. 15:19ዘዳ 13:17፣ 1ሳሙ 15:9
1 ሳሙ. 15:20ዘሌ 27:29፣ ዘዳ 7:16፣ 1ሳሙ 15:3, 9
1 ሳሙ. 15:211ሳሙ 15:15
1 ሳሙ. 15:22ኢሳ 1:11
1 ሳሙ. 15:22ምሳ 21:3፣ ሆሴ 6:6፣ ማር 12:33
1 ሳሙ. 15:22ዘሌ 3:16
1 ሳሙ. 15:231ሳሙ 12:15
1 ሳሙ. 15:23ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10, 12፣ 1ዜና 10:13
1 ሳሙ. 15:231ሳሙ 15:3
1 ሳሙ. 15:231ሳሙ 13:14፣ 16:1፣ ግብ 13:22
1 ሳሙ. 15:251ሳሙ 15:30
1 ሳሙ. 15:261ሳሙ 13:14፣ 16:1
1 ሳሙ. 15:281ሳሙ 13:14፣ 16:12, 13፣ ግብ 13:22
1 ሳሙ. 15:291ዜና 29:11
1 ሳሙ. 15:29ቲቶ 1:2፣ እብ 6:18
1 ሳሙ. 15:29ዘሁ 23:19
1 ሳሙ. 15:301ሳሙ 15:25
1 ሳሙ. 15:33ዘጸ 17:14፣ ዘዳ 25:19፣ 1ሳሙ 15:3
1 ሳሙ. 15:351ሳሙ 16:1
1 ሳሙ. 15:351ሳሙ 15:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 15:1-35

1 ሳሙኤል

15 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ክቐብኣካ፡ የሆዋ ንዓይ ልኢኹኒ እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ የሆዋ ዚብሎ ስማዕ።+ 2 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣማሌቃውያን በቲ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ ኣብ መገዲ ብምጽራር ዝገበርዎ ነገር ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።+ 3 ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውቕዓዮም፣+ ምስ ዘለዎም ዘበለ ዅሉ ድማ ኣጥፍኣዮም።+ ኣይትንሓፎም፣* ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ቈልዓ ዀነ ሕጻን፡ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡ ገመል ኰነ ኣድጊ ቕተል።’”+ 4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቶም ህዝቡ ኣኽቲቱ፡ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮም፦ 200,000 ኣጋር ተዋጋእትን 10,000 ሰብ ይሁዳን ኰኑ።+

5 ሳኦል ከኣ ክሳብ ከተማ ኣማሌቅ ቀረበ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ስንጭሮ* ድማ ደባይ ገበረ። 6 ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡+ “ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለዉ፡ ብተኣማንነት ኣፍቂርካዮም ኢኻ እሞ፡+ ምሳታቶም ከይዅስትረካስ፡ ካብ መንጎ ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ኪዱ” በሎም።+ ቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቅ ኣልገሱ። 7 ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን+ ካብ ሓዊላ+ ኽሳብ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር+ ወቕዖም። 8 ንኣጋግ+ ንጉስ ኣማሌቅ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሓዞ፣ ንዅሎም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ብሰይፊ ኣጥፍኦም።+ 9 ግናኸ፡ ሳኦልን እቲ ህዝብን ንኣጋግን ነተን ብሉጻት ጤለ በጊዕን ከብትን ስቡሓት እንስሳታትን ደዓውልን ንዅሉ ጽቡቕ ዘበለን ነሓፍዎ።*+ ኬጥፍእዎም ድማ ኣይደለዩን። ነቲ ዘይጠቅምን ዘይድለን ዘበለ ጥሪት ግና፡ ኣጥፍእዎ።

10 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ናብ ሳሙኤል መጸ፦ 11 “ሳኦል ካብ ምስዓበይ ስለ እተመልሰን ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመን፡ ንዕኡ ብምንጋሰይ ተጣዒሰ* ኣለኹ።”+ ሳሙኤል ድማ ኣዝዩ ጐሃየ፣ ምሉእ ለይቲ ኸኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+ 12 ሳሙኤል ንሳኦል ኪረኽቦ ኣንጊሁ ምስ ተንስአ፡ ንሳሙኤል፡ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ፣+ ኣብኡ ድማ ንርእሱ ዚኸውን ሓወልቲ ኣቚሙ።+ ድሕሪኡ፡ ዞይሩ ናብ ጊልጋል ወሪዱ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 13 ሳሙኤል ከኣ ናብ ሳኦል መጸ፣ ሳኦል ከኣ፡ “የሆዋ ይባርኽካ። ቃል የሆዋ ፈጺመ እየ” በሎ። 14 ሳሙኤል ግና፡ “እዚ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ደሃይ ጤለ በጊዕን ደሃይ ከብትን ደኣ እንታይ እዩ፧” በለ።+ 15 ሳኦል ድማ፡ “እቶም ህዝቢ ኻብተን ጤለ በጊዕን ከብትን ዘዝበለጻ ንየሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ስለ ዝነሓፍወን፡* ካብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን እየን፣ ነተን ዝተረፋ ግና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ። 16 ሽዑ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ “ይኣክል! የሆዋ ትማሊ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ተዛረብ” በሎ።

17 ሳሙኤል ከኣ፡ “ንስኻ ርእሲ ነገዳት እስራኤል ክትከውን ከለኻ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኪቐብኣካ ኸሎ፡+ ኣብ ኣዒንትኻዶ ንእሽቶ ኣይነበርካን፧+ 18 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ኣጥፍኣዮም።+ ክሳዕ ዚጸንቱ ድማ ተዋግኣዮም’+ ኢሉ ተልእኾ ሂቡ ሰዲዱካ። 19 ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ድምጺ የሆዋ ዘይተኣዘዝካ፧ የግዳስ፡ ናብቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ዝዀነ ምርኮ ብህርፋን ጐዪኻ” በሎ።+

20 ግናኸ፡ ሳኦል ንሳሙኤል፡ “ድምጺ የሆዋ ግና ተኣዚዘ እየ። ናብቲ የሆዋ ዝለኣኸኒ ተልእኾ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ድማ ኣምጽኤዮ፡ ንኣማሌቃውያን እውን ኣጥፊአዮም።+ 21 እቲ ህዝቢ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ፡ ካብቲ ምርኮ ኣባጊዕን ከብትን፡ ካብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ድማ ዘዝበለጻ ወሲዱ” በሎ።+

22 ሳሙኤል ከኣ፡ “ንየሆዋስ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ንድምጺ የሆዋ እዙዝ ምዃን ገይሩዶ ባህ የብሎ እዩ፧+ እንሆ፡ ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ፡+ ኣቓልቦ ድማ ካብ ስብሒ+ ደዓውል፣ 23 ዕልወትሲ+ ኸም ሓጢኣት ጥንቈላ እዩ፡+ ድፍረት ከኣ ከም ስሒርን ኣምልኾ ጣኦትን* እዩ። ቃል የሆዋ ስለ ዝነዓቕካ፡+ ንሱ ድማ ንጉስ ከይትኸውን ንዒቑካ ኣሎ”+ በሎ።

24 ሳኦል ከኣ ንሳሙኤል፡ “ነቶም ህዝቢ ፈሪሀ ነቲ ዝበልዎ ስለ ዝሰማዕኩ፡ ትእዛዝ የሆዋን ቃልካን ጥሒሰ እየ እሞ፡ ሓጢአ። 25 ሕጂ ድማ፡ በጃኻ ሓጢኣተይ ሕደገለይ፡ ንየሆዋ ኽሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ” በሎ።+ 26 ሳሙኤል ግና ንሳኦል፡ “ቃል የሆዋ ንዒቕካ ኢኻ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከይትኸውን ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ” በሎ።+ 27 ሳሙኤል ኪኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ሳኦል ብጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሹ ኣጽኒዑ ሓዞ እሞ፡ ተቐድደ። 28 ሳሙኤል ድማ፡ “የሆዋ ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲድዋ ኣሎ፡ ካባኻ ንዚሓይሽ ብጻይካ ኸኣ ኪህቦ እዩ።+ 29 እቲ ናይ እስራኤል ብሉጽሲ+ ሓሳቡ ኸይልውጥ* ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን+ ወይ ሓሳቡ ኣይልውጥን* እዩ”+ በሎ።

30 ንሱ ኸኣ፡ “ሓጢአ፣ በጃኻ ግዳ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ። ምሳይ ተመለስ እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኽሰግድ እየ” በሎ።+ 31 ሳሙኤል ድማ ደድሕሪ ሳኦል ተመልሰ፣ ሳኦል ከኣ ንየሆዋ ሰገደሉ። 32 ድሕርዚ፡ ሳሙኤል፡ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ” በለ። ኣጋግ ድማ፡ ‘ስግኣት* ሞትሲ ብርግጽ ሓሊፉ እዩ’ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣጋግ ማእደድ እናበለ* መጸ። 33 ሳሙኤል ግና፡ “ከምቲ ሰይፍኻ ንኣንስቲ ውሉዳት ዘይብለን ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውላድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ፡ ሳሙኤል ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ።+

34 ሳሙኤል ድማ ናብ ራማ ኸደ፣ ሳኦል ከኣ ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ። 35 ሳሙኤል ብሳኦል ይሓዝን ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ኣይረኣዮን።+ የሆዋ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ