ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳኦል ኣብ ዔን-ዶር ናብ እትርከብ ጠያቒት መናፍስቲ ኸደ (1-25)

1 ሳሙኤል 28:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:52
  • +1ሳሙ 27:12፣ 29:3

1 ሳሙኤል 28:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 29:2

1 ሳሙኤል 28:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:1
  • +ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6, 27፣ ዘዳ 18:10, 11፣ ራእ 21:8

1 ሳሙኤል 28:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:17, 18፣ 2ነገ 4:8
  • +1ሳሙ 31:1፣ 2ሳሙ 1:21፣ 21:12

1 ሳሙኤል 28:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:20

1 ሳሙኤል 28:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:37
  • +ዘጸ 28:30፣ ዘሁ 27:21

1 ሳሙኤል 28:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6፣ 1ሳሙ 15:23፣ 28:3
  • +እያ 17:11

1 ሳሙኤል 28:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 18:10, 11፣ 1ዜና 10:13

1 ሳሙኤል 28:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ መጻወድያ ትገብረላ፧”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:3
  • +ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 20:27

1 ሳሙኤል 28:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ንሳሙኤል ዚመስል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:3

1 ሳሙኤል 28:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2010፡ ገጽ 20

1 ሳሙኤል 28:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:6
  • +ዘሌ 19:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 91-92

1 ሳሙኤል 28:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:23፣ 16:14

1 ሳሙኤል 28:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:14፣ 15:28፣ 16:13፣ 24:20

1 ሳሙኤል 28:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:9፣ 1ዜና 10:13

1 ሳሙኤል 28:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:1፣ 31:1
  • +1ሳሙ 31:5
  • +1ሳሙ 31:2፣ 2ሳሙ 2:8
  • +1ሳሙ 31:7

1 ሳሙኤል 28:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:27

1 ሳሙኤል 28:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰውኣቶ።”

1 ሳሙኤል 28:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:8

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 28:11ሳሙ 14:52
1 ሳሙ. 28:11ሳሙ 27:12፣ 29:3
1 ሳሙ. 28:21ሳሙ 29:2
1 ሳሙ. 28:31ሳሙ 25:1
1 ሳሙ. 28:3ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6, 27፣ ዘዳ 18:10, 11፣ ራእ 21:8
1 ሳሙ. 28:4እያ 19:17, 18፣ 2ነገ 4:8
1 ሳሙ. 28:41ሳሙ 31:1፣ 2ሳሙ 1:21፣ 21:12
1 ሳሙ. 28:51ሳሙ 28:20
1 ሳሙ. 28:61ሳሙ 14:37
1 ሳሙ. 28:6ዘጸ 28:30፣ ዘሁ 27:21
1 ሳሙ. 28:7ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6፣ 1ሳሙ 15:23፣ 28:3
1 ሳሙ. 28:7እያ 17:11
1 ሳሙ. 28:8ዘዳ 18:10, 11፣ 1ዜና 10:13
1 ሳሙ. 28:91ሳሙ 28:3
1 ሳሙ. 28:9ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 20:27
1 ሳሙ. 28:121ሳሙ 28:3
1 ሳሙ. 28:141ሳሙ 15:27
1 ሳሙ. 28:151ሳሙ 28:6
1 ሳሙ. 28:15ዘሌ 19:31
1 ሳሙ. 28:161ሳሙ 15:23፣ 16:14
1 ሳሙ. 28:171ሳሙ 13:14፣ 15:28፣ 16:13፣ 24:20
1 ሳሙ. 28:181ሳሙ 15:9፣ 1ዜና 10:13
1 ሳሙ. 28:191ሳሙ 28:1፣ 31:1
1 ሳሙ. 28:191ሳሙ 31:5
1 ሳሙ. 28:191ሳሙ 31:2፣ 2ሳሙ 2:8
1 ሳሙ. 28:191ሳሙ 31:7
1 ሳሙ. 28:21ዘሌ 20:27
1 ሳሙ. 28:251ሳሙ 28:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 28:1-25

1 ሳሙኤል

28 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ።+ ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ከም እትወጹ መሸም ብርግጽ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ።+ 2 ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ “እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ብርግጽ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ “ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓላው ርእሰይ ክገብረካ እየ” በሎ።+

3 ሳሙኤል ከኣ ሞይቱ ነበረ፣ ኵሎም እስራኤል ድማ ሓዚኖምሉን ኣብ ራማ ኣብታ ኸተማኡ ቐቢሮምዎን ነበሩ።+ ሳኦል ከኣ ንጠየቕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ካብታ ሃገር ኣወጊድዎም ነበረ።+

4 ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣኽቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹነም+ ሰፈሩ። ሳኦል ከኣ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፣ ኣብ ጊልቦዓ ድማ ሰፈሩ።+ 5 ሳኦል ከኣ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ፡ ፈርሀ፡ ልቡ እውን ኣዝዩ ራዕራዕ በለ።+ 6 ሳኦል ንየሆዋ እኳ እንተ ሓተቶ፡+ የሆዋ ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም+ ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን። 7 ሽዑ፡ ሳኦል ንገላዉኡ፡ “ጠያቒት መናፍስቲ ዝዀነት ሰበይቲ ርኸቡለይ፣+ ኣነ ድማ ከይደ ምኽሪ ኽሓትታ እየ” በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣብ ዔን-ዶር+ ጠያቒት መናፍስቲ ዝዀነት ሰበይቲ ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።

8 ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፡ ምስ ክልተ ኻብ ሰቡ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ ኸደ። “መናፍስቲ ብምጥያቕ፡ በጃኺ ጠንቍልለይ፣+ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ” ድማ በላ። 9 እታ ሰበይቲ ግና፡ “እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ካብዛ ሃገር ከም ዘወገዶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።+ ስለምንታይ ደኣ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧”* በለቶ።+ 10 ሳኦል ከኣ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ በዚ ነገር እዚ በዳሊት ኣይክትኰንን ኢኺ” ኢሉ ብየሆዋ መሓለላ። 11 ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ፡ “ንመን ከተንስኣልካ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ንሳሙኤል ኣተንስእለይ” በላ። 12 እታ ሰበይቲ “ንሳሙኤል”* ምስ ረኣየቶ፡+ ዓው ኢላ ጨደረት እሞ ንሳኦል፡ “ስለምንታይ ኣታሊልካኒ፧ ንስኻ ሳኦል ኢኻ!” በለቶ። 13 ንጉስ ድማ፡ “ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣለኺ፧” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ከም ኣምላኽ ዚመስል ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣለኹ” ኢላ መለሰትሉ። 14 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ትርኢቱኸ ኸመይ ይመስል፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ እተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወጽእ ኣሎ” በለት።+ ሽዑ፡ ሳኦል፡ ንሱ “ሳሙኤል” ምዃኑ ፈለጠ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ እውን ሰገደ።

15 “ሳሙኤል” ከኣ ንሳኦል፡ “ስለምንታይ ኣተንሲእካ እትርብሸኒ፧” በሎ። ሳኦል ድማ፡ “ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ እየ ዘለኹ። ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፣ ኣምላኽ ከኣ ርሒቑኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይምልሰለይን እዩ ዘሎ።+ ስለዚ እየ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ዝጽውዓካ ዘለኹ” ኢሉ መለሰሉ።+

16 “ሳሙኤል” ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ረሓቐካ፡+ ተጻራሪኻ እውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትሓትተኒ፧ 17 የሆዋ ኸምቲ ብኣይ እተዛረቦ ኺገብር እዩ፦ የሆዋ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ዳዊት ኪህቦ እዩ።+ 18 ድምጺ የሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝካን እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኣብ ኣማሌቃውያን ስለ ዘይፈጸምካዮን፡+ ስለዚ እዩ የሆዋ በዛ መዓልቲ እዚኣ እዚ ዚገብረካ ዘሎ። 19 የሆዋ ኸኣ ንእስራኤልን ንዓኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን+ ኪህበኩም እዩ፣ ጽባሕ ድማ ንስኻን+ ደቅኻን+ ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። የሆዋ ኸኣ ንሰራዊት እስራኤል ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኪህቦም እዩ።”+

20 ሽዑ፡ ሳኦል ብምሉእ ቍመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ብዘረባ “ሳሙኤል” ድማ እምብዛ ፈርሀ። ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ምግቢ ኣይበልዐን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። 21 እታ ሰበይቲ ናብ ሳኦል ምስ መጸትን ኣመና ኸም እተረበሸ ምስ ረኣየትን ከኣ፡ “እንሆ፡ ገረድካ ዝበልካኒ ተኣዚዘ፡ ህይወተይ ቀቢጸ*+ ድማ ዝበልካኒ ገይረ። 22 ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ገረድካ እትብለካ ስማዕ። ቍራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ እየ እሞ፡ መገድኻ ንምኻድ ሓይሊ ኽትረክብሲ ብላዕ” በለቶ። 23 ንሱ ግና፡ “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ገላዉኡን እታ ሰበይትን ግና ግዲ በልዎ። ንሱ ድማ ሰምዖም፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኸኣ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። 24 እታ ሰበይቲ ድማ ኣብ ቤታ ስቡሕ ምራኽ ነበራ፣ ተቐላጢፋ ኸኣ ሓረደቶ፣* ሓርጭ ወሲዳ ድማ ለዊሳ፡ ቅጫ ሰንከተት። 25 ንሳኦልን ንገላዉኡን ከኣ ኣቕረበትሎም፣ ንሳቶም ድማ በልዑ። ድሕርዚ፡ ተንሲኦም በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ