ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ኣምኖን ንታማር ዓመጻ (1-22)

      • ኣቤሴሎም ንኣምኖን ቀተሎ (23-33)

      • ኣቤሴሎም ናብ ጌሹር ሃደመ (34-39)

2 ሳሙኤል 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:9
  • +2ሳሙ 3:2

2 ሳሙኤል 13:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 13:35
  • +1ሳሙ 16:9፣ 1ዜና 2:13

2 ሳሙኤል 13:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:9፣ 20:17

2 ሳሙኤል 13:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንጌራ ምጽንናዕ።”

2 ሳሙኤል 13:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንጌራ ምጽንናዕ።”

2 ሳሙኤል 13:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንጌራ ምጽንናዕ።”

2 ሳሙኤል 13:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:9, 29፣ 20:17፣ ዘዳ 27:22
  • +ዘፍ 34:2, 7፣ መሳ 20:5, 6

2 ሳሙኤል 13:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስሉም።”

2 ሳሙኤል 13:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 7:6፣ ኣስ 4:1፣ ኤር 6:26

2 ሳሙኤል 13:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:3፣ 13:1
  • +ዘሌ 18:9፣ ዘዳ 27:22

2 ሳሙኤል 13:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 19:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2015፡ ገጽ 17

2 ሳሙኤል 13:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 18:19
  • +ዘፍ 34:7

2 ሳሙኤል 13:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 11:54
  • +1ነገ 1:9, 19

2 ሳሙኤል 13:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 55:21፣ ምሳ 10:18፣ 26:24-26

2 ሳሙኤል 13:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 5/2022፡ ገጽ 9

2 ሳሙኤል 13:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 13:3
  • +1ሳሙ 16:9፣ 1ዜና 2:13
  • +2ሳሙ 12:10
  • +ዘሌ 18:9, 29፣ 2ሳሙ 13:12-14
  • +ዘፍ 27:41፣ መዝ 7:14፣ ምሳ 18:19

2 ሳሙኤል 13:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 13:38

2 ሳሙኤል 13:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 13:3

2 ሳሙኤል 13:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:3

2 ሳሙኤል 13:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:14፣ እያ 12:4, 5፣ 2ሳሙ 14:23

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 13:11ዜና 3:9
2 ሳሙ. 13:12ሳሙ 3:2
2 ሳሙ. 13:32ሳሙ 13:35
2 ሳሙ. 13:31ሳሙ 16:9፣ 1ዜና 2:13
2 ሳሙ. 13:4ዘሌ 18:9፣ 20:17
2 ሳሙ. 13:12ዘሌ 18:9, 29፣ 20:17፣ ዘዳ 27:22
2 ሳሙ. 13:12ዘፍ 34:2, 7፣ መሳ 20:5, 6
2 ሳሙ. 13:19እያ 7:6፣ ኣስ 4:1፣ ኤር 6:26
2 ሳሙ. 13:202ሳሙ 3:3፣ 13:1
2 ሳሙ. 13:20ዘሌ 18:9፣ ዘዳ 27:22
2 ሳሙ. 13:21ምሳ 19:13
2 ሳሙ. 13:22ምሳ 18:19
2 ሳሙ. 13:22ዘፍ 34:7
2 ሳሙ. 13:23ዮሃ 11:54
2 ሳሙ. 13:231ነገ 1:9, 19
2 ሳሙ. 13:26መዝ 55:21፣ ምሳ 10:18፣ 26:24-26
2 ሳሙ. 13:322ሳሙ 13:3
2 ሳሙ. 13:321ሳሙ 16:9፣ 1ዜና 2:13
2 ሳሙ. 13:322ሳሙ 12:10
2 ሳሙ. 13:32ዘሌ 18:9, 29፣ 2ሳሙ 13:12-14
2 ሳሙ. 13:32ዘፍ 27:41፣ መዝ 7:14፣ ምሳ 18:19
2 ሳሙ. 13:342ሳሙ 13:38
2 ሳሙ. 13:352ሳሙ 13:3
2 ሳሙ. 13:372ሳሙ 3:3
2 ሳሙ. 13:38ዘዳ 3:14፣ እያ 12:4, 5፣ 2ሳሙ 14:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 13:1-39

2 ሳሙኤል

13 ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፡ ታማር+ ዝስማ መልክዐኛ ሓብቲ ነበረቶ፣ ኣምኖን+ ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። 2 ንሳ ድማ ድንግል ነበረት፡ ንኣምኖን ከኣ ገለ ኺገብራ ዘይክእል ኰይኑ ተራእይዎ ነበረ እሞ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሓምም ተጨነቐ። 3 ኣምኖን ድማ ዮናዳብ+ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ፣ ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። 4 ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ንጉስ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትጭነቕ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለምንታይከ ዘይትነግረኒ፧” በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ “ምስ ታማር፡ ሓብቲ+ ሓወይ ኣቤሴሎም ፍቕሪ ሒዙኒ” ኢሉ መለሰሉ። 5 ዮናዳብ ድማ፡ “ከም ዝሓመምካ መሲልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ። ኣቦኻ ኺርእየካ ምስ መጸ ድማ፡ ‘በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ መጺኣ እንጌራ ተቕርበለይ። ንሕሙም ዚውሃብ እንጌራ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እንተ ኣዳልያቶ፡ ካብ ኢዳ ኽበልዖ እየ’ በሎ” ኢሉ መለሰሉ።

6 ኣምኖን ድማ ከም ዝሓመመ መሲሉ ደቀሰ፣ ንጉስ ከኣ ንኣምኖን ኪርእዮ መጸ። ኣምኖን ድማ ንንጉስ፡ “በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ትምጻእ እሞ፡ ካብ ኢዳ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ልቢ ዝቕርጹ ኽልተ ቕጫ ትሰንክተለይ” በሎ። 7 ሽዑ፡ ዳዊት ናብ ታማር ናብ ቤት ልኢኹ፡ “በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኼድኪ፡ እንጌራ* ኣዳልውሉ” በላ። 8 ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፣ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቝ ወሲዳ ለወሰቶ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕጫታት ገይራ ድማ፡ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ። 9 ነቲ መቕሎ ወሲዳ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ኣምኖን ግና ምብላዕ ኣበየ፡ “ንዅሉ ሰብ ኣውጽኡለይ” ድማ በለ። ኵሉ ሰብ ከኣ ወጸሉ።

10 ኣምኖን ድማ ንታማር፡ “ካብ ኢድኪ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ነቲ እንጌራ* ናብ መደቀሲ ኣምጽእዮ” በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ልቢ ዝቕርጹ ቕጫታት ወሲዳ፡ ናብ ኣምኖን ሓዋ ናብ መደቀሲ ኣምጽኣቶ። 11 ኪበልዕ ምስ ኣቕረበትሉ፡ ኣጽኒዑ ሒዙ፡ “ሓብተየ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ። 12 ንሳ ግና፡ “ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተዋርደኒ፣ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ።+ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበር።+ 13 ነዚ ነውሪ ሒዘኸ ኸመይ ኢለ ኽነብር እኽእል፧ ንስኻ እውን ከም ሓደ ኻብቶም ውርደተኛታት እስራኤል ክትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንዓይ ኣይከልኣካን እዩ እሞ፡ ንዕኡ ተዛረቦ” በለቶ። 14 ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን፣ ካብኣ ሓዪሉ ድማ ዓሚጹ ኣዋረዳ። 15 ድሕርዚ፡ ኣምኖን ኣዝዩ ብርቱዕ ጽልኢ ጸልኣ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ፡ እቲ ዝጸልኣ ጽልኢ ዓበየ። ኣምኖን ድማ፡ “ተንስኢ፡ ኪዲ!” በላ። 16 ሽዑ፡ ንሳ፡ “ኣይፋልካን ሓወየ፣ ሕጂ ንዓይ ምስዳድካ፡ ካብቲ ዝገበርካኒ ዝገደደ እዩ” በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን።

17 ነቲ መንእሰይ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ “በጃኻ እስከ፡ ነዚኣ ኣውጽኣለይ እሞ፡ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኣ ዕጸዎ” በሎ። 18 (ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ፍሉይ* ክዳን ተኸዲና ነበረት፣ ከመይሲ፡ ደናግል ኣዋልድ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ኽዳውንቲ ይኽደና ነበራ።) ሽዑ፡ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽኣ፣ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪኣ ዓጸዎ። 19 ታማር ከኣ ሓምዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፣+ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ጽቡቕ ክዳን ድማ ቀደደቶ። ክትከይድ ከላ ኸኣ፡ ኣእዳዋ ኣብ ርእሳ ገይራ እናኣእወየት ከደት።

20 ሽዑ፡ ሓዋ ኣቤሴሎም፡+ “ምሳኺ ዝነበረስ ኣምኖን ሓውኪ ድዩ፧ ሕጂ ድማ ሓብተየ፡ ስቕ በሊ። ንሱ ሓውኪ እዩ።+ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሓዝዮ” በላ። ታማር ከኣ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተገሊላ ትነብር ነበረት። 21 ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ዅሉ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ።+ ወዱ ኣምኖን በዅሩ ብምንባሩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ግና፡ ኬጕህዮ ኣይደለየን። 22 ኣቤሴሎም ድማ፡ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዘዋረዳ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡+ ኣቤሴሎም ንኣምኖን፡ ክፉእ ኰነ ወይ ጽቡቕ ኣይተዛረቦን።+

23 ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ንኣቤሴሎም ኣብ በዓል-ሓጾር፡ ኣብ ጥቓ ኤፍሬም+ ቀምቀምቲ ኣባጊዕ ነበርዎ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዓደሞም።+ 24 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ “ጊልያኻ ኣባጊዑ የቐምቅም ኣሎ። በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምሳይ ይኺዱ” በለ። 25 ንጉስ ግና ንኣቤሴሎም፡ “ኣይፋልካን ወደየ። ኵላትና እንተ ኼድና፡ ጾር ክንኰነካ ኢና” በሎ። ግዲ እኳ እንተ በሎ፡ መረቖ እምበር፡ ኪኸይድሲ ሕራይ ኣይበሎን። 26 ሽዑ፡ ኣቤሴሎም፡ “እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ” በሎ።+ ንጉስ ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፧” በሎ። 27 ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፣ ስለዚ፡ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ሰደዶም።

28 ኣቤሴሎም ከኣ ንገላዉኡ፡ “ርኣዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡ ኣነ፡ ‘ንኣምኖን ቅተልዎ!’ ኽብለኩም እየ። ሽዑ፡ ንስኻትኩም ቅተልዎ። ኣይትፍርሁ። ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘለኹ፧ በርትዑ፡ ትብዑ” በሎም። 29 ገላዉ ኣቤሴሎም ድማ ንኣምኖን፡ ከምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ገበርዎ። ሽዑ፡ ኵሎም ደቂ ንጉስ ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፎም በበቕሎም ተወጢሖም ሃደሙ። 30 ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ “ኣቤሴሎም ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም፣ ሓደ እኳ ዝተረፈ የልቦን” ዚብል ወረ መጾ። 31 ሽዑ፡ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳውንቱ ቐደደ፡ ኣብ ምድሪ ድማ በጥ በለ፣ ኵሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ።

32 ዮናዳብ+ ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት ግና፡ ከምዚ በለ፦ “ኣምኖን ጥራይ እዩ ሞይቱ እሞ፡ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲሎምዎም ኢሉ ጐይታይ ኣይሕሰብ።+ እዝስ ብትእዛዝ እቲ በታ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ዘዋረዳ መዓልቲ+ ኸምዚ ኺገብር ዝወሰነ ኣቤሴሎም እዩ ተገይሩ።+ 33 ሕጂ ድማ ጐይታይ ንጉስ ነዚ፡ ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም’ ዚብል ወረ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፣ ኣምኖን ጥራይ እዩ ሞይቱ።”

34 ኣቤሴሎም ከኣ ሃደመ።+ እቲ ሓላዊ ድማ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ካብታ ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ ኸረን ዘላ መገዲ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረኣየ። 35 ሽዑ፡ ዮናዳብ+ ንንጉስ፡ “ደቂ ንጉስ እነዉ ተመሊሶም። ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ እዩ” በሎ። 36 ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ደቂ ንጉስ መጺኦም ዓው ኢሎም በኸዩ፣ ንጉስን ኵሎም ገላዉኡን እውን ኣዝዩ መሪር ብኽያት በኸዩ። 37 ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ታልማይ+ ወዲ ዓሚሁድ ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነሉ። 38 ኣቤሴሎም ድማ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ጸንሐ።

39 ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሴሎም ኪኸይድ ሃረር በለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ