ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ምስ ኣህዛብ ዘለዎ ነገር (1-38)

        • ኣህዛብ ንባቢሎን 70 ዓመት ኪግዝእዋ እዮም (11)

        • ጽዋእ ወይኒ ቝጥዓ ኣምላኽ (15)

        • መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ የስፋሕፍሕ (32)

        • ብየሆዋ እተቐትሉ (33)

ኤርምያስ 25:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:1፣ ኤር 36:1፣ 46:2፣ ዳን 1:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትንቢት ዳንኤል፡ ገጽ 18-19

ኤርምያስ 25:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዅሎም።”

ኤርምያስ 25:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:2
  • +ኤር 7:13፣ 13:10

ኤርምያስ 25:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሁ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 29:19

ኤርምያስ 25:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:13፣ ኢሳ 55:7፣ ኤር 18:11፣ 35:15፣ ህዝ 18:30፣ 33:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 14-15

ኤርምያስ 25:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 14-15

ኤርምያስ 25:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:21፣ ነህ 9:26

ኤርምያስ 25:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 15

ኤርምያስ 25:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:25፣ ኢሳ 5:26፣ ኤር 1:15
  • +ኤር 27:6፣ 43:10
  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 5:15፣ ህዝ 7:24
  • +ህዝ 26:7፣ 29:19፣ ኣን 1:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 15

ኤርምያስ 25:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:7፣ ኤር 7:34፣ ህዝ 26:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2015፡ ገጽ 15

    1/6/2014፡ ገጽ 9

    1/3/1994፡ ገጽ 15-16

    ራእይ፡ ገጽ 270

ኤርምያስ 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20, 21፣ ዳን 9:2፣ ዘካ 1:12፣ 7:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2011፡ ገጽ 26-28

    1/3/1994፡ ገጽ 15-16

    ኤርምያስ፡ ገጽ 161-162

    ራእይ፡ ገጽ 270

ኤርምያስ 25:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክቐጽዖም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:3፣ እዝ 1:1, 2፣ ኤር 29:10
  • +ኢሳ 47:1፣ ኤር 51:1፣ ዳን 5:26, 30
  • +ኢሳ 13:1, 19፣ 14:4, 23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” 2ዜና-ኢሳ፡ ገጽ 4

ኤርምያስ 25:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16

ኤርምያስ 25:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:9፣ 51:27
  • +ኢሳ 14:2፣ ኣን 2:8
  • +መዝ 137:8፣ ኤር 50:29፣ 51:6, 24፣ ራእ 18:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16

ኤርምያስ 25:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 206-207

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16

ኤርምያስ 25:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:7፣ ድጕ 4:21፣ ህዝ 23:32-34፣ ናሆ 3:7, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 206-207

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16

ኤርምያስ 25:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 25:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 24:9
  • +ኢሳ 51:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 25:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 25:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 47:1
  • +ኤር 47:5

ኤርምያስ 25:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:17፣ ድጕ 4:21
  • +ኤር 48:1
  • +ኤር 49:1

ኤርምያስ 25:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:2, 3፣ 47:4

ኤርምያስ 25:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:8
  • +ኤር 9:25, 26፣ 49:32

ኤርምያስ 25:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:31, 32

ኤርምያስ 25:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:34
  • +ኤር 51:11

ኤርምያስ 25:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ፡ ምስጢራዊ ስም ባቤል (ባቢሎን) ይመስል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:41

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 25:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 63:6፣ ኣን 2:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 17

ኤርምያስ 25:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 17

ኤርምያስ 25:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:7፣ ኤር 7:12, 14፣ ዳን 9:18፣ ሆሴ 12:2፣ ሚክ 6:2
  • +ኤር 49:12፣ ኦብ 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 17

ኤርምያስ 25:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18

ኤርምያስ 25:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንዅሉ ስጋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 3:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18

ኤርምያስ 25:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 34:2, 3፣ ኤር 25:17
  • +ጸፎ 3:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18

ኤርምያስ 25:33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18

ኤርምያስ 25:34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 283

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18-19

ኤርምያስ 25:35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18-19

ኤርምያስ 25:36

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 18-19

ኤርምያስ 25:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 19

ኤርምያስ 25:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 5:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1994፡ ገጽ 19

ሓፈሻዊ

ኤር. 25:12ነገ 24:1፣ ኤር 36:1፣ 46:2፣ ዳን 1:1
ኤር. 25:3ኤር 1:2
ኤር. 25:3ኤር 7:13፣ 13:10
ኤር. 25:4ኤር 29:19
ኤር. 25:52ነገ 17:13፣ ኢሳ 55:7፣ ኤር 18:11፣ 35:15፣ ህዝ 18:30፣ 33:11
ኤር. 25:7ዘዳ 32:21፣ ነህ 9:26
ኤር. 25:9ዘሌ 26:25፣ ኢሳ 5:26፣ ኤር 1:15
ኤር. 25:9ኤር 27:6፣ 43:10
ኤር. 25:9ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 5:15፣ ህዝ 7:24
ኤር. 25:9ህዝ 26:7፣ 29:19፣ ኣን 1:6
ኤር. 25:10ኢሳ 24:7፣ ኤር 7:34፣ ህዝ 26:13
ኤር. 25:112ዜና 36:20, 21፣ ዳን 9:2፣ ዘካ 1:12፣ 7:5
ኤር. 25:12ዘዳ 30:3፣ እዝ 1:1, 2፣ ኤር 29:10
ኤር. 25:12ኢሳ 47:1፣ ኤር 51:1፣ ዳን 5:26, 30
ኤር. 25:12ኢሳ 13:1, 19፣ 14:4, 23
ኤር. 25:14ኤር 50:9፣ 51:27
ኤር. 25:14ኢሳ 14:2፣ ኣን 2:8
ኤር. 25:14መዝ 137:8፣ ኤር 50:29፣ 51:6, 24፣ ራእ 18:6
ኤር. 25:16ኤር 51:7፣ ድጕ 4:21፣ ህዝ 23:32-34፣ ናሆ 3:7, 11
ኤር. 25:17ኤር 1:10
ኤር. 25:18ኤር 24:9
ኤር. 25:18ኢሳ 51:17
ኤር. 25:19ኤር 46:2
ኤር. 25:20ኤር 47:1
ኤር. 25:20ኤር 47:5
ኤር. 25:21ኤር 49:17፣ ድጕ 4:21
ኤር. 25:21ኤር 48:1
ኤር. 25:21ኤር 49:1
ኤር. 25:22ኤር 27:2, 3፣ 47:4
ኤር. 25:23ኤር 49:8
ኤር. 25:23ኤር 9:25, 26፣ 49:32
ኤር. 25:24ኤር 49:31, 32
ኤር. 25:25ኤር 49:34
ኤር. 25:25ኤር 51:11
ኤር. 25:26ኤር 51:41
ኤር. 25:27ኢሳ 63:6፣ ኣን 2:16
ኤር. 25:291ነገ 9:7፣ ኤር 7:12, 14፣ ዳን 9:18፣ ሆሴ 12:2፣ ሚክ 6:2
ኤር. 25:29ኤር 49:12፣ ኦብ 16
ኤር. 25:31ዮኤ 3:2
ኤር. 25:32ኢሳ 34:2, 3፣ ኤር 25:17
ኤር. 25:32ጸፎ 3:8
ኤር. 25:38ሆሴ 5:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 25:1-38

ኤርምያስ

25 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ማለት ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን፡ ብዛዕባ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ። 2 ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ ዅሎም* ህዝቢ ይሁዳን ብዛዕባ ዅሎም ነበርቲ የሩሳሌምን እተዛረቦ እዚ እዩ፦

3 “ካብ መበል 13 ዓመት ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ በዘን 23 ዓመት፡ ቃል የሆዋ መጺኡኒ፣ ኣነ እውን ደጋጊመ* ተዛሪበኩም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን።+ 4 የሆዋ ድማ ንዅሎም ገላዉኡ ነብያት ናባኻትኩም ልኢኽዎም፣ እወ፡ ደጋጊሙ* ልኢኹልኩም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን፡ እዝንኹም እውን ኣየድነንኩምን።+ 5 ንሳቶም ከኣ ከምዚ ይብልኹም ነይሮም፦ ‘በጃኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድታትኩምን ካብ እኩይ ግብርታትኩምን ተመለሱ፣+ ሽዑ፡ ኣብታ የሆዋ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ቀደም ዝሃበኩም ምድሪ፡ ንነዊሕ ግዜ ኽትቅመጡ ኢኹም። 6 ብግብሪ ኣእዳውኩም ከይተዀርዩኒ፡ ኣነ ድማ መዓት ከየምጽኣልኩምሲ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዓቡ፡ ኣይተገልግልዎም፡ ኣይትስገዱሎም እውን።’

7 “‘ግናኸ፡ ንመዓትኩም ደኣ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣዀሪኹምኒ እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን’ ይብል የሆዋ።+

8 “ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘“ቃላተይ ስለ ዘይተኣዘዝኩም፡ 9 ንዅሎም ዓሌታት ሰሜን እልእከሎም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ፡ “ንጊልያይ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እውን እልእከሉ ኣለኹ፣+ ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣን+ ኣንጻር ነበርታን ኣንጻር ኵሎም እዞም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብን ከኣ ከምጽኦም እየ።+ ከጥፍኦም እየ፣ መሰክሕን መፋጸይን ናይ ሓዋሩ ዑናን ክገብሮም እየ። 10 ካባታቶም ከኣ ንደሃይ ፍስሃን ንደሃይ ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን፡ ንደሃይ መጥሓንን ንብርሃን ቀንዴልን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+ 11 ኵላ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክትዓኑን መሰክሒ ኽትከውንን እያ፣ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ከኣ ንንጉስ ባቢሎን 70 ዓመት ኪግዝእዎ እዮም።”’+

12 “‘ግናኸ፡ እተን 70 ዓመት ምስ ተፈጸማ፡+ ንንጉስ ባቢሎንን ነቲ ህዝቢ እትን ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም* እየ’+ ይብል የሆዋ፡ ‘ንምድሪ ከለዳውያን ድማ ንሓዋሩ ባድም ክገብራ እየ።+ 13 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኸኣ ኵሉ እቲ ኣንጻራ እተዛረብክዎ፡ ኵሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኤርምያስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ እተነበዮ ቓላተይ ከምጽእ እየ። 14 ንዓታቶምሲ ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን+ ባሮት ኪገብርዎም እዮም፣+ ከም ተግባራቶምን ከም ግብሪ ኣእዳዎምን ከኣ ክፈድዮም እየ።’”+

15 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ በለኒ፦ “ነዛ ጽዋእ ወይኒ ነድሪ ኻብ ኢደይ ውሰድ፣ ንዅሎም እቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብ ድማ ኣስትዮም። 16 ንሳቶም ከኣ ኪሰትዩን ሰንከልከል ኪብሉን ብሰሪ እቲ ኣነ ኣብ መንጎኦም ዝሰድዶ ሰይፊ ዓበድበድ ኪብሉን እዮም።”+

17 ስለዚ፡ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድ የሆዋ ወሲደ፡ ንዅሎም እቶም የሆዋ ናባታቶም ዝለኣኸኒ ኣህዛብ ኣስተኽዎም፣+ 18 ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ምእንቲ ኺዓንዋን መሰክሕን መፋጸይን መራገምን+ ምእንቲ ኪዀናን፡ ብየሩሳሌምን ብኸተማታት ይሁዳን፡+ ብነገስታታን ብመሳፍንታን ጀመርኩ፣ 19 ድሕሪኡ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንገላዉኡን ንመሳፍንቱን ንዅሎም ህዝቡን+ 20 ንዅሎም እቶም ምሳታቶም ዚነብሩ ሕውስዋስ ህዝብን፡ ንዅሎም ነገስታት ዑጽ፡ ንዅሎም ነገስታት ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን+ ኣሽቀሎንን+ ጋዛን ዔቅሮንን ተረፍ ኣሽዶድን፡ 21 ንኤዶምን+ ንሞኣብን+ ንዓሞናውያንን፡+ 22 ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ንዅሎም ነገስታት ሲዶንን+ ንዅሎም ነገስታት ደሴት ባሕርን፡ 23 ንዴዳንን+ ንቴማን ንቡዝን ንዅሎም እቶም ጸጕሪ ጕንዲ እዝኖም ዚቘርጹን፡+ 24 ንዅሎም ነገስታት ኣዕራብን+ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ ሕውስዋስ ህዝብን፡ 25 ንዅሎም ነገስታት ዚምሪን ንዅሎም ነገስታት ዔላምን+ ንዅሎም ነገስታት ሜዶንን፡+ 26 ንዅሎም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜን በብሓደን ንዅለን ኣብ ገጽ ምድሪ ዘለዋ ኻልኦት መንግስትታት ምድርን ኣስተኽዎም፣ ንጉስ ሼሻኽ*+ ድማ ድሕሪኦም ኪሰቲ እዩ።

27 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰድዶ ሰይፊ ኸይትትንስኡስ፡+ ስተዩ፡ ስኸሩ፡ ትፍኡ፡ ውደቑ” ይብል ኣሎ።’ 28 ነታ ጽዋእ ንምስታይ ካብ ኢድካ ምውሳድ እንተ ኣብዮም ድማ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ክትሰትይዋ ኢኹም! 29 እንሆ፡ ፈለማ ኣብታ ስመይ ዚጽውዓላ+ ኸተማ መዓት ካብ ኣምጻእኩስ፡ ከይተቐጻዕኩምዶ ኽትተርፉ ኢኹም፧”’+

“‘ኣንጻር ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ሰይፊ እጽውዕ ኣለኹ እሞ፡ ከይተቐጻዕኩም ኣይክትተርፉን ኢኹም’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

30 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ኸኣ ክትንበየሎምን ከምዚ ኽትብሎምን ኢኻ፦

‘የሆዋ ኻብ ላዕሊ ኺጓዝም፡

ካብቲ ቕዱስ ማሕደሩ ድማ ድምጹ ኼስምዕ እዩ።

ኣንጻር እታ መንበሪቱ ዓው ኢሉ ኺጓዝም እዩ።

ከምቶም ንመጽመቝ ወይኒ ዚረግጽዎ ኸኣ ኪጭድር፡

ኣንጻር ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ብዓወት ኪዝምር እዩ።’

31 ‘የሆዋ ምስ ኣህዛብ ነገር ኣለዎ እሞ፡

ክሳብ ወሰናት ምድሪ ጫውጫውታ ኺስማዕ እዩ።

ንዅሉ ሰብ* ባዕሉ ኺፈርዶ እዩ።+

ንእኩያት ድማ ንሰይፊ ኺምጥዎም እዩ’ ይብል የሆዋ።

32 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦

‘እንሆ፡ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ የስፋሕፍሕ ኣሎ፣+

ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺፍኖ እዩ።+

33 “‘እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ብየሆዋ እተቐትሉ ድማ፡ ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኪዀኑ እዮም። ኣይኪሕዘነሎምን እዩ፣ ኣይኪእከቡን ወይ ኣይኪቕበሩን እውን እዮም። ኣብ ገጽ ምድሪ ኸም ድዅዒ ኪዀኑ እዮም።’

34 ኣቱም ጓሶት፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣእውዩ!

ኣቱም ዓበይቲ እተን መጓሰ፡

ግዜ ምሕራድኩምን ፋሕ ምባልኩምን መጺኡ እዩ፡

ከም ክቡር ኣቕሓ ድማ ክትወድቁ ኢኹም እሞ፡ ኣንገርግሩ!

35 እቶም ጓሶት ዚሃድሙሉ ቦታ የብሎምን፣

እቶም ዓበይቲ መጓሰ ኸኣ ኣይኬምልጡን እዮም።

36 ስምዑ! የሆዋ ንመጓሰዪኦም የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡

ኣውያት ጓሶትን

ዋይዋይታ ዓበይቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ።

37 ብሰሪ ነዳዲ ቝጥዓ የሆዋ ድማ፡

እቲ ሰላማዊ መንበሪታት፡ ህይወት ኣልቦ ዀይኑ ኣሎ።

38 ከም ሽደን ኣንበሳ ኻብ ሰፈሩ ወጺኡ እዩ፣+

ብሰሪ ጨካን ሰይፍን

ብሰሪ ነዳዲ ቝጥዓኡንሲ

ምድሮም መሰክሒ ዀይና ኣላ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ