ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • እቲ ህዝቢ ተግሳጽ የሆዋ ምቕባል ኣበየ (1-13)

      • ኪጠፍኡ፡ ግናኸ ጠሪሶም ኣይኪጸንቱን እዮም (14-19)

      • የሆዋ ነቲ ህዝቢ ተሓታቲ ኺገብሮ እዩ (20-31)

ኤርምያስ 5:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:29፣ ሚክ 7:2

ኤርምያስ 5:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:1

ኤርምያስ 5:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣይደኸሙን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:9
  • +2ዜና 28:20-22፣ ኤር 2:30
  • +ዘካ 7:11
  • +መዝ 50:17፣ ኢሳ 42:24, 25፣ ህዝ 3:7፣ ጸፎ 3:2

ኤርምያስ 5:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ማእሰር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 3:1

ኤርምያስ 5:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 9:6፣ ኢሳ 59:12፣ ህዝ 23:19

ኤርምያስ 5:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 23:6, 7፣ ኤር 2:11፣ 12:16፣ ጸፎ 1:4, 5

ኤርምያስ 5:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:11

ኤርምያስ 5:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይዶ ሕነ ኣይትፈድን እያ፧”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:25፣ ኤር 9:9፣ 44:22፣ ናሆ 1:2

ኤርምያስ 5:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:44፣ ኤር 46:28

ኤርምያስ 5:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:8፣ ኤር 3:20፣ ሆሴ 5:7፣ 6:7

ኤርምያስ 5:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሱ የሎን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 28:15
  • +ኤር 23:17

ኤርምያስ 5:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ቃል ኣምላኽ።

ኤርምያስ 5:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:9
  • +ኤር 23:29

ኤርምያስ 5:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:15፣ 4:16፣ 25:9፣ ህዝ 7:24፣ ኣን 1:6
  • +ዘዳ 28:49, 50

ኤርምያስ 5:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:16

ኤርምያስ 5:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:27

ኤርምያስ 5:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:27፣ 28:48፣ 29:24, 25፣ 2ዜና 7:21, 22

ኤርምያስ 5:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:22
  • +ኢሳ 59:10
  • +ኢሳ 6:9፣ ህዝ 12:2፣ ማቴ 13:13

ኤርምያስ 5:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 38:8, 11፣ መዝ 33:7፣ ምሳ 8:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2004፡ ገጽ 8

ኤርምያስ 5:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 95:10፣ ኤር 11:8

ኤርምያስ 5:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 11:14

ኤርምያስ 5:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:23, 24፣ ኤር 3:3

ኤርምያስ 5:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 8:5፣ ሚክ 6:11, 12

ኤርምያስ 5:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:23
  • +መዝ 82:2

ኤርምያስ 5:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይዶ ሕነ ኣይትፈድን እያ፧”

ኤርምያስ 5:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:14፣ ድጕ 2:14፣ ህዝ 13:6
  • +ኢሳ 30:10፣ ዮሃ 3:19

ሓፈሻዊ

ኤር. 5:1ህዝ 22:29፣ ሚክ 7:2
ኤር. 5:2ኢሳ 48:1
ኤር. 5:32ዜና 16:9
ኤር. 5:32ዜና 28:20-22፣ ኤር 2:30
ኤር. 5:3ዘካ 7:11
ኤር. 5:3መዝ 50:17፣ ኢሳ 42:24, 25፣ ህዝ 3:7፣ ጸፎ 3:2
ኤር. 5:5ሚክ 3:1
ኤር. 5:6እዝ 9:6፣ ኢሳ 59:12፣ ህዝ 23:19
ኤር. 5:7እያ 23:6, 7፣ ኤር 2:11፣ 12:16፣ ጸፎ 1:4, 5
ኤር. 5:8ህዝ 22:11
ኤር. 5:9ዘሌ 26:25፣ ኤር 9:9፣ 44:22፣ ናሆ 1:2
ኤር. 5:10ዘሌ 26:44፣ ኤር 46:28
ኤር. 5:11ኢሳ 48:8፣ ኤር 3:20፣ ሆሴ 5:7፣ 6:7
ኤር. 5:122ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 28:15
ኤር. 5:12ኤር 23:17
ኤር. 5:14ኤር 1:9
ኤር. 5:14ኤር 23:29
ኤር. 5:15ኤር 1:15፣ 4:16፣ 25:9፣ ህዝ 7:24፣ ኣን 1:6
ኤር. 5:15ዘዳ 28:49, 50
ኤር. 5:17ዘሌ 26:16
ኤር. 5:18ኤር 4:27
ኤር. 5:19ዘዳ 4:27፣ 28:48፣ 29:24, 25፣ 2ዜና 7:21, 22
ኤር. 5:21ኤር 4:22
ኤር. 5:21ኢሳ 59:10
ኤር. 5:21ኢሳ 6:9፣ ህዝ 12:2፣ ማቴ 13:13
ኤር. 5:22እዮ 38:8, 11፣ መዝ 33:7፣ ምሳ 8:29
ኤር. 5:23መዝ 95:10፣ ኤር 11:8
ኤር. 5:24ዘዳ 11:14
ኤር. 5:25ዘዳ 28:23, 24፣ ኤር 3:3
ኤር. 5:27ኣሞ 8:5፣ ሚክ 6:11, 12
ኤር. 5:28ኢሳ 1:23
ኤር. 5:28መዝ 82:2
ኤር. 5:31ኤር 14:14፣ ድጕ 2:14፣ ህዝ 13:6
ኤር. 5:31ኢሳ 30:10፣ ዮሃ 3:19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 5:1-31

ኤርምያስ

5 ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ዙሩ።

ርኣዩን ኣስተብህሉን።

ፍትሒ ዚገብር፡

እሙን ኪኸውን ድማ ዚደሊ እንተ ረኸብኩምሲ፡+

ኣብ ኣደባባያታ ድለዩ፣

ኣነ እውን ይቕረ ኽብለላ እየ።

 2 “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!” እኳ እንተ በሉ፡

ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ።+

 3 ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ንተኣማንነት ደይኰናን ዚደልያ፧+

ንስኻ ወቒዕካዮም፣ ግናኸ ኣየሕመሞምን።*

ኣጽኒትካዮም፣ ተግሳጽ ምቕባል ግና ኣብዮም።+

ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገይሮም፣+

ምምላስ እውን ኣብዮም።+

 4 ኣነ ግና ንርእሰይ፡ “ብርግጽ እዚኣቶም ትሑታት እዮም።

መገዲ የሆዋ፡ ፍርዲ ኣምላኾም

ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ዓሽዮም።

 5 ናብ ምርኡያት ከይደ ምሳታቶም ክዛረብ እየ፣

ንሳቶምሲ መገዲ የሆዋ፡ ፍርዲ ኣምላኾም

ዚፈልጡ እዮም።+

ግናኸ፡ ንሳቶም ኵላቶም ኣርዑት ሰይሮም፣

ቀይዲ* እውን በቲኾም” በልኩ።

 6 ስለዚ፡ ኣንበሳ ዱር የጥቅዖም፡

ተዅላ ጐልጐል ምድረ በዳ ኸኣ የጥፍኦም ኣሎ፣

ነብሪ ድማ ኣብ ከተማታቶም ነቒሑ ይቃጾ ኣሎ።

ካብአን ዝወጸ ዘበለ ኸኣ ይሰላላዕ ኣሎ።

ከመይሲ፡ ኣበሳኦም ብዙሕ እዩ፣

ጥልመቶም ድማ ማእለያ ዘይብሉ እዩ።+

 7 ከመይ ኢለ ነዚ ይቕረ ኽብለልኪ፧

ደቅኺ ሓዲጎምኒ ኣለዉ፣

ኣምላኽ ብዘይኰነ ኸኣ ይምሕሉ ኣለዉ።+

ዜድልዮም ዘበለ ኣጽጊበዮም፣

ንሳቶም ግና ዘምዮም፣

ናብ ቤት ኣመንዝራ እውን ውሒዞም።

 8 ኪሰርሩ ኸም ዚደልዩ ዝረሰኑ ኣፍራስ እዮም፣

ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ኻልእ ይሕምሕሙ።+

 9 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ።

“ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧”*+

10 “ናብ ዛላታት ኣታኽልቲ ወይና ደዪብኩም ኣጥፍኡ፣

ጠሪስኩም ግና ኣይተጽንቱ።+

ነቶም ዜስፋሕፍሑ ጨናፍራ ኣርሕቕዎም፣

ንሳቶምሲ ናይ የሆዋ ኣይኰኑን።

11 ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳንሲ

ፈጺሞም ጠሊሞምኒ እዮም” ይብል የሆዋ።+

12 “ንየሆዋ ኽሒዶምዎ ኣለዉ፣

‘ሓንቲ እኳ ኣይኪገብርን እዩ።*+

መዓት ኣይኪመጸናን እዩ፣

ሰይፊ ወይ ጥሜት ኣይክንርእን ኢና’ ድማ ይብሉ ኣለዉ።+

13 ነብያትሲ ንፋስ ጥራይ ዝመልኡ እዮም፣

ቃል* ከኣ ኣባታቶም የሎን።

እዚ ደኣ ይብጽሓዮም!”

14 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከምዚ ይብል፦

“እዞም ሰባት እዚኦም እዚ ስለ እተዛረቡ፡

ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ሓዊ እገብር ኣለኹ፣+

እዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዕንጨይቲ እዩ፣

ኪበልዖም ከኣ እዩ።”+

15 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ አምጽኣልኩም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ።

“ናይ ቀደም ህዝቢ እዩ።

ናይ ጥንቲ ህዝቢ እዩ።

ቋንቋኡ ዘይትፈልጦ፡

ዘረባኡ ድማ ዘይትርድኦ ህዝቢ እዩ።+

16 ጕልድባኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፣

ኵላቶም ጀጋኑ እዮም።

17 ንሳቶም ንእኽልኻን ንእንጌራኻን ኪበልዕዎ እዮም።+

ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ኪበልዕዎም እዮም።

ንጤለ በጊዕካን ንኸብትኻን ኪበልዕወን እዮም።

ንኣታኽልቲ ወይንኻን ንኣእዋም በለስካን ኪበልዕዎ እዮም።

ነተን እትእመነን እተዓርዳ ኸተማታትካ ብሰይፊ ኼጥፍእወን እዮም።”

18 “በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡” ይብል የሆዋ፡ “ጠሪሰ ኣይከጽንተኩምን እየ።+ 19 ‘ስለምንታይ እዩ የሆዋ ኣምላኽና እዚ ዅሉ ዝገበረና፧’ ኢሎም ምስ ሓተቱ፡ ‘ከምቲ ኣብ ምድርኹም ጓና ኣምላኽ ከተገልግሉ ኢልኩም ዝሓደግኩምኒ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይምድርኹም ንጓኖት ከተገልግሉ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”+

20 ኣብ ቤት ያእቆብ እዚ ንገሩ፣

ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ ኢልኩም ኣውጁ፦

21 “ኣታ ልቢ ዘይብሉ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፦+

ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣+

ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን።+

22 ‘ኣይትፈርሁንን ዲኹም፧’ ይብል የሆዋ፣

‘ኣብ ቅድመይሲ ራዕራዕ ኣይትብሉን ዲኹም፧

ብሑጻ ገይረ ንባሕሪ ዶብ ዝገበርኩሉ፡

ከይሓልፍ ድማ ነባሪ ስርዓት ዝገበርኩሉ ኣነ እየ።

ማዕበላቱ እኳ እንተ ተናወጸ፡ ኣይስዕርን፣

ዋላ እኳ እንተ ሃመመ፡ ኣይሰግሮን።+

23 እዚ ህዝቢ እዚ ግና ነቓጽን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፣

ኣልጊሶም ብመገዶም ከይዶም እዮም።+

24 ብልቦም ከኣ ከምዚ ኣይብሉን፦

“ነቲ ብግዜኡ ዝናም፡

ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ዚህብ፡

ነቲ ምዱብ ሰሙናት ቀውዒ ዚሕልወልና+

የሆዋ ኣምላኽና ንፍርሃዮ።”

25 ስሕተትኩም ነዚ ነገራት እዚ ኸይመጽእ ከልኪልዎ፣

ሓጢኣትኩም ከኣ ጽቡቕ ዘበለ ኸሊእኩም።+

26 ኣብ መንጎ ህዝበይሲ እኩያት ኣለዉ።

ከምቲ ኣፈንጠርቲ ዑፍ ዜድብዩ፡ ይጸናተዉ ኣለዉ።

ቀታሊ መጻወድያ የጻውዱ።

ሰብ ከኣ ይሕዙ።

27 ከምታ ብኣዕዋፍ ዝመልአት እንዳ ዑፍ፡

ከምኡ ድማ ኣባይቶም ብምትላል ዝመልአ እዩ።+

ስለዚ እዮም ሓያላትን ሃብታማትን ዝዀኑ።

28 ስቡሓትን ልሙጻትን ኰይኖም ኣለዉ፣

ብኽፉእ ጀርቢቦም ኣለዉ።

ኣሳልጦ ምእንቲ ኺረኽቡስ፡

ንጕዳይ ዘኽታም ኣይማጐቱሉን እዮም፣+

ንድኻታት እውን ፍትሒ ይኸልእዎም።’”+

29 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ።

“ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧*

30 ኣብታ ምድሪ ጉድን ዜስካሕክሕን ኰይኑ፦

31 ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፣+

ካህናት ከኣ ብስልጣኖም ይገዝኡ።

ህዝበይ ድማ ነቲ መገዲ እቲ ፈትይዎ ኣሎ።+

መወዳእታ ምስ መጸ ግዳ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ