ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 46
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዚቐርብ መስዋእቲ (1-15)

      • እቲ ሹም ዜውርሶ ርስቲ (16-18)

      • መስዋእቲ ዜብስሉሉ ቦታታት (19-24)

ህዝቅኤል 46:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:32
  • +ዘጸ 20:9
  • +ህዝ 44:1, 2

ህዝቅኤል 46:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 44:3

ህዝቅኤል 46:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 81:3፣ ኢሳ 66:23

ህዝቅኤል 46:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 28:9, 10፣ ህዝ 45:17

ህዝቅኤል 46:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 46:11

ህዝቅኤል 46:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 28:11-15

ህዝቅኤል 46:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 46:2

ህዝቅኤል 46:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:14፣ ዘዳ 16:16
  • +ህዝ 40:20
  • +ህዝ 40:24

ህዝቅኤል 46:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 15-16

ህዝቅኤል 46:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 45:21, 24፣ 46:6, 7

ህዝቅኤል 46:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:3
  • +ህዝ 45:17
  • +ህዝ 46:1, 2

ህዝቅኤል 46:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:38፣ ዘሁ 28:3, 5

ህዝቅኤል 46:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:10

ህዝቅኤል 46:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቕዱስ ክፍልታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 42:1
  • +ህዝ 42:9

ህዝቅኤል 46:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ህዝቢ ኸይቅድስዎንሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 44:19
  • +ዘሌ 2:4, 5

ህዝቅኤል 46:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ኣርባዕቲኡን ኣተሃናንጻ መኣዝኑን ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ።”

ህዝቅኤል 46:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መስርዕ።”

ህዝቅኤል 46:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 35:13

ሓፈሻዊ

ህዝ. 46:1ህዝ 40:32
ህዝ. 46:1ዘጸ 20:9
ህዝ. 46:1ህዝ 44:1, 2
ህዝ. 46:2ህዝ 44:3
ህዝ. 46:3መዝ 81:3፣ ኢሳ 66:23
ህዝ. 46:4ዘሁ 28:9, 10፣ ህዝ 45:17
ህዝ. 46:5ህዝ 46:11
ህዝ. 46:6ዘሁ 28:11-15
ህዝ. 46:8ህዝ 46:2
ህዝ. 46:9ዘጸ 23:14፣ ዘዳ 16:16
ህዝ. 46:9ህዝ 40:20
ህዝ. 46:9ህዝ 40:24
ህዝ. 46:11ህዝ 45:21, 24፣ 46:6, 7
ህዝ. 46:12ዘሌ 1:3
ህዝ. 46:12ህዝ 45:17
ህዝ. 46:12ህዝ 46:1, 2
ህዝ. 46:13ዘጸ 29:38፣ ዘሁ 28:3, 5
ህዝ. 46:17ዘሌ 25:10
ህዝ. 46:19ህዝ 42:1
ህዝ. 46:19ህዝ 42:9
ህዝ. 46:20ህዝ 44:19
ህዝ. 46:20ዘሌ 2:4, 5
ህዝ. 46:242ዜና 35:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 46:1-24

ህዝቅኤል

46 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣፍ ደገ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ+ ዕጹው ይኹን፣+ ብመዓልቲ ሰንበትን ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሕን ግና ይከፈት። 2 እቲ ሹም ከኣ ብመገዲ እቲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኺኣቱ፡+ ኣብ ጥቓ ልዳት እቲ ኣፍ ደገ እውን ደው ኪብል እዩ። እቶም ካህናት ድማ ነቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሕብረቱን ኬቕርብዎ እዮም፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ኺሰግድ፡ ድሕሪኡ እውን ኪወጽእ እዩ። እቲ ኣፍ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይተዓጾ። 3 ህዝቢ እታ ምድሪ እውን፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሰግዱ እዮም።+

4 “‘እቲ ሹም ብመዓልቲ ሰንበት ንየሆዋ ዜቕርቦ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ፡ ሽዱሽተ ጥዑያት ገንሸላትን* ሓደ ጥዑይ ድዑልን ይኹን።+ 5 እቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓደ ኤፋ፡* ነቶም ገንሸላት ድማ ከምቲ ኺህቦ ዚኽእል፡ ምስኡ እውን መምስ ሓደ ኤፋ ሓደ ሂን* ዘይቲ ኪኸውን እዩ።+ 6 ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ፡ እቲ መስዋእቲ ኻብ ከብቲ ሓደ ጥዑይ ዝራብዕን ጥዑያት ሽዱሽተ ገንሸላትን ሓደ ድዑልን ይኹን።+ 7 መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ድማ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንሸላት ከኣ ከም ዓቕሙ የቕርብ። መምስ ሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ የቕርብ።

8 “‘እቲ ሹም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብመገዲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ይእቶ፣ በቲ መገዲ እቲ እውን ይውጻእ።+ 9 ህዝቢ እታ ምድሪ ብግዜ በዓላት ናብ ቅድሚ የሆዋ ምስ ኣተዉ፡+ እቶም ኬምልኹ ብሰሜናዊ ኣፍ ደገ ዝኣተዉ፡+ ብደቡባዊ ኣፍ ደገ ይውጽኡ፣+ እቶም ብደቡባዊ ኣፍ ደገ ዝኣተዉ ድማ፡ ብሰሜናዊ ኣፍ ደገ ይውጽኡ። በቲ ኣብ መንጽሮም ዘሎ ኣፍ ደገ ደኣ ይውጽኡ እምበር፡ ሓደ እኳ ብመገዲ እታ ዝኣተወላ ኣፍ ደገ ኣይመለስ። 10 እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሹም ከኣ፡ ንሳቶም ኪኣትዉ ኸለዉ ይእቶ፣ ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ ይውጻእ። 11 ብበዓላትን ብቕነ በዓላትን እቲ መስዋእቲ እኽሊ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንሸላት ድማ ከምቲ ኺህቦ ዚኽእል፡ መምስ ኤፋ እውን ሓደ ሂን ዘይቲ ይኹን።+

12 “‘እቲ ሹም ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ መስዋእቲ ሕብረት እንተ ኣቕሪቡ፡ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ኣፍ ደገ ኪኽፈተሉ እዩ፣ ንሱ ድማ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቱን መስዋእቲ ሕብረቱን ከምቲ ናይ መዓልቲ ሰንበት ገይሩ ኬቕርብ እዩ።+ ምስ ወጸ፡ እቲ ኣፍ ደገ ብድሕሪኡ ይተዓጾ።+

13 “‘ንየሆዋ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ጥዑይ ገንሸል ኣቕርብ።+ ነዚ ንግሆ ንግሆ ግበሮ። 14 ምስኡ ድማ፡ ንየሆዋ ስሩዕ መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ ኸም መስዋእቲ እኽሊ፡ ኣብቲ ድኹም ሓርጭ ኪንጸግ እውን ሲሶ ሂን ዘይቲ ኣቕርብ። እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 15 ገንሸልን መስዋእቲ እኽልን ዘይትን ከኣ ንግሆ ንግሆ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም ብስሩዕ የቕርቡ።’

16 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቲ ሹም ንደቁ ንነፍሲ ወከፎም ርስቲ ገይሩ ህያብ እንተ ሂቡ፡ ርስቲ ደቁ ኪኸውን እዩ። ዝወረስዎ ርስቶም እዩ። 17 ግናኸ፡ ንሓደ ኻብ ገላዉኡ ኻብ ርስቱ ህያብ እንተ ሂቡ ግና፡ ክሳዕ ዓመት ሓርነት ናቱ ኪኸውን እዩ፣+ ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ሹም ኪምለስ እዩ። እቲ ርስቲ ደቁ ጥራይ እዩ ንሓዋሩ ናታቶም ዚኸውን። 18 እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይስጐጕሲ፡ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ይሃቦም።’”

19 ሽዑ፡ በቲ ናብ ሰሜን ገጹ+ ዘበለ ኣብ ጥቓ እቲ ናብቲ ቕዱስ መመገቢ ኽፍልታት* ካህናት ዚመርሕ ኣፍ ደገ ዘሎ መእተዊ+ ኣምጽኣኒ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ናብ ምዕራብ ዜብል ድሕሪት፡ ሓደ ቦታ ረኣኹ። 20 ንሱ ድማ፡ “እቶም ካህናት ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ዋላ ሓንቲ ኸየውጽኡን ቅድስና ነቲ ህዝቢ ኸየመሓላልፉሉንሲ፡*+ መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ሓጢኣትን ዜብስሉሉ፡ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ዚስንክቱሉ ቦታ እዚ እዩ” በለኒ።

21 ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣምጽኣኒ፡ በቲ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣጸድ እውን ኣሕለፈኒ፣ ኣብ ኵሉ መኣዝን እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ከኣ ሓሓደ ኣጸድ ረኣኹ። 22 ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣጸድ፡ 40 እመት* ዝንውሓቱን 30 እመት ዝግፍሑን ንኣሽቱ ኣጸዳት ነበረ። ኣርባዕቲኡ ድማ ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ።* 23 ኣብ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ሕድጋት ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕድጋት* እውን መብሰሊ መስዋእቲ ኪኸውን እተሰርሐ ቦታ ነበረ። 24 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣገልገልቲ እታ ቤተ መቕደስ፡ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ዜብስሉሉ ኣባይቲ እዚ እዩ” በለኒ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ