ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 48
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ምምቕቓል እታ ምድሪ (1-29)

      • ዓሰርተው ክልተ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ (30-35)

        • እታ ኸተማ፡

ህዝቅኤል 48:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:40
  • +ዘሁ 34:2, 8
  • +ህዝ 47:15-17

ህዝቅኤል 48:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:24

ህዝቅኤል 48:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:32

ህዝቅኤል 48:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:29

ህዝቅኤል 48:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 17:17, 18

ህዝቅኤል 48:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:7

ህዝቅኤል 48:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:1፣ 19:9

ህዝቅኤል 48:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 45:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 220

ህዝቅኤል 48:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:2፣ ህዝ 45:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 220፡ 225

ህዝቅኤል 48:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:46፣ 44:15
  • +ኤር 23:11፣ ህዝ 22:26

ህዝቅኤል 48:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 45:6
  • +ህዝ 48:35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 219-221

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 11

    1/3/1999፡ ገጽ 18፡ 22-23

ህዝቅኤል 48:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 45:1

ህዝቅኤል 48:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 45:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 222

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 18

ህዝቅኤል 48:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 220

ህዝቅኤል 48:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 45:7

ህዝቅኤል 48:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 48:8

ህዝቅኤል 48:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:11

ህዝቅኤል 48:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:1

ህዝቅኤል 48:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:17

ህዝቅኤል 48:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:10
  • +ዘፍ 49:13

ህዝቅኤል 48:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:7

ህዝቅኤል 48:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ርባ ግብጺ።

  • *

    ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 47:19
  • +ዘሁ 20:13
  • +ዘፍ 15:18

ህዝቅኤል 48:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 34:2
  • +ህዝ 47:13

ህዝቅኤል 48:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 48:16

ህዝቅኤል 48:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 18

ህዝቅኤል 48:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:17፣ ዮኤ 3:21፣ ዘካ 2:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 125

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 221-222

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 11

    1/3/1999፡ ገጽ 23

ሓፈሻዊ

ህዝ. 48:1እያ 19:40
ህዝ. 48:1ዘሁ 34:2, 8
ህዝ. 48:1ህዝ 47:15-17
ህዝ. 48:2እያ 19:24
ህዝ. 48:3እያ 19:32
ህዝ. 48:4እያ 13:29
ህዝ. 48:5እያ 17:17, 18
ህዝ. 48:6እያ 18:7
ህዝ. 48:7እያ 15:1፣ 19:9
ህዝ. 48:8ህዝ 45:1
ህዝ. 48:10ዘሁ 35:2፣ ህዝ 45:3, 4
ህዝ. 48:11ህዝ 40:46፣ 44:15
ህዝ. 48:11ኤር 23:11፣ ህዝ 22:26
ህዝ. 48:15ህዝ 45:6
ህዝ. 48:15ህዝ 48:35
ህዝ. 48:18ህዝ 45:1
ህዝ. 48:19ህዝ 45:6
ህዝ. 48:21ህዝ 45:7
ህዝ. 48:22ህዝ 48:8
ህዝ. 48:23እያ 18:11
ህዝ. 48:24እያ 19:1
ህዝ. 48:25እያ 19:17
ህዝ. 48:26እያ 19:10
ህዝ. 48:26ዘፍ 49:13
ህዝ. 48:27እያ 18:7
ህዝ. 48:28ህዝ 47:19
ህዝ. 48:28ዘሁ 20:13
ህዝ. 48:28ዘፍ 15:18
ህዝ. 48:29ዘሁ 34:2
ህዝ. 48:29ህዝ 47:13
ህዝ. 48:30ህዝ 48:16
ህዝ. 48:35ኤር 3:17፣ ዮኤ 3:21፣ ዘካ 2:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 48:1-35

ህዝቅኤል

48 “ካብ ሰሜናዊ ወሰን ጀሚሩ ስማት እቶም ነገዳት እዚ እዩ፦ ግደ ዳን+ ብመገዲ ሔትሎን ናብ ለቦ-ሓማት፡*+ ናብ ሓጻር-ዔናን ይበጽሕ፣ በቲ ብሰሜን ዘሎ ዶብ ደማስቆን ብጥቓ ሓማትን+ ኣቢሉ እውን ይሓልፍ፣ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ከኣ ናብ ምዕራባዊ ዶብ ይዝርጋሕ። 2 ግደ ኣሴር+ ድማ ኣብ ዶብ ዳን፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 3 ግደ ንፍታሌም+ ከኣ ኣብ ዶብ ኣሴር፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 4 ግደ ምናሴ+ ድማ ኣብ ዶብ ንፍታሌም፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 5 ግደ ኤፍሬም ከኣ ኣብ ዶብ ምናሴ፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 6 ግደ ሮቤል ድማ ኣብ ዶብ ኤፍሬም፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 7 ግደ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ዶብ ሮቤል፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 8 ኣብ ዶብ ይሁዳ ኻብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ፡ እታ እትፈልይዋ መባእ ግፍሓ 25,000 እመት፡*+ ንውሓታ ድማ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ ምስ ግደታት ካልኦት ነገዳት ማዕረ ይኹን። እታ መቕደስ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ።

9 “እታ ንየሆዋ እትፈልይዋ መባእ፡ 25,000 እመት ዝንውሓታን 10,000 ዝግፍሓን ክትከውን እያ። 10 እዚኣ ንኻህናት ቅድስቲ መባእ ትኹን።+ ብሸነኽ ሰሜን 25,000 እመት፡ ብምዕራብ 10,000፡ ብምብራቕ 10,000፡ ብደቡብ 25,000 ክትከውን እያ። እታ መቕደስ የሆዋ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ። 11 ነቶም ንዓይ ዘለዎም ሓላፍነት እተሰከሙ፡ እስራኤላውያንን ሌዋውያንን ኪዅብልሉ ኸለዉ እውን ዘይኰብለሉ ኻብ ደቂ ጻዶቅ+ እተቐደሱ ኻህናት ክትከውን እያ።+ 12 ካብታ ኣብ ዶብ ሌዋውያን ቅድስተ ቕዱሳን ኰይና እተፈልየት መባእ እታ ምድሪ ግደ ኺህልዎም እዩ።

13 “ኣብ ወሰን እታ ሃገር ካህናት ድማ፡ እቶም ሌዋውያን 25,000 እመት ዝንውሓቱን 10,000 ዝግፍሑን ግደ ኺህልዎም እዩ። (ብዘሎ እቲ ንውሓት 25,000፡ ግፍሑ ኸኣ 10,000 እዩ።) 14 ንየሆዋ እተቐደሰት እያ እሞ፡ ካብዛ ሕርይቲ ግደ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣይሽጡ፡ ኣይለውጡ፡ ወይ ኣየመሓላልፉ።

15 “እታ ኣብ ጐድኒ እቲ 25,000 ዝእመቱ ዶብ ዘላ 5,000 እመት ዝግፍሓ ዝተረፈት ቦታ ንሓባራዊ ጥቕሚ እታ ኸተማ፡+ ንኣባይትን ንመጓሰይን ክትከውን እያ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ።+ 16 ልክዕ እታ ኸተማ እዚ እዩ፦ እቲ ሰሜናዊ ዶብ 4,500 እመት፡ እቲ ደቡባዊ ዶብ 4,500፡ እቲ ምብራቓዊ ዶብ 4,500፡ እቲ ምዕራባዊ ዶብ እውን 4,500 እዩ። 17 መጓሰዪ እታ ኸተማ 250 እመት ናብ ሰሜን፡ 250 ናብ ደቡብ፡ 250 ናብ ምብራቕ፡ 250 እውን ናብ ምዕራብ ኪኸውን እዩ።

18 “ንውሓት እቲ ዝተረፈ ግደ ምስታ ቕድስቲ መባእ ማዕረ እዩ፣+ 10,000 እመት ናብ ምብራቕ፡ 10,000 ናብ ምዕራብ ኪኸውን እዩ። ምስታ ቕድስቲ መባእ ማዕረ እዩ፣ ፍርያቱ ኸኣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዜገልግሉ ምግቢ ኪዀኖም እዩ። 19 እቶም ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ኣብታ ኸተማ ዜገልግሉ ድማ ኪሓርስዋ እዮም።+

20 “ብዘላ እታ መባእ 25,000 ትርብዒት እመት እያ። ምስ ርስቲ እታ ኸተማ፡ ቅድስቲ መባእ ጌርኩም ፍለይዋ።

21 “እቲ ኻብታ ቕድስቲ መባእን ካብ ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዝተረፈ፡ ናይቲ ሹም ኪኸውን እዩ።+ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ምብራቕን ኣብ ምዕራብን እታ መባእ ዘሎ 25,000 ዝእመቱ ዶባት ኪኸውን እዩ። ምስቲ ምስኡ ዝለገበ ግደ ማዕረ ኪኸውን እዩ፣ ነቲ ሹም ድማ ኪኸውን እዩ። እታ ቕድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤተ መቕደስን ከኣ ኣብ ማእከሉ ኪዀና እየን።

22 “ርስቲ እቶም ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ መንጎ እቲ ናይቲ ሹም ኪኸውን እዩ። ሃገር እቲ ሹም ከኣ ኣብ መንጎ ዶብ ይሁዳን+ ዶብ ብንያምን ኪኸውን እዩ።

23 “ነቶም ዝተረፉ ነገዳት ድማ፡ ግደ ብንያም ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ።+ 24 ግደ ስምኦን ከኣ ኣብ ዶብ ብንያም፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 25 ግደ ይሳኮር+ ድማ ኣብ ዶብ ስምኦን፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 26 ግደ ዛብሎን ከኣ ኣብ ዶብ ይሳኮር፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ።+ 27 ግደ ጋድ ድማ ኣብ ዶብ ዛብሎን፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 28 እቲ ኣብ ዶብ ጋድ ዘሎ ደቡባዊ ዶብ፡ ካብ ታማር+ ናብ ማያት መሪባ-ቃዴስ፡+ ናብቲ ርባን*+ ናብቲ ዓብዪ ባሕርን* ይበጽሕ።

29 “እታ ንነገዳት እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ፣+ እዚኣተን ድማ ግደታቶም ኪዀና እየን”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

30 “መውጽኢታት እታ ኸተማ ኸኣ እዚ እዩ፦ እቲ ሰሜናዊ ሸነኽ 4,500 እመት ኪልካዕ እዩ።+

31 “ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ብስም ነገዳት እስራኤል ኪስመ እዩ። ካብቲ ኣብ ሰሜን ዚህሉ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንሮቤል፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንይሁዳ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ድማ ንሌዊ እዩ።

32 “እቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ድማ 4,500 እመት ዝንውሓቱ ኪኸውን እዩ፣ ኣብኡ እውን ሰለስተ ኣፍ ደገታት ኪህሉ እዩ፦ ሓደ ኣፍ ደገ ንዮሴፍ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንብንያም፡ ሓደ ኣፍ ደገ ኸኣ ንዳን እዩ።

33 “እቲ ደቡባዊ ሸነኽ ድማ 4,500 እመት ኪልካዕ እዩ፣ ሰለስተ ኣፍ ደገ እውን ኪህልዎ እዩ፦ ሓደ ኣፍ ደገ ንስምኦን፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንይሳኮር፡ ሓደ ኣፍ ደገ ኸኣ ንዛብሎን እዩ።

34 “እቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ድማ 4,500 እመት ዝንውሓቱ ኪኸውን እዩ፣ ሰለስተ ኣፍ ደገ እውን ኪህልዎ እዩ፦ ሓደ ኣፍ ደገ ንጋድ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንኣሴር፡ ሓደ ኣፍ ደገ ኸኣ ንንፍታሌም እዩ።

35 “ዙርያኣ 18,000 እመት ኪኸውን እዩ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ስም እታ ኸተማ፡ የሆዋ ኣብኣ ኣሎ ኪኸውን እዩ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ