ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ዲና ተዓመጸት (1-12)

      • ደቂ ያእቆብ ተተናዀሉ (13-31)

ዘፍጥረት 34:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ኽትርኢ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:19, 21፣ 46:15
  • +ዘፍ 26:34, 35፣ 27:46

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2001፡ ገጽ 20-21

    1/2/1997፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 34:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:1፣ 1ዜና 1:13-15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ፡ ገጽ 123-124

    “ፍቕሪ ኣምላኽ፡” ገጽ 102-104

ዘፍጥረት 34:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነፍሱ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት።”

ዘፍጥረት 34:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 33:18, 19

ዘፍጥረት 34:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 13:4
  • +2ሳሙ 13:22

ዘፍጥረት 34:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጓልኩም ተጣቢቓ እያ።”

ዘፍጥረት 34:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:2, 3

ዘፍጥረት 34:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:53፣ ሆሴ 3:2

ዘፍጥረት 34:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕልቦ ንዘለዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:9, 12

ዘፍጥረት 34:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:10

ዘፍጥረት 34:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 33:18, 19
  • +ዘፍ 34:2

ዘፍጥረት 34:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 34:15

ዘፍጥረት 34:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 8:16

ዘፍጥረት 34:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 34:8, 9

ዘፍጥረት 34:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:11

ዘፍጥረት 34:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:15
  • +ዘፍ 49:5-7

ዘፍጥረት 34:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 34:2

ዘፍጥረት 34:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከም ዝግለል ጌርኩምኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 28

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 34:1ዘፍ 30:19, 21፣ 46:15
ዘፍ. 34:1ዘፍ 26:34, 35፣ 27:46
ዘፍ. 34:2ዘዳ 7:1፣ 1ዜና 1:13-15
ዘፍ. 34:4ዘፍ 33:18, 19
ዘፍ. 34:7እብ 13:4
ዘፍ. 34:72ሳሙ 13:22
ዘፍ. 34:9ዘፍ 24:2, 3
ዘፍ. 34:12ዘፍ 24:53፣ ሆሴ 3:2
ዘፍ. 34:14ዘፍ 17:9, 12
ዘፍ. 34:15ዘፍ 17:10
ዘፍ. 34:18ዘፍ 33:18, 19
ዘፍ. 34:18ዘፍ 34:2
ዘፍ. 34:19ዘፍ 34:15
ዘፍ. 34:20ዘካ 8:16
ዘፍ. 34:21ዘፍ 34:8, 9
ዘፍ. 34:22ዘፍ 17:11
ዘፍ. 34:25ዘፍ 46:15
ዘፍ. 34:25ዘፍ 49:5-7
ዘፍ. 34:27ዘፍ 34:2
ዘፍ. 34:30ዘፍ 49:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 34:1-31

ዘፍጥረት

34 እታ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ፡+ ምስ ኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ግዜ ንምሕላፍ* ትወጽእ ነበረት።+ 2 ሴኬም ወዲ ሓሞር እቲ ሒዋዊ፡+ ሹም እታ ምድሪ እቲኣ፡ ምስ ረኣያ፡ ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ። 3 ንሱ ኸኣ ንዲና ጓል ያእቆብ ኣዝዩ ፈተዋ፣* ምስታ ጓል ድማ ፍቕሪ ሓዞ፡ ንልባ ብዜእምን እውን ተዛረባ። 4 ሴኬም ከኣ ንኣቦኡ ሓሞር፡+ “ነዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትኰነኒ ኣምጽኣለይ” በሎ።

5 ያእቆብ ድማ ንሱ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፡ ደቁ ምስ መጓሰኡ ኣብ መሮር ነበሩ። ስለዚ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚምለሱ፡ ስቕ በለ። 6 ጸኒሑ፡ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ምስ ያእቆብ ኪዛረብ ከደ። 7 ደቂ ያእቆብ ከኣ ብዛዕባኡ ሰሚዖም፡ ብኡብኡ ኻብ መሮር ተመልሱ። ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ፡ ኣብ እስራኤል ኪግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፡+ ጐሃዩን ኣዝዮም ተቘጥዑን።+

8 ሓሞር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ወደይ ሴኬም ንጓልኩም ኣዝዩ ይምነያ እዩ።* በጃኹም ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃብዎ፣ 9 ምሳና ኸኣ ተዋሰቡ። ኣዋልድኩም ሃቡና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣዋልድና ውሰዱ።+ 10 ምሳና ድማ ክትቅመጡ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ። ኣብኣ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ስፈርዋን።” 11 ሴኬም ከኣ ንኣቦኣን ንኣሕዋታን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሞገስ እርከብ እምበር፡ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ እየ። 12 ኣዝዩ ብዙሕ ገዝምን ህያብን ክትእዝዙኒ ትኽእሉ ኢኹም።+ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ ፍቓደኛ እየ። ሓንትስ ነታ ጓል ደኣ ሰበይቲ ኽትኰነኒ ሃቡኒ” በሎም።

13 ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሱ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘርከሳ፡ ንሴኬምን ንኣቦኡ ሓሞርን ብተንኰል ተዛረብዎም። 14 ከምዚ ድማ በልዎም፦ “ሓብትና ንዘይተገዝረ* ሰብኣይ ክንህብ፡ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና።+ 15 ኵሉ ተባዕታይኩም ብምግዛር ከማና እንተ ዄንኩም፡ በዚ ጥራይ ኢና ሕራይ እንብለኩም።+ 16 ሽዑ፡ ኣዋልድና ንህበኩም፡ ንዓና ኸኣ ኣዋልድኩም ንወስድ፣ ምሳኻትኩም ድማ ንቕመጥ፡ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን። 17 ክትግዘሩ እንተ ዘይሰሚዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።”

18 ዘረባኦም ከኣ ንሓሞርን+ ንሴኬም ወዲ ሓሞርን+ ባህ ኣበሎም። 19 እቲ ጐበዝ ድማ ብጓል ያእቆብ ደስ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ዝበልዎ ንምግባር ኣይደንጐየን፣+ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ።

20 ሓሞርን ወዱ ሴኬምን ድማ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዶም፡ ንሰብ እታ ኸተማኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦+ 21 “እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ብሰላም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። እዛ ምድሪ እዚኣ ንዓታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንዓና ኣንስቲ ኪዀናና ኽንወስድ፡ ኣዋልድና እውን ንዓታቶም ክንህቦም ንኽእል ኢና።+ 22 እዞም ሰባት እዚኦም ግና ምሳና ኪቕመጡን ሓደ ህዝቢ ኪዀኑን ሕራይ ዚብሉና፡ በዚ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ፦ ከምቲ ንሳቶም ግዙራት ዝዀኑ፡ ኵሉ ተባዕታይና ይገዘር።+ 23 ሽዑ፡ ጥሪቶምን ሃብቶምን ማሎምን ናትና ደይኰነን ዚኸውን፧ ስለዚ፡ ምሳና ምእንቲ ኪቕመጡ፡ ንሕና እውን ሕራይ ንበሎም።” 24 ኵሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝወጹ፡ ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም፣ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝወጹ ዘበሉ ዅሎም ተባዕትዮ ድማ ተገዝሩ።

25 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘዉ ኸለዉ ግና፡ ክልተ ደቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌዊን፡ ኣሕዋት ዲና፡+ ሰሰይፎም ወሲዶም፡ ናብታ ኸተማ ብድንገት ከይዶም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ።+ 26 ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ድማ ብሰይፊ ቐቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ወሲዶምዋ ኸዱ። 27 ካልኦት ደቂ ያእቆብ ከኣ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም፡ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ፡+ ነታ ኸተማ ዘመትዋ። 28 ጤለ በጊዕን ከብትን ኣእዱግን ኣብታ ኸተማ ዀነ ኣብ መሮር ዝነበረ ዘበለን ወሰዱ። 29 ኵሉ ጥሪቶም ወሰዱ፡ ንዅሎም ቈልዑኦምን ኣንስቶምን ማረኹ፡ ኣብ ኣባይቲ እተረኽበ ዘበለ ዅሉ ድማ ዘመቱ።

30 ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌዊን፡+ “ኣብ መንጎ እዞም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን፡ ሕማቕ ጨና ስለ ዝገበርኩምኒ፡ ብዙሕ ጭንቂ ኣምጺእኩምለይ።* ኣነ ብቝጽሪ ሒደት እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብርግጽ ተኣኪቦም ኬጥቅዑኒ እዮም፣ ኣነን ቤተይን ከኣ ክንጠፍእ ኢና” በሎም። 31 ንሳቶም ድማ፡ “ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፧” በሉ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ