ኦብድያ
1 ራእይ ኦብድያ፦*
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል፦+
“ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዕና ኣለና፣
ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ፦
ኣረይቲ ወይኒ እንተ ዚመጽኡኻኸ፡
ገለ ቐሪምዶ ኣይምሓደጉን፧+
6 ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ኰን እዩ ተናድዩ!
እቲ ሕቡእ መዛግብቱ እውን ክንደይ ኰን እዩ ተደልዩ!
7 ናብ ዶብ ሰጒጎምኻ።
ኵሎም እቶም ኪዳን ዝኣተዉልካ፡ ኣታሊሎምኻ።
እቶም ምሳኻ ሰላም ዝገበሩ፡ ስዒሮምኻ።
እቶም ምሳኻ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኣብ ትሕቴኻ መርበብ ኪገብሩ እዮም፣
ንስኻ ግና ኣይከተስተውዕሎን ኢኻ።
11 በታ ተኣሊኻ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡
በታ መጻእተኛታት ንሰራዊቱ ናብ ምርኮ ዝወሰዱላ፡+
ጓኖት ከኣ ብኣፍ ደጊኡ ኣትዮም ንየሩሳሌም ዕጫ ዘውደቑላ መዓልቲ፡+
ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ።
12 በታ መዓልቲ ሽግሩ፡ ብመዓልቲ ሓውካ ኽትድሰት፡+
በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብህዝቢ ይሁዳ ኽትሕጐስ፡+
በታ መዓልቲ ጭንቆም ከኣ፡ ብትዕቢት ክትዛረብሲ ግቡእ ኣይኰነን።
13 በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብኣፍ ደገ ህዝበይ ክትኣቱ፡+
በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ፡ ብመዓቱ ኽትድሰት፡
በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ ድማ፡ ኢድካ ናብ ሃብቱ ኽትዝርግሕሲ ግቡእ ኣይኰነን።+
15 መዓልቲ የሆዋስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ።+
ከምቲ ዝገበርካዮ ኽትግበር ኢኻ።+
ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስ እዩ።
16 ከምቲ ኣብ ቕዱስ ከረነይ ዝሰተኹምዎ፡
ኵሎም ኣህዛብ ወትሩ ኺሰትዩ እዮም።+
ኪሰትዩን ኪጭልጡን፡
ከም ዘይነበሩ ድማ ኪዀኑ እዮም።
18 ቤት ያእቆብ ድማ ሓዊ፡
ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፡
ቤት ኤሳው እውን ሓሰር ኪዀኑ እዮም፣
የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡
ኬባርዕዎምን ኪበልዕዎምን እዮም፣
ካብ ቤት ኤሳው ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።+
መሮር ኤፍሬምን መሮር ሰማርያን ኪርስተዩ እዮም፣+
ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ።
እቶም ኣብ ሰፋራድ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌም ከኣ ከተማታት ነጌብ ኪርስተዩ እዮም።+