ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ተዛረበ (1-10)

      • ጐይታ ንጳውሎስ ኣበርትዖ (11)

      • ንጳውሎስ ንምቕታል እተኣልመ ውዲት (12-22)

      • ጳውሎስ ናብ ቂሳርያ ተመሓላለፈ (23-35)

ግብሪ ሃዋርያት 23:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 24:15, 16፣ 2ቈረ 1:12፣ እብ 13:18፣ 1ጴጥ 3:16

ግብሪ ሃዋርያት 23:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 186-187

ግብሪ ሃዋርያት 23:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 187

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2002፡ ገጽ 5

ግብሪ ሃዋርያት 23:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 26:4, 5፣ ፊል 3:4, 5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 187-188

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2005፡ ገጽ 31

ግብሪ ሃዋርያት 23:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:1, 2

ግብሪ ሃዋርያት 23:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 22:6, 7, 17, 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 188

ግብሪ ሃዋርያት 23:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 27:23, 24፣ 28:23, 30, 31
  • +ግብ 18:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 189-191

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2020፡ ገጽ 13

ግብሪ ሃዋርያት 23:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 191

ግብሪ ሃዋርያት 23:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    1/2019፡ ገጽ 3

ግብሪ ሃዋርያት 23:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 23:15

ግብሪ ሃዋርያት 23:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 23:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 190-191

ግብሪ ሃዋርያት 23:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰዓት 9:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 191

ግብሪ ሃዋርያት 23:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2001፡ ገጽ 22

ግብሪ ሃዋርያት 23:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:37፣ 22:25
  • +ግብ 21:31-33

ግብሪ ሃዋርያት 23:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 22:30

ግብሪ ሃዋርያት 23:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 25:19

ግብሪ ሃዋርያት 23:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 23:16

ግብሪ ሃዋርያት 23:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 23:23, 24

ግብሪ ሃዋርያት 23:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:39፣ 22:3

ግብሪ ሃዋርያት 23:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 24:1

ሓፈሻዊ

ግብ. 23:1ግብ 24:15, 16፣ 2ቈረ 1:12፣ እብ 13:18፣ 1ጴጥ 3:16
ግብ. 23:5ዘጸ 22:28
ግብ. 23:6ግብ 26:4, 5፣ ፊል 3:4, 5
ግብ. 23:8ግብ 4:1, 2
ግብ. 23:9ግብ 22:6, 7, 17, 18
ግብ. 23:11ግብ 27:23, 24፣ 28:23, 30, 31
ግብ. 23:11ግብ 18:9
ግብ. 23:20ግብ 23:15
ግብ. 23:21ግብ 23:12
ግብ. 23:27ግብ 16:37፣ 22:25
ግብ. 23:27ግብ 21:31-33
ግብ. 23:28ግብ 22:30
ግብ. 23:29ግብ 25:19
ግብ. 23:30ግብ 23:16
ግብ. 23:31ግብ 23:23, 24
ግብ. 23:34ግብ 21:39፣ 22:3
ግብ. 23:35ግብ 24:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 23:1-35

ግብሪ ሃዋርያት

23 ጳውሎስ ነቲ ዋዕላ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍጹም ጽሩይ ሕልና እየ ተመላሊሰ” በለ።+ 2 ሽዑ፡ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ኣፉ ኺወቕዕዎ ኣዘዞም። 3 ጳውሎስ ከኣ ንዕኡ፡ “ኣታ ብኖራ እተለቕለቐ መንደቕ፡ ኣምላኽ ኪወቕዓካ እዩ። ከም ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኸለኻስ፡ ሕጊ ጥሒስካዶ ኺወቕዑኒ ትእዝዝ ኣለኻ፧” በሎ። 4 እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ድማ፡ “ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣለኻ፧” በልዎ። 5 ጳውሎስ ከኣ፡ “ኣሕዋተይ፡ ‘ንሓለቓ ህዝብኻ ኣይትጽረፍ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን” በለ።+

6 ጳውሎስ ድማ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፡ ገሊኣቶም ከኣ ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ+ ወዲ ፈሪሳውያን እየ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምዉታት እፍረድ ኣለኹ” በለ። 7 እዚ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ፍልልይ ኰነ፣ እቲ ኣኼባ እውን ተኸፍለ። 8 ከመይሲ፡ ሰዱቃውያን፡ ‘ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ ወይ መንፈስ የልቦን’ ይብሉ ነበሩ፣ ፈሪሳውያን ግና እዚ ዅሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩ።+ 9 ብዙሕ ታዕታዕ ድማ ኰነ፣ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝዀኑ ገለ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን፣ መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡—” እናበሉ ኣበርቲዖም ተኻትዑ።+ 10 ብዙሕ ፍልልይ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንጳውሎስ ከይሰላልዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ወተሃደራት ወሪዶም ካብ ማእከሎም ኪምንዝዕዎን ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬምጽእዎን ኣዘዘ።

11 በታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ኣጸቢቕካ ዝመስከርካ፡ ኣብ ሮሜ+ እውን ከምኡ ኽትምስክር ኣሎካ እሞ፡ ኣጆኻ!”+ በሎ።

12 መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ። 13 እቶም ነዚ ኺገብሩ እተመሓሓሉ ድማ፡ ካብ 40 ይበዝሑ ነበሩ። 14 ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ናብ ዓበይትን ከይዶም ከኣ፡ “ንሕና ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ፡ ገለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተመሓሒልና ኣለና። 15 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም መሲልኩም፡ ንዕኡ ናባኻትኩም ኬውርዶ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ። ቅድሚ ምቕራቡ ግና፡ ክንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም።

16 ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ግና፡ ነቲ ዝሓሰብዎ ድብያ ሰምዐ፣ ከይዱ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ወተሃደራት ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። 17 ጳውሎስ ድማ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ “እዚ ጐበዝ እዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ውሰዶ” በሎ። 18 ንሱ ኸኣ ሒዙ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ወሰዶ እሞ፡ “ጳውሎስ እቲ እሱር ጸዊዑስ፡ እዚ ጐበዝ እዚ ዚነግረካ ነገር ስለ ዘለዎ፡ ናባኻ ከቕርቦ ለሚኑኒ” በሎ። 19 እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ እሞ፡ ንበይኑ ኣልጊሱ፡ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 20 ንሱ ኸኣ፡ “ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቖም ኪፈልጡ ኸም ዝደለዩ መሲሎም፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኸተውርደሎም ኪልምኑኻ ተሰማሚዖም ኣለዉ።+ 21 ካባታቶም ካብ 40 ዚበዝሑ ሰብኡት ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸኣ ከይበልዑን ከይሰትዩን ብመርገም ተመሓሒሎም ኣለዉ እሞ፡+ ንስኻ ሕራይ ኣይትበሎም፣ ሕጂ ኸኣ ተዳልዮም፡ ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ” በሎ። 22 እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ነቲ ጐበዝ፡ “እዚ ነገር እዚ ንዓይ ከም ዘፍለጥካኒ፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዚዙ ሰደዶ።

23 ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ጸዊዑ ኸኣ፡ “ክሳብ ቂሳርያ ኪኸዱ፡ 200 ወተሃደራትን 70 ፈረሰኛታትን 200 ሰብ ኲናትን ለይቲ ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት* ኣዳልዉ። 24 ንጳውሎስ ምእንቲ ኸተወጥሕዎ ድማ ኣፍራስ ተማልኡ፡ ብደሓኑ እውን ናብ ፌሊክስ እቲ ሹም ኣብጽሕዎ” በሎም። 25 ከምዚ እትብል ደብዳበ ኸኣ ጸሓፈ፦

26 “ቅላውዴዎስ ሊስያስ ናብቲ ኽቡር ፌሊክስ እቲ ሹም፦ ሰላም። 27 ኣይሁድ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሒዞም ኪቐትልዎ ኢሎም ነይሮም፣ ኣነ ግና ሮማዊ+ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ምስ ወተሃደራተይ ቀልጢፈ መጺአ ኣናጊፈዮ።+ 28 እቲ ዝኸስሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም+ ኣውሪደዮ። 29 ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እየ ረኺበ እምበር፡+ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ ኽሲ እኳ ኣይረኸብኩሉን። 30 ነዚ ሰብኣይ እዚ ውዲት ከም ዝኣለሙሉ ስለ ዝሰማዕኩ ግና፡+ ብቕልጡፍ ናባኻ እሰድዶ ኣለኹ፣ ነቶም ከሰስቱ እውን ኣብ ቅድሜኻ ኪኸስስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ።”

31 እቶም ወተሃደራት ድማ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ+ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ። 32 ንጽብሒቱ፡ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ኪኸዱ ሓደግዎም፣ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ። 33 እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ሹም ሃብዎ፣ ንጳውሎስ እውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረብዎ። 34 ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ኣውራጃ ምዃኑ ሓተቶ እሞ፡ ብዓል ቂልቅያ+ ምዃኑ ፈለጠ። 35 “ከሰስትኻ ምስ መጹ፡ ሽዑ ኣጸቢቐ ኽሰምዓካ እየ” ኸኣ በሎ።+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ ኣእትዮም ኪሕልውዎ ድማ ኣዘዘ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ