ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ያእቆብ ምስ ራሄል ተራኸበ (1-14)

      • ያእቆብ ንራሄል ኣፍቀራ (15-20)

      • ያእቆብ ንልያን ንራሄልን ተመርዓወን (21-29)

      • ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶም ኣርባዕተ ኣወዳት፦ ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ (30-35)

ዘፍጥረት 29:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:42, 43፣ ግብ 7:2

ዘፍጥረት 29:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:29
  • +ዘፍ 24:24፣ 31:53

ዘፍጥረት 29:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:19፣ ሩት 4:11

ዘፍጥረት 29:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሓው።”

ዘፍጥረት 29:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:29

ዘፍጥረት 29:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 29:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሓወይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:5
  • +ዘፍ 30:27, 28፣ 31:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 29:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 4:11

ዘፍጥረት 29:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:41

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 29:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:26፣ ሆሴ 12:12

ዘፍጥረት 29:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 8

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 8-9

ዘፍጥረት 29:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:1, 2፣ 30:9፣ 46:18

ዘፍጥረት 29:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:7, 42

ዘፍጥረት 29:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:41

ዘፍጥረት 29:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:1, 3፣ 35:22

ዘፍጥረት 29:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:12

ዘፍጥረት 29:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተጸልአት።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸና ኸፈተላ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:15፣ ሩት 4:11
  • +ዘፍ 30:22

ዘፍጥረት 29:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ርአ፡ ወዲ!”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:20፣ 1ሳሙ 1:5, 6፣ ሉቃ 1:24, 25
  • +ዘፍ 35:22፣ 37:22፣ 49:3, 4፣ ዘጸ 6:14፣ 1ዜና 5:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 9

ዘፍጥረት 29:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ምስማዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 34:25፣ 49:5፣ 1ዜና 4:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 9

ዘፍጥረት 29:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ምልጋብ፣ ሓበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 34:25፣ 49:5፣ ዘጸ 6:16፣ ዘሁ 3:12፣ 1ዜና 6:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 9

ዘፍጥረት 29:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “እተወደሰ፣ ዚውደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:23፣ 37:26፣ 44:18፣ 49:8፣ 1ዜና 2:3፣ ራእ 5:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 9

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 29:4ዘፍ 27:42, 43፣ ግብ 7:2
ዘፍ. 29:5ዘፍ 24:29
ዘፍ. 29:5ዘፍ 24:24፣ 31:53
ዘፍ. 29:6ዘፍ 46:19፣ ሩት 4:11
ዘፍ. 29:13ዘፍ 24:29
ዘፍ. 29:15ዘፍ 28:5
ዘፍ. 29:15ዘፍ 30:27, 28፣ 31:7
ዘፍ. 29:16ሩት 4:11
ዘፍ. 29:18ዘፍ 31:41
ዘፍ. 29:20ዘፍ 30:26፣ ሆሴ 12:12
ዘፍ. 29:24ዘፍ 16:1, 2፣ 30:9፣ 46:18
ዘፍ. 29:25ዘፍ 31:7, 42
ዘፍ. 29:27ዘፍ 31:41
ዘፍ. 29:29ዘፍ 30:1, 3፣ 35:22
ዘፍ. 29:30ሆሴ 12:12
ዘፍ. 29:31ዘፍ 46:15፣ ሩት 4:11
ዘፍ. 29:31ዘፍ 30:22
ዘፍ. 29:32ዘፍ 30:20፣ 1ሳሙ 1:5, 6፣ ሉቃ 1:24, 25
ዘፍ. 29:32ዘፍ 35:22፣ 37:22፣ 49:3, 4፣ ዘጸ 6:14፣ 1ዜና 5:1
ዘፍ. 29:33ዘፍ 34:25፣ 49:5፣ 1ዜና 4:24
ዘፍ. 29:34ዘፍ 34:25፣ 49:5፣ ዘጸ 6:16፣ ዘሁ 3:12፣ 1ዜና 6:1
ዘፍ. 29:35ዘፍ 35:23፣ 37:26፣ 44:18፣ 49:8፣ 1ዜና 2:3፣ ራእ 5:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 29:1-35

ዘፍጥረት

29 ድሕሪኡ፡ ያእቆብ ጕዕዞኡ ቐጸለ፡ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ድማ ከደ። 2 ኣብ መሮር ከኣ ዒላ ረኣየ፣ ካብቲ ዒላ ድማ ነተን መጓሰ የስትዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ኸኣ ዓብዪ እምኒ ነበረ። 3 ኵለን እተን መጓሰ ናብኡ ምስ ተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኣንከባሊሎም፡ ነተን መጓሰ የስትይወን ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ እምኒ ናብ ቦታኡ፡ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ ይመልስዎ ነበሩ።

4 ያእቆብ ከኣ፡ “ኣሕዋተየ፡ ካበይ ኢኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ካብ ካራን ኢና” በልዎ።+ 5 ንሱ ኸኣ፡ “ንላባን+ ወዲ ወዱ ንናሆርዶ+ ትፈልጥዎ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “እወ ንፈልጦ” በሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ደሓንዶ ኣሎ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ደሓን ኣሎ። ራሄል+ ጓሉ እውን እንሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ” ኢሎም መለሱሉ። 7 ንሱ ኸኣ፡ “ገና ፍርቂ መዓልቲ እዩ። መጓሰ ዚእከባላ ግዜ ኣይኰነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ፡ ኬድኩም ኣብልዕወን” በሎም። 8 ንሳቶም ድማ፡ “ኵለን መጓሰ ኸይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ኸይገልበጥዎ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይፍቀደልናን እዩ። ሽዑ፡ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን” በሉ።

9 ገና ምሳታቶም ኪዛራረብ ከሎ፡ ራሄል ጓሳ ስለ ዝነበረት፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት። 10 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ንኣባጊዕ ላባንን ምስ ረኣየ፡ ያእቆብ ብኡብኡ ቐሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኣንከባለሎ፡ ንኣባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን። 11 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዓማ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ እውን በኸየ። 12 ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ* ኣቦኣን ወዲ ርብቃን ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ንኣቦኣ ነገረቶ።

13 ላባን+ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዐ፡ ኪቕበሎ ጐየየ። ሓቚፉ ድማ ሰዓሞ፡ ናብ ቤቱ እውን ኣእተዎ። ንሱ ኸኣ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ንላባን ነገሮ። 14 ላባን ድማ፡ “ብሓቂ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ስለዚ፡ ምስኡ ምሉእ ወርሒ ተቐመጠ።

15 ድሕርዚ፡ ላባን ንያእቆብ፡ “ዘመደይ*+ ስለ ዝዀንካዶ ብኸንቱ ኽትግዝኣኒ ኢኻ፧ ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ።+ 16 ላባን ከኣ ክልተ ኣዋልድ ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ራሄል ነበረ።+ 17 ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፣ ራሄል ግና ውቅብትን መልክዐኛን ነበረት። 18 ያእቆብ ድማ ንራሄል ኣፍቀራ እሞ፡ “ምእንቲ ራሄል እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሸውዓተ ዓመት ክግዝኣካ ፍቓደኛ እየ” በሎ።+ 19 ላባን ከኣ፡ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንዓኻ ኽህባ ይሕሸኒ። ምሳይ ተቐመጥ” በሎ። 20 ያእቆብ ድማ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ፣+ ብምኽንያት እቲ ንዓኣ ዝነበሮ ፍቕሪ ግና፡ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሒደት መዓልትታት ኰይነን ተራእያኦ።

21 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንላባን፡ “መዓልትታተይ ስለ ዝኣኸላ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሃበኒ” በሎ። 22 ሽዑ፡ ላባን ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ድግስ ገበረ። 23 ምስ መሰየ ግና፡ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣምጽኣ፣ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ። 24 ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ዚልጳ ገረዱ ሃባ።+ 25 ምስ ነግሀ ኸኣ፡ ያእቆብ፡ ልያ ምዃና ረኣየ። ስለዚ፡ ንላባን፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ፧” በሎ።+ 26 ላባን ድማ፡ “ኣብ ዓድና ንእሽቶ ቕድሚ በዅሪ ምሃብ፡ ባህልና ኣይኰነን። 27 ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸን። ድሕሪኡ፡ ስለቲ ኸም ብሓድሽ ንሸውዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እዛ ኻልእ ክትውሃበካ እያ” በሎ።+ 28 ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፣ ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸነ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንሱ፡ ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 29 ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ቢልሃ ገረዱ ሃባ።+

30 ያእቆብ ከኣ ናብ ራሄል ኣተወ፣ ንራሄል ድማ ሓለፋ ልያ ኣፍቀራ፣ ምስኡ ዀይኑ ኸኣ ካልእ ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ።+ 31 የሆዋ ድማ ልያ ኸም ዘይተፈቕረት* ምስ ረኣየ፡ ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ፣*+ ራሄል ግና መኻን ነበረት።+ 32 ልያ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “የሆዋ መከራይ ስለ ዝረኣየ እዩ፣+ ሕጅስ ሰብኣየይ ኬፍቅረኒ እዩ” ኢላ ኸኣ ስሙ ሮቤል* ኣውጽኣትሉ።+ 33 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “የሆዋ ኸም ዘይተፈቐርኩ ስለ ዝሰምዐ እዩ ነዚ እውን ዝሃበኒ” ኢላ ስሙ ስምኦን* ኣውጽኣትሉ።+ 34 ከም ብሓድሽ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሰለስተ ኣወዳት ስለ ዝወለድኩሉ፡ ሕጂ ሰብኣየይ ናባይ ኪለግብ እዩ” በለት። ስለዚ፡ ስሙ ሌዊ* ተባህለ።+ 35 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሕጅስ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ” ኢላ ስሙ ይሁዳ* ኣውጽኣትሉ።+ ድሕርዚ፡ ምውላድ ኣቋረጸት።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ