ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 44
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ጽዋእ ብሩር ዮሴፍ ኣብ ከረጺት ብንያም (1-17)

      • ይሁዳ ምእንቲ ብንያም ለመነ (18-34)

ዘፍጥረት 44:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:25

ዘፍጥረት 44:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2006፡ ገጽ 31

    15/1/2004፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 44:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:12

ዘፍጥረት 44:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 44:2

ዘፍጥረት 44:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:8፣ 44:32
  • +ዘፍ 37:7, 9

ዘፍጥረት 44:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 44:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2006፡ ገጽ 31

ዘፍጥረት 44:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:18, 28፣ 42:21, 22

ዘፍጥረት 44:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 44:9

ዘፍጥረት 44:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:44፣ 45:8

ዘፍጥረት 44:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:13፣ 43:7
  • +ዘፍ 37:31-34
  • +ዘፍ 35:18, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2015፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 44:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:15፣ 43:29

ዘፍጥረት 44:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:38

ዘፍጥረት 44:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:20

ዘፍጥረት 44:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:2

ዘፍጥረት 44:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:5

ዘፍጥረት 44:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:18፣ 30:22-24፣ 35:18, 19፣ 46:19

ዘፍጥረት 44:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:33

ዘፍጥረት 44:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 16:10፣ መክ 9:10፣ ሆሴ 13:14፣ ግብ 2:27፣ ራእ 20:13
  • +ዘፍ 37:34, 35፣ 42:38፣ መዝ 88:3

ዘፍጥረት 44:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሱ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ዘፍጥረት 44:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ዘፍጥረት 44:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:9

ዘፍጥረት 44:34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2015፡ ገጽ 14-15

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 44:1ዘፍ 42:25
ዘፍ. 44:8ዘፍ 43:12
ዘፍ. 44:12ዘፍ 44:2
ዘፍ. 44:14ዘፍ 43:8፣ 44:32
ዘፍ. 44:14ዘፍ 37:7, 9
ዘፍ. 44:15ዘፍ 44:5
ዘፍ. 44:16ዘፍ 37:18, 28፣ 42:21, 22
ዘፍ. 44:17ዘፍ 44:9
ዘፍ. 44:18ዘፍ 41:44፣ 45:8
ዘፍ. 44:20ዘፍ 42:13፣ 43:7
ዘፍ. 44:20ዘፍ 37:31-34
ዘፍ. 44:20ዘፍ 35:18, 19
ዘፍ. 44:21ዘፍ 42:15፣ 43:29
ዘፍ. 44:22ዘፍ 42:38
ዘፍ. 44:23ዘፍ 42:20
ዘፍ. 44:25ዘፍ 43:2
ዘፍ. 44:26ዘፍ 43:5
ዘፍ. 44:27ዘፍ 29:18፣ 30:22-24፣ 35:18, 19፣ 46:19
ዘፍ. 44:28ዘፍ 37:33
ዘፍ. 44:29መዝ 16:10፣ መክ 9:10፣ ሆሴ 13:14፣ ግብ 2:27፣ ራእ 20:13
ዘፍ. 44:29ዘፍ 37:34, 35፣ 42:38፣ መዝ 88:3
ዘፍ. 44:32ዘፍ 43:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 44:1-34

ዘፍጥረት

44 ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ንኸረጺታት እዞም ሰባት እዚኦም ኪወስድዎ ዚኽእሉ ዘበለ ምግቢ ምልኣዮ፣ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ከከረጺቱ ኣንብር።+ 2 ነታ ጽዋአይ፡ ነታ ጽዋእ ብሩር ድማ፡ ኣብ ኣፍ ከረጺት እቲ ሕሳስ ልደ ምስቲ ንእኽሉ እተባህለ ገንዘብ ግበራ።” ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ።

3 ንግሆ ምስ በርሀ፡ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ሰደድዎም። 4 ካብታ ኸተማ ወጺኦም ገና ኸይረሓቑ፡ ዮሴፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ፡ ከምዚ በሎ፦ “ተንስእ! ደድሕሪ እቶም ሰባት ስዒብካ ኣርክቦም እሞ፡ ‘ስለምንታይ ንጽቡቕ ብኽፉእ እትፈድዩ፧ 5 እታ ጐይታይ ዚሰትየላን ብእኣ ፋል ዚፈልጠላንሲ እዚኣ ደይኰነትን፧ ክፉእ ኢኹም ጌርኩም’ በሎም።”

6 ንሱ ኸኣ ኣርከቦም፡ ነዚ ዘረባ እዚ ድማ ተዛረቦም። 7 ንሳቶም ግና፡ “ስለምንታይ ጐይታይ ከምኡ ኢሉ ይዛረብ፧ ገላዉኻ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኪገብሩስ ዘይሕሰብ እዩ። 8 እቲ ኣብ ኣፍ ከረጺታትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ ኻብ ምድሪ ከነኣን መሊስናልካ።+ ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ፧ 9 ካብ ባሮትካ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ዝተረፍና ኸኣ ባሮት ጐይታይ ንኹን” በልዎ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ከም ዝበልኩምዎ ይኹን፦ እቲ እተረኽበቶ ባርያይ ኪኸውን እዩ፣ ዝተረፍኩም ግና ንጹሃት ትዀኑ” በሎም። 11 ቀልጢፎም ድማ ነፍሲ ወከፎም ከከረጺቶም ናብ ምድሪ ኣውሪዶም ከፈቱ። 12 ንሱ ኸኣ ካብቲ ዓብዪ ጀሚሩ ኣብቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዚውድእ ኣጸቢቑ ጐርጐሮም። እታ ጽዋእ ድማ ኣብ ከረጺት ብንያም ተረኽበት።+

13 ሽዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣኣድጎም ጽዒኖም ድማ ናብታ ኸተማ ተመልሱ። 14 ይሁዳን+ ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ምስ ኣተዉ፡ ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 15 ዮሴፍ ከኣ፡ “እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግብሩ እዩ፧ ከማይ ዝበለ ሰብኣይሲ ፋል ከም ዚፈልጥ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧” በሎም።+ 16 ይሁዳ ድማ፡ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ እንታይሲ ኽንዛረብ ንኽእል፧ ከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕ ንኽእል፧ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስሕተት ባሮትካ ረኺቡ ኣሎ።+ እነና ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጐይታይ ኢና” በለ። 17 ንሱ ግና፡ “ከምዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብ፡ ንሱ ባርያይ ኪኸውን እዩ።+ ዝተረፍኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ” በሎም።

18 ሽዑ፡ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ ኸምዚ በለ፦ “ጐይታይ፡ እልምነካ ኣለኹ፡ በጃኻ ባርያኻ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ይዛረብ፣ ንስኻ ኸም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡+ ንባርያኻ ኣይትቈጥዓዮ። 19 ጐይታይ ንባሮቱ፡ ‘ኣቦ ወይ ሓው ኣሎኩምዶ፧’ ኢሉ ሓተቶም። 20 ንሕና ኸኣ ንጐይታይ፡ ‘ዝኣረገ ኣቦን ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ሕሳስ ልደን ኣለዉና።+ ሓዉ ግና ሞይቱ እዩ፣+ እዚ ኸኣ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ እዩ፣+ ኣቦኡ ድማ ይፈትዎ እዩ’ በልናዮ። 21 ድሕርዚ፡ ንስኻ ንባሮትካ፡ ‘ምእንቲ ኽርእዮስ ናባይ ኣውርድዎ’ በልካዮም።+ 22 ንሕና ግና ንጐይታይ፡ ‘እቲ ወዲ እቲ ኻብ ኣቦኡ ኺፍለ ኣይክእልን እዩ። ካብኡ እንተ ተፈልዩ፡ ኣቦኡ ብርግጽ ኪመውት እዩ’ በልናዮ።+ 23 ንስኻ ድማ ንባሮትካ፡ ‘እቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወሪዱ፡ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ በልካዮም።+

24 “ንሕና ኸኣ ናብ ባርያኻ ኣቦይ ደየብና፡ ዘረባ ጐይታይ ድማ ነገርናዮ። 25 ጸኒሑ፡ ኣቦና፡ ‘ተመሊስኩም ሒደት ምግቢ ዓድጉልና’ በለና።+ 26 ንሕና ግና፡ ‘ክንወርድ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሕሳስ ልደ ሓውና ምሳና እንተ ዘየልዩ፡ ገጽ እቲ ሰብኣይ እቲ ኽንርኢ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ እዚ ሕሳስ ልደ ሓውና ምሳና እንተ ኣልዩ፡ ክንወርድ ኢና’ በልናዮ።+ 27 ሽዑ፡ ባርያኻ ኣቦይ፡ ‘ሰበይተይ ክልተ ኣወዳት ጥራይ ከም ዝወለደትለይ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 28 እቲ ሓደ ድማ ካባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣ፡ “ብርግጽ ተበሊዑ ኪኸውን ኣለዎ” በልኩ፣+ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይረኣኽዎን። 29 ነዚ ኸኣ ካብ ቅድሚ ዓይነይ እንተ ወሲድኩምዎ እሞ፡ ድንገት እንተ ረኺብዎ፡ ብርግጽ ንሽበተይ ብመዓት ናብ መቓብር*+ ከተውርድዎ ኢኹም’ በለና።+

30 “ሕጂ ኸኣ ነቲ ወዲ ኸይተማላእና ናብ ባርያኻ ኣቦይ እንተ ተመሊሰ፡ ህይወቱ* ምስ ህይወት* እዚ ስለ እተኣስረት፡ 31 ሽዑ እዚ ወዲ እዚ ኸም ዘየሎ ርእይ ምስ ኣበለ፡ ኪመውት እዩ፣ ባሮትካ ድማ ንሽበት ባርያኻ ኣቦና ብጓሂ ናብ መቓብር* ኬውርድዎ እዮም። 32 ባርያኻ ነዚ ወዲ እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ፡ ‘ናባኻ እንተ ዘየምጺአዮ፡ ንሓዋሩ ኸም ዝበደልኩኻ እኸውን’ ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ።+ 33 ሕጂ በጃኻ፡ እዚ ወዲ እዚ ምስ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኺድይብ፡ ባርያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ እዚ፡ ባርያ ጐይታይ ኰይኑ ይጽናሕ። 34 እዚ ወዲ እዚ ምሳይ ከየሎ፡ ከመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል፧ እዚ መዓት እዚ ኣብ ኣቦይ ኪወርድ ከሎስ ክርኢ ኣይክእልን እየ!”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ