እዮብ
7 “ህይወት መዋቲ ሰብሲ ኣብ ምድሪ ኸም ግዴታዊ ሸቕሊ ደይኰነን፧
መዓልትታቱኸ ኸም መዓልትታት ዕሱብ ደይኰናን፧+
2 ከም ባርያ፡ ጽላል ይናፍቕ፡
ከም ዕሱብ ከኣ ዓስቡ ይጽበ።+
3 ኣነ ድማ ከምኡ ንኣዋርሕ ከንቱነት ተመዲበ፣
ለይትታት ጸበባ እውን ተቘጺረናለይ።+
4 በጥ ምስ በልኩ፡ ‘መዓስ እየ ዝትንስእ፧’ እብል።+
ለይቲ ምስ ነውሐ ድማ፡ ክሳዕ ወጋሕታ ብዘይ ዕረፍቲ እገላበጥ።
8 እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፣
ኣዒንትኻ ኺደልያኒ፡ ግናኸ ኣይክህሉን እየ።+
11 ስለዚ፡ ንኣፈይ ኣይክገትኦን እየ።
12 ሓላዊ እትገብረለይሲ፡
ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ እየ፧
13 ‘መገምሰስየይ ኬጸናንዓኒ፡
ዓራተይ ከኣ ጸበባይ ኬፍኵሰለይ እዩ’ ምስ ዝብል፡
14 ሽዑ ብሕልምታት ተሸብረኒ፡
ብራእያት ድማ ተፍርሃኒ፣
15 ኣነስ* እንተ ተሓነቕኩ እመርጽ፡
16 ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣+ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ።
መዓልትታተይ ከም ትንፋስ እየን እሞ፡ ሕደገኒ።+
18 ንግሆ ንግሆ እትምርምሮ፡
ኣብ ኵሉ ህሞት ድማ እትፍትኖ ስለምንታይ ኢኻ፧+
19 ካባይዶ ናብ ካልእ ኣይትጥምትን ኢኻ፧
ጥፍጣፈይ ክሳዕ ዝውሕጥዶ ኣይትሓድገንን ኢኻ፧+
20 ኣታ ተዓዛቢ ሰብ፡ እንተ ሓጢአስ፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝጐድኣካ፧+
ስለምንታይ ኢኻ ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧
ጾርዶ ዀይነካ እየ፧
21 ስለምንታይ ኢኻ ኣበሳይ ዘይትሓድገለይ፡
ስሕተተይ እውን ይቕረ ዘይትብለለይ፧
ኣነስ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ሓመድ በጥ ክብል እየ፣+
ክትደልየኒ ኢኻ፡ ግናኸ ኣይክህሉን እየ።”