እዮብ
20 ሶፋር+ እቲ ናዓማዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “እናወጽ ስለ ዘለኹ፡
ስለዚ እዩ ዚርብሽ ሓሳባተይ ክምልስ ዚድርኸኒ ዘሎ።
3 ዚጸርፈኒ መግናሕቲ ሰሚዐ ኣለኹ፣
ኣእምሮይ* ከኣ ክምልስ ይድርኸኒ ኣሎ።
6 ዕቤቱ ናብ ሰማይ እኳ እንተ ደየበ፡
ርእሱ ድማ ናብ ደበና እኳ እንተ በጽሐ፡
7 ከም ቀልቀሉ ንዘለኣለም ይጠፍእ፣
እቶም ዚርእይዎ ዝነበሩ፡ ‘ኣበይ ኣሎ፧’ ይብሉ።
8 ከም ሕልሚ ይበርር እሞ፡ ኣይረኽብዎን፣
ከም ራእይ ለይቲ እውን ይስጐጕ።
9 እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፣
ቦታኡ ኸኣ ደጊም ኣይጥምቶን።+
10 ደቁ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፣
ኣእዳዉ ድማ ንሃብቱ ይመልሶ።+
11 ኣዕጽምቱ ብንእስነት ዝመልአ እዩ፣
ግናኸ፡ ምስኡ* ኣብ ሓመድ በጥ ይብል።
12 ክፍኣት ኣብ ኣፉ እንተ መቂርዎ፡
ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሓቢእዎ፡
13 ኣብ ክንዲ ዚሓድጎ እንተ ኣስተማቒርዎ፡
ኣብ ኣፉ እውን እንተ ዓቚርዎ፡
14 ምግቡ ኣብ ከብዱ ይመጽጽ፡
ኣብ ውሽጡ ኸም ሕንዚ* መንደላይ ተመን ይኸውን።
15 ሃብቲ ይውሕጥ፡ ግናኸ ይተፍኦ፣
ኣምላኽ ንዕኡ ኻብ ከብዱ የውጽኦ።
16 ሕንዚ መንደላይ ተመን ይመጺ፣
መንደፍ* ኣፍዑት ይቐትሎ።
17 ወሓይዝ ማያት፡
ዚውሕዝ መዓርን ጠስምን ኣይርእን።
19 ከመይሲ፡ ንድኻታት ጨፍሊቑን ጠንጢኑን እዩ፣
ዘይሃነጾ ቤት ድማ መንዚዑ እዩ።
20 ግናኸ፡ ውሽጡ ሰላም ኣይስምዖን፣
ብሃብቱ ኸኣ ኣየምልጥን።
21 ዚውሕጦ ገለ እኳ ኣይተርፎን፣
ስለዚ እዩ ብልጽግናኡ ዘይጸንዕ።
22 ሃብቱ ምስ መልአ፡ ጭንቀት ይውሕጦ፣
ምሉእ ሓይሊ ሽግር ይመጾ።
24 ካብ ኣጽዋር ሓጺን ምስ ዚሃድም፡
ካብ ቀስቲ ነሓሲ፡ ፍላጻታት ይወግኦ።
26 ንመዛግብቱ ግብ ዝበለ ጸልማት ይጽበዮ፣
ሓደ እኳ ዘየንበድበዶ ሓዊ ይበልዖ፣
ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈ እውን መዓት ይጽበዮ።
27 ሰማይ ንስሕተቱ ይቐልዖ፣
ምድሪ ድማ ኣንጻሩ ትትንስእ።
28 ውሒዝ ንቤቱ ይወስዳ፣
በታ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ፡* ብርቱዕ ዝናም ይኸውን።
29 ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ግደ እኩይ፡
እቲ ኣምላኽ ዝኣወጀሉ ርስቲ እዚ እዩ።”