መዝሙር ምድያብ።
120 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡+
ንሱ እውን መሊሱለይ።+
 2 ኦ የሆዋ፡ ካብ ሓሰውቲ ኸናፍርን
ካብ መታለሊት ልሳንን ኣናግፈኒ።
 3 ኣቲ መታለሊት ልሳን፡+
ንሱስ ንዓኺ እንታይ ኪገብረኪ፡ ከመይ ገይሩኸ ኪቐጽዓኪ እዩ፧
 4 ብበላሕቲ ፍላጻታት+ ጅግናን
ብጓህሪ+ ዕንጨይቲ ሮተምን።
 5 ኣብ ሜሴክ+ ጓና ዀይነ እነብር ኣለኹ እሞ፡ ወይለይ!
ኣብ መንጎ ድንኳናት ቄዳር+ እቕመጥ ኣለኹ።
 6 ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡
እምብዛ ነዊሕ ግዜ እቕመጥ ኣለኹ።+
 7 ኣነ ሰላም እደሊ፣ ክዛረብ ከለኹ ግና፡
ንሳቶም ውግእ ይደልዩ።