መዝሙር ምድያብ።
121 ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን አልዕል ኣለኹ።+
ረድኤተይ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧
 2 ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ፡+
ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እዩ ዚመጽእ።
 3 ንሱ እግርኻ ኼንደልህጽ ከቶ ኣይኪፈቅድን እዩ።+
እቲ ዚሕልወካ ኸቶ ኣይታኸስን እዩ።
 4 እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ፡
ከቶ ኣይታኸስን፡ ኣይድቅስን እውን እዩ።+
 5 የሆዋ ይሕልወካ ኣሎ።
የሆዋ ኣብ የማንካ+ ጽላልካ እዩ።+
 6 ጸሓይ ብመዓልቲ፡
ወርሒ እውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።+
 7 የሆዋ ኻብ ኵሉ ጕድኣት ኪሕልወካ እዩ።+
ንህይወትካ ኺሕልዋ እዩ።+
 8 የሆዋ ኻብ ሕጂ ንዘለኣለም፡
ኣብ እትገብሮ ዅሉ ኺሕልወካ እዩ።