ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ምምጻእ ወራር ኣሶር (1-8)

        • ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ (1-4)

      • ኣይትፍርህዎም–“ኣምላኽ ምሳና እዩ!” (9-17)

      • ኢሳይያስን ደቁን ትእምርቲ ይዀኑ (18)

      • ካብቲ ሕጊ ሕተቱ እምበር፡ ንኣጋንንቲ ኣይትሕተቱ (19-22)

ኢሳይያስ 8:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብብርዒ መዋቲ ሰብ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ንምርኮ ምፍጣን፡ ንዘመተ ቐልጢፍካ ምምጻእ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:8

ኢሳይያስ 8:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይመስክሩለይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:10

ኢሳይያስ 8:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰበይቲ ኢሳይያስ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀረብኩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2013፡ ገጽ 16

ኢሳይያስ 8:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29፣ 16:8, 9፣ 17:6፣ ኢሳ 7:16፣ 17:1

ኢሳይያስ 8:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሺሎኣሕ መትረብ ማይ እዩ ነይሩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:16፣ ኤር 17:13
  • +ኢሳ 7:1

ኢሳይያስ 8:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኤፍራጥስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:5፣ 18:9

ኢሳይያስ 8:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ኢሳ 7:14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:19, 20፣ ኢሳ 7:17, 20፣ 10:28-32
  • +ኢሳ 7:14፣ ማቴ 1:23

ኢሳይያስ 8:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተዓጠቑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:21

ኢሳይያስ 8:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እቲ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዚብል፡ ብእብራይስጢ ኣማኑኤል ይብል። ኣብ ኢሳ 7:14፣ 8:8 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:1፣ መዝ 44:3

ኢሳይያስ 8:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 10:3፣ 22:32
  • +መክ 12:13፣ ማቴ 10:28

ኢሳይያስ 8:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 21:42, 44፣ ሉቃ 20:17, 18፣ ሮሜ 9:31-33፣ 1ቈረ 1:23፣ 1ጴጥ 2:7, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 146

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2008፡ ገጽ 5

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ”

ኢሳይያስ 8:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ መረጋገጺ።”

  • *

    ወይ፡ “ትእዛዝ፣ ትምህርቲ።”

ኢሳይያስ 8:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሃንቀውታ ኽጸበዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:16, 17፣ ሚክ 3:4
  • +መዝ 33:20

ኢሳይያስ 8:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 2:13
  • +ኢሳ 7:14, 16፣ 8:3, 4

ኢሳይያስ 8:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10, 11፣ መዝ 146:4፣ መክ 9:5, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 29

ኢሳይያስ 8:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብቲ መረጋገጽን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ወጋሕታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 4:19

ኢሳይያስ 8:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 48

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2013፡ ገጽ 11

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 8:1ኢሳ 30:8
ኢሳ. 8:22ነገ 16:10
ኢሳ. 8:3ኢሳ 8:18
ኢሳ. 8:42ነገ 15:29፣ 16:8, 9፣ 17:6፣ ኢሳ 7:16፣ 17:1
ኢሳ. 8:62ነገ 17:16፣ ኤር 17:13
ኢሳ. 8:6ኢሳ 7:1
ኢሳ. 8:72ነገ 17:5፣ 18:9
ኢሳ. 8:82ዜና 28:19, 20፣ ኢሳ 7:17, 20፣ 10:28-32
ኢሳ. 8:8ኢሳ 7:14፣ ማቴ 1:23
ኢሳ. 8:92ዜና 32:21
ኢሳ. 8:10ዘዳ 20:1፣ መዝ 44:3
ኢሳ. 8:13ዘሌ 10:3፣ 22:32
ኢሳ. 8:13መክ 12:13፣ ማቴ 10:28
ኢሳ. 8:14ማቴ 21:42, 44፣ ሉቃ 20:17, 18፣ ሮሜ 9:31-33፣ 1ቈረ 1:23፣ 1ጴጥ 2:7, 8
ኢሳ. 8:17ዘዳ 31:16, 17፣ ሚክ 3:4
ኢሳ. 8:17መዝ 33:20
ኢሳ. 8:18እብ 2:13
ኢሳ. 8:18ኢሳ 7:14, 16፣ 8:3, 4
ኢሳ. 8:19ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10, 11፣ መዝ 146:4፣ መክ 9:5, 10
ኢሳ. 8:20ምሳ 4:19
ኢሳ. 8:21ዘዳ 28:15, 48
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 8:1-22

ኢሳይያስ

8 የሆዋ ድማ፡ “ዓብዪ ሰሌዳ+ ውሰድ እሞ፡ ኣብኡ ብተራ ብርዒ፡* ‘ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ’* ኢልካ ጽሓፍ። 2 እሙናት መሰኻኽር፡ ካህን ኡርያን+ ዘካርያስ ወዲ የበረክያን ከኣ፡ ብጽሑፍ የረጋግጹለይ”* በለኒ።

3 ሽዑ፡ ናብታ ነብዪት* ኣቶኹ፣* ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ ኢልካ ስመዮ፣ 4 እቲ ቘልዓ፡ ‘ኣቦይ!’ ‘ኣደይ!’ ኢሉ ምጽዋዕ ከይፈለጠስ፡ ጥሪት ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪውሰድ እዩ” በለኒ።+

5 ከም ብሓድሽ ድማ፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦

 6 “እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዚውሕዝ ማያት ሺሎኣሕ* ስለ ዝነዓቖ፡+

ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ስለ እተሓጐሰ፡+

 7 ስለዚ፡ እንሆ፡ የሆዋ ኣንጻሮም፡

ብርቱዕን ዓብይን ማያት እቲ ፈለግ፡*

ንጉስ ኣሶርን+ ኵሉ ኽብሩን ኬምጽኣሎም እዩ።

ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ባይታ እቲ ርባ ኺድይብ፡

ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገማግሙ ኸኣ ኪውሕዝ እዩ፣

 8 ንይሁዳ እውን ኪድምስሳ እዩ።

ክሳብ ክሳድ ዚበጽሕ ኰይኑ ድማ ኪውሕዝን ኪሓልፍን እዩ፣+

ኦ ኣማኑኤል፡*+

እቲ እተዘርግሐ ኣኽናፉ ንግፍሒ እታ ምድሪ ኺመልኦ እዩ!”

 9 ኣቱም ህዝብታት፡ እስከ ጕድኡ፣ ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም።

ኵልኹም ኣቱም ካብ ርሑቕ ክፋል ምድሪ ዝዀንኩም፡ ስምዑ!

ንውግእ ተዳለዉ፣* ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም!+

ንውግእ ተዳለዉ፣ ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም!

10 ውጥን ምሃዙ፣ ግናኸ፡ ኪተዓናቐፍ እዩ!

ዝደለኹምዎ በሉ፣ ግናኸ፡ ኣይኪሰልጥን እዩ!

ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ!*+

11 የሆዋ ነታ ሓያል ኢዱ ኣባይ ገይሩ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ኬጠንቅቐኒ ኢሉ ኸምዚ በለኒ፦

12 “ነቲ እዞም ህዝቢ እዚኦም ውዲት ዚብልዎ፡ ውዲት ኣይትበልዎ!

ነቲ ዚፈርህዎ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፣

ብእኡ ራዕራዕ ኣይትበሉ።

13 ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—ንዕኡ ደኣ ቕዱስ ጌርኩም ርኣይዎ፣+

ንዕኡ ድማ ፍርህዎ፣

ንሱ እውን ራዕራዕ የብልኩም።”+

14 ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን እዩ፣

ግናኸ፡ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል፡

እምኒ መሐንኰልን

ከውሒ መዐንቀፍን ኪኸውን፡+

ንነበርቲ የሩሳሌም ድማ፡

መጻወድያን መፈንጠራን ኪኸውን እዩ።

15 ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩን

ኪፍንጠሩን ኪትሓዙን እዮም።

16 ነቲ እተጻሕፈ መረጋገጺ* ጠቕልሎ፣

ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርተይ ነቲ ሕጊ* ሕተሞ።

17 ኣነስ ነቲ ገጹ ኻብ ቤት ያእቆብ+ ዚሓብእ ዘሎ የሆዋ ኽጽበዮ፡*+ ብእኡ እውን ተስፋ ኽገብር እየ።

18 እንሆ፡ ኣነን እቶም የሆዋ ዝሃበኒ ደቅን፡+ ካብቲ ኣብ ከረን ጽዮን ዚነብር የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀንና ትእምርትን+ ተኣምራትን ኢና።

19 “ነቶም ጭቝጭቝን ዕዝምዝምን ዚብሉ ጠየቕቲ መናፍስቲ ወይ ጠንቈልቲ ሕተቱ” እንተ ኢሎምኹም፡ ህዝቢ ንኣምላኹ ደይኰነን ዚሓትት፧ ምእንቲ ህያዋንሲ ንምዉታትዶ ይሕተት፧+ 20 ካብቲ ሕግን ካብቲ እተጻሕፈ መረጋገጽን* ደኣ ይሕተቱ!

ከምዚ ቓል እዚ ምስ ዘይዛረቡ፡ ብርሃን* የብሎምን።+ 21 ነፍሲ ወከፍ ከኣ ተወጺዑን ጠምዩን በታ ምድሪ እቲኣ ኺሓልፍ እዩ፣+ ብምጥማዩን ብምቝጣዑን ድማ፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ንንጉሱን ንኣምላኹን ኪረግሞም እዩ። 22 ድሕሪኡ፡ ናብ ምድሪ ኺጥምት፡ ጭንቅን ጸልማትን፡ ጽልግልግታን ሽግርን፡ ድነን ብርሃን ኣልቦነትን ጥራይ እውን ኪርኢ እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ