ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • መወዳእታ መጸ (1-27)

        • ፍሉይ መዓት (5)

        • ገንዘብ ኣብ ጐደናታት ኪድርበ እዩ (19)

        • እታ ቤተ መቕደስ ክትረክስ እያ (22)

ህዝቅኤል 7:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 67-68፡ 70

ህዝቅኤል 7:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:11
  • +ኤር 16:18፣ ህዝ 16:43
  • +ህዝ 6:13

ህዝቅኤል 7:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:12፣ ዳን 9:12

ህዝቅኤል 7:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኼንቅሕ።”

ህዝቅኤል 7:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣኽሊል ዕምባባ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 1:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 11

ህዝቅኤል 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:21
  • +ኤር 7:20፣ ህዝ 5:13

ህዝቅኤል 7:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 13:14
  • +ኢሳ 66:6፣ ህዝ 33:29

ህዝቅኤል 7:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣኽሊል ዕምባባ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 1:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 66

ህዝቅኤል 7:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 59:6፣ ኤር 6:7፣ ሚክ 6:12

ህዝቅኤል 7:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስለ ዚመጽእ፡ ንብረት ዚዕድግ ኰነ ንዕኡ ዚሸይጥ ኣይጥቀሙን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 1:18

ህዝቅኤል 7:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብስሕተቱ” ኪኸውን ይኽእል።

ህዝቅኤል 7:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:5
  • +ኤር 7:20፣ 12:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 68-69

ህዝቅኤል 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:25
  • +ኤር 14:18፣ ህዝ 5:12

ህዝቅኤል 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 59:11

ህዝቅኤል 7:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብፍርሂ ስለ ዚሸኑ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 21:7

ህዝቅኤል 7:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከዲንዎም።”

  • *

    ማለት፡ ርእሶም ብሓዘን ኪላጸ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:24
  • +ኢሳ 22:12

ህዝቅኤል 7:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እቲ ብሩሮምን ወርቆምን።

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም ኣይክትጸግብን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 11:4፣ ጸፎ 1:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 69

ህዝቅኤል 7:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ በቲ ወርቆምን ብሩሮምን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:1, 7፣ ኤር 7:30

ህዝቅኤል 7:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ነቲ ጣኦታት እተገብረሉ ብሩሮምን ወርቆምን።

ህዝቅኤል 7:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንውሽጣዊ ኽፋል መቕደስ የሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 18:17
  • +2ዜና 36:19፣ ድጕ 1:10

ህዝቅኤል 7:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰንሰለት ምርኮ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:16፣ 24:3, 4፣ ኤር 2:34፣ ህዝ 9:9
  • +ኢሳ 59:6፣ ሚክ 2:2
  • +ኤር 39:6, 7፣ ድጕ 3:7

ህዝቅኤል 7:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:48-51፣ ህዝ 21:31፣ ኣን 1:6
  • +ኤር 6:12፣ ድጕ 5:2
  • +ህዝ 21:2

ህዝቅኤል 7:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 57:21፣ ኤር 8:15

ህዝቅኤል 7:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትምህርቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:1, 2፣ 37:17
  • +መዝ 74:9፣ ድጕ 2:9፣ ህዝ 20:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 66፡ 70

ህዝቅኤል 7:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምብዳም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 52:10
  • +ህዝ 6:13

ሓፈሻዊ

ህዝ. 7:4ህዝ 5:11
ህዝ. 7:4ኤር 16:18፣ ህዝ 16:43
ህዝ. 7:4ህዝ 6:13
ህዝ. 7:52ነገ 21:12፣ ዳን 9:12
ህዝ. 7:7ጸፎ 1:14
ህዝ. 7:82ዜና 34:21
ህዝ. 7:8ኤር 7:20፣ ህዝ 5:13
ህዝ. 7:9ኤር 13:14
ህዝ. 7:9ኢሳ 66:6፣ ህዝ 33:29
ህዝ. 7:10ጸፎ 1:14
ህዝ. 7:11ኢሳ 59:6፣ ኤር 6:7፣ ሚክ 6:12
ህዝ. 7:12ጸፎ 1:18
ህዝ. 7:14ኤር 4:5
ህዝ. 7:14ኤር 7:20፣ 12:12
ህዝ. 7:15ዘሌ 26:25
ህዝ. 7:15ኤር 14:18፣ ህዝ 5:12
ህዝ. 7:16ኢሳ 59:11
ህዝ. 7:17ህዝ 21:7
ህዝ. 7:18ኢሳ 3:24
ህዝ. 7:18ኢሳ 22:12
ህዝ. 7:19ምሳ 11:4፣ ጸፎ 1:18
ህዝ. 7:202ነገ 21:1, 7፣ ኤር 7:30
ህዝ. 7:22ኤር 18:17
ህዝ. 7:222ዜና 36:19፣ ድጕ 1:10
ህዝ. 7:232ነገ 21:16፣ 24:3, 4፣ ኤር 2:34፣ ህዝ 9:9
ህዝ. 7:23ኢሳ 59:6፣ ሚክ 2:2
ህዝ. 7:23ኤር 39:6, 7፣ ድጕ 3:7
ህዝ. 7:24ዘዳ 28:48-51፣ ህዝ 21:31፣ ኣን 1:6
ህዝ. 7:24ኤር 6:12፣ ድጕ 5:2
ህዝ. 7:24ህዝ 21:2
ህዝ. 7:25ኢሳ 57:21፣ ኤር 8:15
ህዝ. 7:26ኤር 21:1, 2፣ 37:17
ህዝ. 7:26መዝ 74:9፣ ድጕ 2:9፣ ህዝ 20:3
ህዝ. 7:27ኤር 52:10
ህዝ. 7:27ህዝ 6:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 7:1-27

ህዝቅኤል

7 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንምድሪ እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ ‘መወዳእታ፡ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ምድሪ መወዳእታ መጺኡ። 3 ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ፣ ኣነ ኸኣ ቍጥዓይ ክፍንወልኪ እየ፣ ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ። 4 ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገድታትክስ ከምጽኣልኪ፡ ብሳዕቤናት እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ እውን ክትሳቐዪ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’+

5 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ መዓት፡ ፍሉይ መዓት ይመጽእ ኣሎ።+ 6 መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ፣ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ፣ ኣንጻርኪ ኺልዓል* እዩ። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ። 7 ኣታ ኣብዛ ምድሪ እትነብር፡ ተራኻ* መጺኡ። እቲ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፣ እታ መዓልቲ ቐሪባ እያ።+ ኣብ ኣኽራን እልልታ ዘይኰነስ፡ ዕግርግር ኣሎ።

8 “‘ኣብ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ፡ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡+ ቍጥዓይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክፍንወልኪ እየ፣+ ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ። 9 ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገድታትኪ ኸምጽኣልኪ፡ ብሳዕቤናት እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ እውን ክትሳቐዪ ኢኺ። ኣነ የሆዋ እወቕዓኩም ከም ዘለኹ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+

10 “‘እንሃ፡ እታ መዓልቲ! እንሃ፡ ትመጽእ ኣላ!+ ተራኺ* መጺኡ፣ በትሪ ዓምቢባ፡ ድፍረት ከኣ በቚሉ ኣሎ። 11 ዓመጻ ዓብዩስ በትሪ እከይ ኰይኑ ኣሎ።+ ንሳቶም ኰኑ፡ ሃብቶም ኰነ፡ ህዝቦም ኰነ፡ ወይ ዝናኦም ኣይኪተርፍን እዩ። 12 እቲ ግዜ ኺመጽእ እዩ፣ እታ መዓልቲ ኽትኣክል እያ። ኣብ ብዘሎ እቲ ህዝቦም ቍጥዓ ኣሎ እሞ፡ ዓዳጊ ኣይተሓጐስ፡ ሸያጢ እውን ኣይሕዘን።*+ 13 ከመይሲ፡ እቲ ራእይ ኣንጻር ብዘሎ እቲ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ሸያጢ ህይወቱ እኳ እንተ ተናሕፈት፡ ናብቲ እተሸጠ ኣይኪምለስን እዩ። ሓደ እኳ ኣይኪምለስን እዩ፣ ብሰንኪ ስሕተቱ* ድማ፡ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይኪተርፍን እዩ።

14 “‘መለኸት ነፊሖም እዮም፣+ ኵሉ እውን ተዳልዩ ኣሎ፣ ቍጥዓይ ኣብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ስለ ዝዀነ ግና፡ ሓደ እኳ ናብ ውግእ ዚኸይድ የልቦን።+ 15 ኣብ ወጻኢ ሰይፊ፡+ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ለበዳን ጥሜትን ኣሎ። ኣብ መሮር ዘሎ ዘበለ ብሰይፊ ኺመውት እዩ፣ ነቶም ኣብ ከተማ ዘለዉ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪውሕጦም እዩ።+ 16 እቶም ካባታቶም ዜምልጡ ተረፎም ናብ ኣኽራን ኪኸዱ፡ ከም ረገቢት ስንጭሮታት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ብስሕተቶም ኪቝዝሙ እዮም።+ 17 ኵለን ኣእዳዎም ኪለምሳ፡ ኵለን ኣብራኾም ድማ ማይ ኪፈስሰን እዩ።*+ 18 ማቕ ተኸዲኖም ኣለዉ፣+ ምንቅጥቃጥ ከኣ ሒዝዎም* ኣሎ። ኵሉ ኺሓፍር፡ ኵሉ ርእሲ እውን ኪምለጥ እዩ።*+

19 “‘ብሩሮም ኣብ ጐደናታት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ንዓታቶም ፍንፉን ኪኸውን እዩ። ብመዓልቲ ነድሪ የሆዋ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ።+ ዜስሕት መዐንቀፊ ዀይንዎም እዩ እሞ፡* ኣይኪጸግቡን፡* ከብዶም እውን ኣይኪመልኡን እዮም። 20 ብጽባቐ ስልማታቶም ተመኪሖም፡ ብእኡ* ኸኣ ፍንፉናት ምስልታትን ጽዩፋት ጣኦታትን ገይሮም እዮም።+ ስለዚ እየ ንዓታቶም ፍንፉን ከም ዚኸውን ዝገበርክዎ። 21 ንዘመተ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ንምርኮ ድማ ኣብ ኢድ እኩያት ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፣* ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም።

22 “‘ገጸይ ካባታቶም ክመልስ እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ስቱር ቦታይ* ኬርክስዎ እዮም፣ ጐሓሉት ናብኡ ኺኣትዉን ኬርክስዎን እዮም።+

23 “‘እዛ ምድሪ ብደም ብእተጸየቐ ፍርዲ መሊኣ፡+ እዛ ኸተማ ኸኣ ብዓመጻ መሊኣ ኣላ እሞ፡+ ሰንሰለት* ግበር።+ 24 ካብ ኣህዛብ እቶም ዝኸፍኡ ኸምጽእ፡+ ንኣባይቶም ድማ ኪርስተይወን እዮም፣+ ንትምክሕቲ እቶም ሓያላት መወዳእታ ኽገብር፡ መቓድሶም ከኣ ኪረክስ እዩ።+ 25 ጭንቆም ምስ መጸ፡ ሰላም ኪደልዩ እዮም፡ ግናኸ ኣይኪህሉን እዩ።+ 26 ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት፡ ወረ ኣብ ልዕሊ ወረ ኺመጽእ እዩ፣ ካብ ነብዪ ድማ ራእይ ኪደልዩ፡+ ግናኸ ሕጊ* ኻብ ካህን፡ ምኽሪ እውን ካብ ዓበይቲ ኺጠፍእ እዩ።+ 27 ንጉስ ኪሓዝን፡+ ሹም ከኣ ቅብጸት* ኪኽደን እዩ፣ ኣእዳው ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ብሽበራ ራዕራዕ ኪብላ እየን። ከም መገድታቶም ክገብሮም፡ ከምቲ ዝፈረድዎ እውን ክፈርዶም እየ። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ