ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 40
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ህዝቅኤል ብራእይ ናብ እስራኤል መጸ (1, 2)

      • ህዝቅኤል ብራእይ ቤተ መቕደስ ረኣየ (3, 4)

      • ኣጸዳትን ኣፍ ደገታትን (5-47)

        • ናይ ወጻኢ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ (6-16)

        • ናይ ወጻኢ ኣጸድ፣ ካልእ ኣፍ ደገታት (17-26)

        • ናይ ውሽጢ ኣጸድን ኣፍ ደገታትን (27-37)

        • ንኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ዚኸውን ክፍልታት (38-46)

        • መሰውኢ (47)

      • ገበላ እታ ቤተ መቕደስ (48, 49)

ህዝቅኤል 40:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:15, 16
  • +2ነገ 25:8-10፣ ህዝ 33:21
  • +ህዝ 8:3

ህዝቅኤል 40:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 142፡ 149፡ 152-154

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 9፡ 11

ህዝቅኤል 40:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:5, 7፣ ዳን 10:5, 6
  • +ህዝ 47:3፣ ዘካ 2:1, 2፣ ራእ 11:1፣ 21:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1509-1510፡ 1601

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 10

    1/3/1999፡ ገጽ 9፡ 14

ህዝቅኤል 40:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ልብኻ ኣብ ኵሉ እቲ ዘርእየካ ግበር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 43:10

ህዝቅኤል 40:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት።” ኣብ ምዕራፍ 40-48፡ ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ እታ ቤተ መቕደስ ንዘሎ ዅሉ ህንጻታት ወይ ነታ ቤተ መቕደስ ጥራይ ተመልክት።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “በብእመትን ስፍሓት ኢድን ሽዱሽተ እመት ዝንውሓቱ ሻምብቆ መለክዒ ነበረ።” እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ህዝቅኤል 40:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:10፣ 43:1, 4፣ 46:1, 2

ህዝቅኤል 40:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 9:26, 27

ህዝቅኤል 40:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ እቲ ኽፍሊ ሓላዊ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:20, 21

ህዝቅኤል 40:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 149

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 13

ህዝቅኤል 40:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከፋቱ እናጸበበ ዚኸይድ መሳዅቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:4፣ ህዝ 41:26
  • +1ነገ 6:35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 11

    1/3/1999፡ ገጽ 13-14

ህዝቅኤል 40:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ድማ ክፍልታትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 14

ህዝቅኤል 40:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ግፍሒ።”

ህዝቅኤል 40:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:20, 26

ህዝቅኤል 40:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 46:9

ህዝቅኤል 40:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:20, 22

ህዝቅኤል 40:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:20, 21

ህዝቅኤል 40:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:16
  • +ህዝ 40:32, 34, 35, 37

ህዝቅኤል 40:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 44:4

ህዝቅኤል 40:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:21

ህዝቅኤል 40:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:3, 6፣ 8:20፣ ህዝ 43:18
  • +ዘሌ 4:3, 4
  • +ዘሌ 5:6፣ 7:1፣ ህዝ 42:13፣ 44:29

ህዝቅኤል 40:43

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ምስ መንደቕ ለጊቡ እተሰርሐ መቐመጢ ኣቕሑ።

ህዝቅኤል 40:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 6:31, 32

ህዝቅኤል 40:45

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 3:6-8፣ 1ዜና 9:22, 23፣ መዝ 134:1

ህዝቅኤል 40:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 6:12, 13፣ ዘሁ 18:5፣ 2ዜና 13:10, 11
  • +ዘሁ 16:39, 40፣ ህዝ 44:15, 16
  • +1ነገ 2:35፣ ህዝ 43:19

ህዝቅኤል 40:48

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:3፣ 2ዜና 3:4

ህዝቅኤል 40:49

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “12” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:21

ሓፈሻዊ

ህዝ. 40:12ነገ 24:15, 16
ህዝ. 40:12ነገ 25:8-10፣ ህዝ 33:21
ህዝ. 40:1ህዝ 8:3
ህዝ. 40:2ኢሳ 2:2
ህዝ. 40:3ህዝ 1:5, 7፣ ዳን 10:5, 6
ህዝ. 40:3ህዝ 47:3፣ ዘካ 2:1, 2፣ ራእ 11:1፣ 21:15
ህዝ. 40:4ህዝ 43:10
ህዝ. 40:6ህዝ 40:10፣ 43:1, 4፣ 46:1, 2
ህዝ. 40:71ዜና 9:26, 27
ህዝ. 40:13ህዝ 40:20, 21
ህዝ. 40:161ነገ 6:4፣ ህዝ 41:26
ህዝ. 40:161ነገ 6:35
ህዝ. 40:171ዜና 28:12
ህዝ. 40:22ህዝ 41:20, 26
ህዝ. 40:24ህዝ 46:9
ህዝ. 40:26ህዝ 40:20, 22
ህዝ. 40:29ህዝ 40:20, 21
ህዝ. 40:31ህዝ 40:16
ህዝ. 40:31ህዝ 40:32, 34, 35, 37
ህዝ. 40:35ህዝ 44:4
ህዝ. 40:38ዘሌ 8:21
ህዝ. 40:39ዘሌ 1:3, 6፣ 8:20፣ ህዝ 43:18
ህዝ. 40:39ዘሌ 4:3, 4
ህዝ. 40:39ዘሌ 5:6፣ 7:1፣ ህዝ 42:13፣ 44:29
ህዝ. 40:441ዜና 6:31, 32
ህዝ. 40:45ዘሁ 3:6-8፣ 1ዜና 9:22, 23፣ መዝ 134:1
ህዝ. 40:46ዘሌ 6:12, 13፣ ዘሁ 18:5፣ 2ዜና 13:10, 11
ህዝ. 40:46ዘሁ 16:39, 40፣ ህዝ 44:15, 16
ህዝ. 40:461ነገ 2:35፣ ህዝ 43:19
ህዝ. 40:481ነገ 6:3፣ 2ዜና 3:4
ህዝ. 40:491ነገ 7:21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
  • 49
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 40:1-49

ህዝቅኤል

40 ካብ እንማረኽ ኣብ መበል 25 ዓመት፡+ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ካብቲ እታ ኸተማ ዝወደቐትሉ ኣብ መበል 14 ዓመት፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ ኰነት፣ ንሱ ድማ ናብታ ኸተማ ወሰደኒ።+ 2 ካብ ኣምላኽ ብዝመጸ ራእያት፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣምጽኣኒ፡ ብደቡብ ከም ከተማ ዝበለ ህንጻ ኣብ ዘለዎ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ።+

3 ናብኡ ምስ ኣምጽኣኒ፡ ከም ነሓሲ ዝትርኢቱ ሰብኣይ ረኣኹ።+ ገመድ ልሕጺ እንጣጢዕን ሻምብቆ* መለክዕን ኣብ ኢዱ ነበረ፣+ ኣብ ኣፍ ደገ ድማ ደው ኢሉ ነበረ። 4 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ስለዚ ኢኻ ናብዚ ዝመጻእካ እሞ፡ ኣጸቢቕካ ርአ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ንዅሉ እቲ ዘርእየካ ድማ ኣቕልበሉ።* ኵሉ እቲ ዝረኣኻዮ ድማ፡ ንቤት እስራኤል ንገሮ” በለኒ።+

5 ነታ ቤተ መቕደስ* ብወጻኢ ዚኸብባ መንደቕ ረኣኹ። ኣብ ኢድ እቲ ሰብኣይ ሽዱሽተ እመት ዝንውሓቱ ሻምብቆ መለክዒ ነበረ፣ (ነንእመት ከኣ ሓሓደ ስፍሓት ኢድ ተወሲኽዎ ነበረ)።* ነቲ መንደቕ ድማ ለክዖ፣ ርጕዱ ሓደ ሻምብቆ፡ ቍመቱ ድማ ሓደ ሻምብቆ ዀነ።

6 ሽዑ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዝገበረ ኣፍ ደገ መጸ፣+ በቲ ደረጃታቱ ድማ ደየበ። ንድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ምስ ለክዖ፡ ግፍሑ ሓደ ሻምብቆ ዀነ፣ ግፍሒ እቲ ኻልእ ድርኵዂት እውን ሓደ ሻምብቆ ዀነ። 7 ሓደ ኽፍሊ ሓላዊ ሓደ ሻምብቆ ዝንውሓቱን ሓደ ሻምብቆ ዝግፍሑን ነበረ፣ ኣብ መንጎ ኽፍልታት ሓላዊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።+ እቲ ኣብ ጥቓ ገበላ ዘሎ ናብ ውሽጢ ገጹ ዚርከብ ድርኵዂት ኣፍ ደገ ልክዑ ሓደ ሻምብቆ ነበረ።

8 ነቲ ናብ ውሽጢ ኣቢሉ ዚርከብ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ድማ ለክዖ፣ ሓደ ሻምብቆ እውን ኰነ። 9 ሽዑ፡ ንገበላ እቲ ኣፍ ደገ ለክዖ፣ ሸሞንተ እመት እውን ኰነ። ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ከኣ ለክዖ፣ ክልተ እመት እውን ኰነ። እቲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኽ ናብ ውሽጢ ገጹ ነበረ።

10 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ሰሰለስተ ኽፍሊ ሓላዊ ነበረ። ሰለስቲኡ ሓደ ዝዓቐኑ ነበረ፣ እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዚርከብ ጐድናዊ ኣዕኑድ ከኣ ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ።

11 ሽዑ፡ ንግፍሒ እቲ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ለክዖ፣ 10 እመት እውን ኰነ፣ ንውሓት እቲ ኣፍ ደገ ድማ 13 እመት ነበረ።

12 እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኽፍልታት ሓላዊ ዘሎ እተኸፍለ ቦታ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓሓደ እመት ነበረ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዚርከብ ክፍልታት ሓላዊ ሸሽዱሽተ እመት ነበረ።

13 ሽዑ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኻብ ናሕሲ እቲ ሓደ ኽፍሊ ሓላዊ* ናብ ናሕሲ እቲ ኻልእ ለክዐ፣ 25 እመት ዝግፍሑ እውን ኰነ። ሓደ መእተዊ ኣብ መንጽር እቲ ሓደ መእተዊ ነበረ።+ 14 ሽዑ፡ ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ለክዖ፣ 60 እመት ዝቝመቱ እውን ኰነ፣ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ኣብ ዝነበረ ኣፍ ደገታት ዚርከብ ጐድናዊ ኣዕኑድ እውን ከምኡ ነበረ። 15 ካብ ቅድሚት እቲ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኽሳብ ቅድሚት እቲ ብውሽጣዊ ሸነኽ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ገበላ 50 እመት ነበረ።

16 ነቲ ኽፍልታት ሓላውን ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣፍ ደገ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘሎ ጐድናዊ ኣዕኑድን እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅቲ*+ ነበሮ። እቲ ውሽጣዊ ኽፋል እቲ ገበላ እውን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ መሳዅቲ ነበሮ፣ ኣብቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ከኣ ምስልታት ኦም ስየ+ ነበረ።

17 ሽዑ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኣምጽኣኒ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ድማ መመገቢ ኽፍልታትን*+ እምኒ እተነጽፎ ባይታን ረኣኹ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ባይታ ኸኣ 30 መመገቢ ኽፍሊ ነበረ። 18 እቲ ኣብ ጐድኒ ኣፍ ደገታት ዘሎ እምኒ እተነጽፎ ባይታ ምስ ንውሓት እቲ ኣፍ ደገታት ማዕረ ነበረ፣—እዚ እቲ ታሕተዋይ ብእምኒ እተነጽፈ ባይታ ነበረ።

19 ሽዑ፡ ካብ ቅድሚት እቲ ታሕተዋይ ኣፍ ደገ ናብ ዙርያ እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ዘሎ ርሕቀት* ለክዐ። ብምብራቕን ብሰሜንን 100 እመት ነበረ።

20 እቲ ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ ናብ ሰሜን ገጹ ዘበለ ኣፍ ደገ ነበሮ፣ ንንውሓቱን ንግፍሑን ከኣ ለክዖ። 21 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሰሰለስተ ኽፍሊ ሓላዊ ነበረ። ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ቐዳማይ ኣፍ ደገ ዝልክዑ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 22 መሳዅቱን ገበላኡን ምስልታት ኦም ስየኡን+ ከምቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ዝዓቐኑ ነበረ። ብሸውዓተ ደረጃታት ይድየብ ነበረ፣ ገበላኡ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።

23 ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ኣብ መንጽር እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ሓደ ኣፍ ደገ ነበረ፣ ኣብ መንጽር እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ እውን ሓደ ነበረ። ካብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ ዘሎ ርሕቀት ከኣ ለክዐ፣ 100 እመት እውን ኰነ።

24 ድሕርዚ፡ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኣምጽኣኒ፣ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ድማ ኣፍ ደገ ረኣኹ።+ ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑዱን ንገበላኡን ከኣ ለክዖ፣ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ድማ ነበረ። 25 ኣብ ክልቲኡ ሸነኹን ኣብ ገበላኡን ከምቲ ኻልእ መሳዅቲ ዝበለ መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 26 ናብኡ ዜደይብ ሸውዓተ ደረጃታት ነበረ፣+ ገበላኡ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። ኣብ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኹ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ።

27 እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ናብ ደቡብ ገጹ ዘበለ ኣፍ ደገ ነበሮ፣ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኻብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ ለክዐ፣ እቲ ርሕቀት እውን 100 እመት ኰነ። 28 ድሕርዚ፡ በቲ ደቡባዊ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ኣእተወኒ፣ ነቲ ደቡባዊ ኣፍ ደገ ምስ ለክዖ፡ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። 29 ክፍልታት ሓላዊኡን ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኹን ኣብ ገበላኡን መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ።+ 30 ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ገበላታት ነበረ፣ 25 እመት ዝንውሓቱን 5 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 31 ገበላኡ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ገጹ ዘበለ ነበረ፣ ኣብ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ድማ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ፣+ ብሸሞንተ ደረጃ ኸኣ ይድየብ ነበረ።+

32 ካብ ምብራቕ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣምጽኣኒ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ለክዖ፣ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ድማ ነበረ። 33 ክፍልታት ሓላዊኡን ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኹን ኣብ ገበላኡን ከኣ መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 34 ገበላኡ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ገጹ ዘበለ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ እቲ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ድማ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ፣ ብሸሞንተ ደረጃ ኸኣ ይድየብ ነበረ።

35 ሽዑ፡ ናብ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ኣምጽኣኒ፣+ ንዕኡ ድማ ለክዖ፣ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። 36 ክፍልታት ሓላዊኡን ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኹ ኸኣ መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 37 ጐድናዊ ኣዕኑዱ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ገጹ ዘበለ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ እቲ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ድማ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ፣ ብሸሞንተ ደረጃ ኸኣ ይድየብ ነበረ።

38 ኣብ ጥቓ እቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ እቲ ኣፍ ደገታት ድማ መመገቢ ኣፍ ደገ ምስ መእተዊኡ ነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ይሕጸብ ነበረ።+

39 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን+ መስዋእቲ በደልን+ ዚሕረደሉ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ድማ ከክልተ ሰደቓ ነበረ። 40 ኣብቲ ናብ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ዜደይብ ከኣ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ መእተዊ ኽልተ ሰደቓ ነበረ። ኣብቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ገበላ ኣፍ ደገ እውን ክልተ ሰደቓ ነበረ። 41 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኣፍ ደገ መስዋእቲ ዚሕረደሉ ኣኣርባዕተ ሰደቓ፡ ኵሉዅሉ ሸሞንተ ሰደቓ ነበረ። 42 እቲ ንብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ኣርባዕተ ሰደቓ ኻብ ውቑር እምኒ ነበረ። ሓደ እመትን ፈረቓን ዝንውሓቱ፡ ሓደ እመትን ፈረቓን ዝግፍሑ፡ ሓደ እመት ከኣ ዝቝመቱ ነበረ። ነቲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንምሕራድ ዜገልግል መሳርሒታት ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። 43 ሓደ ስፍሓት ኢድ ዝግፍሑ ኸብከብ* ኣብ ዙርያ እቲ ውሽጣዊ መንደቕ ተላጊቡ ነበረ፣ ስጋ እቲ መባእ ከኣ ኣብቲ ሰደቓታት ይንበር ነበረ።

44 ኣብ ወጻኢ እቲ ውሽጣዊ ኣፍ ደገ ንዘመርቲ ዚኸውን መመገቢ ኽፍልታት ነበረ፣+ እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ፡ ናብ ደቡብ ገጹ ነበረ። ካልእ መመገቢ ኽፍሊ ድማ ኣብ ጥቓ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ፡ ናብ ሰሜን ገጹ ነበረ።

45 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “እዚ ናብ ደቡብ ገጹ ዘሎ መመገቢ ኽፍሊ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኬገልግሉ ሓላፍነት እተሰከሙ ኻህናት እዩ።+ 46 እዚ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ መመገቢ ኽፍሊ፡ ነቶም ኣብቲ መሰውኢ ኼገልግሉ ሓላፍነት እተሰከሙ ኻህናት እዩ።+ ንሳቶም እቶም ኬገልግልዎ ናብ የሆዋ ኪቐርቡ እተመደቡ ሌዋውያን+ ደቂ ጻዶቅ+ እዮም።”

47 ሽዑ፡ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ለክዖ። 100 እመት ዝንውሓቱን 100 እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ ነበረ።

48 ሽዑ፡ ናብ ገበላ እታ ቤተ መቕደስ ኣምጽኣኒ፣+ ነቲ ጐድናዊ ዓንዲ እቲ ገበላ ድማ ለክዖ፣ ሓሙሽተ እመት በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሓሙሽተ እመት እውን በቲ ሓደ ሸነኽ ነበረ። ግፍሒ እቲ ኣፍ ደገ ሰለስተ እመት በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሰለስተ እመት በቲ ሓደ ሸነኽ ነበረ።

49 እቲ ገበላ 20 እመት ዝንውሓቱን 11* እመት ዝግፍሑን ነበረ። ብደረጃታት ይድየብ ነበረ። ኣብ ጥቓ እቲ ልዳውቲ ድማ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓሓደ ዓንዲ ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ