ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 44
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ዕጹው ኰይኑ ጸንሐ (1-3)

      • ንጓኖት ዚምልከት ስርዓታት (4-9)

      • ንሌዋውያንን ንኻህናትን ዚምልከት ስርዓታት (10-31)

ህዝቅኤል 44:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 43:1
  • +ህዝ 46:1

ህዝቅኤል 44:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 43:2

ህዝቅኤል 44:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5, 7
  • +ህዝ 46:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 16

ህዝቅኤል 44:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:1-3፣ ህዝ 10:4
  • +ህዝ 1:27, 28፣ 3:23

ህዝቅኤል 44:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ልብኻ ኣብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነግረካ ግበር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 147

ህዝቅኤል 44:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 149

ህዝቅኤል 44:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 22:2፣ ዘሁ 18:2, 3

ህዝቅኤል 44:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ገጽ 114

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 13-14

ህዝቅኤል 44:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:8, 9፣ 2ዜና 29:1, 5፣ ነህ 9:34፣ ኤር 23:11፣ ህዝ 8:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 9

ህዝቅኤል 44:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓለፍቲ ዝዀኑን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:1

ህዝቅኤል 44:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 9:16፣ ሚል 2:8

ህዝቅኤል 44:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:2, 4

ህዝቅኤል 44:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 48:9, 11
  • +1ነገ 2:35፣ ህዝ 40:46
  • +ዘሌ 3:14-16
  • +ዘሌ 17:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 150

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 9

ህዝቅኤል 44:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:21, 22
  • +ዘሁ 18:7

ህዝቅኤል 44:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:39, 42፣ 39:27, 28፣ ዘሌ 16:4

ህዝቅኤል 44:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:40, 42

ህዝቅኤል 44:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብቲ ቕዱስ ክፍልታት።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምእንቲ ኸይቅድስዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 6:10፣ ህዝ 42:14
  • +ህዝ 42:13

ህዝቅኤል 44:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 21:1, 5፣ ዘዳ 14:1

ህዝቅኤል 44:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 10:9

ህዝቅኤል 44:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 21:7
  • +ዘሌ 21:10, 14

ህዝቅኤል 44:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 2:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 11

    1/3/1999፡ ገጽ 14-15

ህዝቅኤል 44:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:9
  • +1ዜና 23:3, 4፣ 2ዜና 19:8
  • +ዘሌ 23:2

ህዝቅኤል 44:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 21:1-3

ህዝቅኤል 44:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:3

ህዝቅኤል 44:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:20፣ ዘዳ 18:1፣ እያ 13:14፣ ህዝ 45:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1999፡ ገጽ 15

ህዝቅኤል 44:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 2:3
  • +ዘሌ 6:17, 18፣ 7:1, 6፣ 1ቈረ 9:13
  • +ዘሌ 27:21፣ ዘሁ 18:14

ህዝቅኤል 44:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:19፣ ዘሁ 18:8, 12, 26, 27፣ ዘዳ 18:4
  • +ዘሁ 15:20፣ ነህ 10:35-37
  • +ምሳ 3:9, 10፣ ሚል 3:10

ህዝቅኤል 44:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:31፣ ዘሌ 22:3, 8

ሓፈሻዊ

ህዝ. 44:1ህዝ 43:1
ህዝ. 44:1ህዝ 46:1
ህዝ. 44:2ህዝ 43:2
ህዝ. 44:3ዘዳ 12:5, 7
ህዝ. 44:3ህዝ 46:2
ህዝ. 44:4ኢሳ 6:1-3፣ ህዝ 10:4
ህዝ. 44:4ህዝ 1:27, 28፣ 3:23
ህዝ. 44:5ህዝ 40:4
ህዝ. 44:8ዘሌ 22:2፣ ዘሁ 18:2, 3
ህዝ. 44:102ነገ 23:8, 9፣ 2ዜና 29:1, 5፣ ነህ 9:34፣ ኤር 23:11፣ ህዝ 8:5
ህዝ. 44:111ዜና 26:1
ህዝ. 44:12ኢሳ 9:16፣ ሚል 2:8
ህዝ. 44:14ዘሁ 18:2, 4
ህዝ. 44:15ህዝ 48:9, 11
ህዝ. 44:151ነገ 2:35፣ ህዝ 40:46
ህዝ. 44:15ዘሌ 3:14-16
ህዝ. 44:15ዘሌ 17:6
ህዝ. 44:16ህዝ 41:21, 22
ህዝ. 44:16ዘሁ 18:7
ህዝ. 44:17ዘጸ 28:39, 42፣ 39:27, 28፣ ዘሌ 16:4
ህዝ. 44:18ዘጸ 28:40, 42
ህዝ. 44:19ዘሌ 6:10፣ ህዝ 42:14
ህዝ. 44:19ህዝ 42:13
ህዝ. 44:20ዘሌ 21:1, 5፣ ዘዳ 14:1
ህዝ. 44:21ዘሌ 10:9
ህዝ. 44:22ዘሌ 21:7
ህዝ. 44:22ዘሌ 21:10, 14
ህዝ. 44:23ሚል 2:7
ህዝ. 44:24ዘዳ 17:9
ህዝ. 44:241ዜና 23:3, 4፣ 2ዜና 19:8
ህዝ. 44:24ዘሌ 23:2
ህዝ. 44:25ዘሌ 21:1-3
ህዝ. 44:27ዘሌ 4:3
ህዝ. 44:28ዘሁ 18:20፣ ዘዳ 18:1፣ እያ 13:14፣ ህዝ 45:4
ህዝ. 44:29ዘሌ 2:3
ህዝ. 44:29ዘሌ 6:17, 18፣ 7:1, 6፣ 1ቈረ 9:13
ህዝ. 44:29ዘሌ 27:21፣ ዘሁ 18:14
ህዝ. 44:30ዘጸ 23:19፣ ዘሁ 18:8, 12, 26, 27፣ ዘዳ 18:4
ህዝ. 44:30ዘሁ 15:20፣ ነህ 10:35-37
ህዝ. 44:30ምሳ 3:9, 10፣ ሚል 3:10
ህዝ. 44:31ዘጸ 22:31፣ ዘሌ 22:3, 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 44:1-31

ህዝቅኤል

44 ብመገዲ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ ኣቢሉ መለሰኒ፣+ ንሱ ድማ ዕጹው ነበረ።+ 2 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “እዚ ኣፍ ደገ እዚ ዕጹው ኰይኑ ኺነብር እዩ። ኣይኪኽፈትን እዩ፣ ብእኡ እውን ሰብ ኣይኪኣቱን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብእኡ ኣትዩ እዩ እሞ፡+ ዕጹው ኰይኑ ኺነብር እዩ። 3 ግናኸ፡ እቲ ሹም፡ ሹም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንጌራ ኺበልዕሲ፡+ ኣብኡ ኪቕመጥ እዩ። ብገበላ እቲ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ኺኣቱ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ኪወጽእ እዩ።”+

4 ሽዑ፡ በቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ ኣምጽኣኒ። ምስ ጠመትኩ፡ ክብሪ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ የሆዋ መሊእዋ ረኣኹ።+ ስለዚ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።+ 5 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነግረካ ኣቕልበሉ፡* ተመልከቶ፡ ተጠንቂቕካ እውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤተ መቕደስን ንዅሉ መውጽኢታት እታ መቕደስን ኣቕልበሉ።+ 6 ነቶም ዓለውቲ ቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም ይእከልኩም። 7 ልቦምን ስጋኦምን ዘይግዙር ጓኖት ናብ መቕደሰይ ከተእትዉ ኸለኹም፡ ንሳቶም ንቤተ መቕደሰይ የርክስዋ እዮም። ኪዳነይ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም እናተጣሕሰ ኽነሱ፡ እንጌራይ፡ ስብሕን ደምን ተቕርቡ ኣለኹም። 8 ንዕዮ እቲ ቕዱስ ነገራተይ ኣይዓየኹምን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ መቕደሰይ ዚግበር ዕዮታት ኪዓይዩ፡ ካልኦት መዲብኩም ኢኹም።”’

9 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ልቡን ስጋኡን ዘይግዙር ኣብ እስራኤል ዚነብር ጓና ናብ መቕደሰይ ኣይኣቱን እዩ።”’

10 “‘እቶም እስራኤል ካባይ ርሒቑ ኪዅብልል ከሎ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም* ኪስዕቡ ኻባይ ዝዀብለሉ ሌዋውያን ግና፡+ ሳዕቤናት ስሕተቶም ኪጾሩ እዮም። 11 ኣብ መቕደሰይ ከኣ ንኣፍ ደገታት እታ ቤተ መቕደስ ዚሕልዉን*+ ኣብ ቤተ መቕደሰይ ዜገልግሉን ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን ንህዝቢ ዚኸውን መስዋእትን ኪሓርዱ፡ ኬገልግልዎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኪቘሙ እዮም። 12 ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ስለ ዘገልገልዎምን ንቤት እስራኤል ዜሕጥኡ መዐንቀፊ ስለ ዝዀኑን፡+ ስለዚ እየ ኢደይ ኣንጻሮም ብማሕላ ዘልዓልኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንሳቶም እውን ሳዕቤናት ስሕተቶም ኪጾሩ እዮም። 13 ካህናተይ ኰይኖም ኬገልግሉ ኣይኪቐርቡንን፡ ወይ ናብ ኵሉ ቕዱሰይን ናብ ቅዱስ ቅዱሳንን ኣይኪቐርቡን እዮም፣ ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ድማ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 14 ግናኸ፡ ኣገልግሎት እታ ቤተ መቕደስን ኵሉ እቲ ኣብኣ ዚግበርን ኪዓይዩ ሓላፍነት ዚስከሙ ኽገብሮም እየ።+

15 “‘እቶም እስራኤላውያን ካባይ ኪዅብልሉ ኸለዉ ኣብ መቕደሰይ ዝነበሮም ሓላፍነት እተሰከሙ+ ሌዋውያን ካህናት ደቂ ጻዶቅ+ ግና፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒ፡ ስብሕን+ ደምን+ ኬቕርቡለይ ኢሎም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኪቘሙ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16 ‘ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ናብ መኣደይ ኪቐርቡ፡+ ንዓይ ዘለዎም ሓላፍነት ድማ ኪስከሙ እዮም።+

17 “‘ናብ ኣፍ ደገታት እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተዉ፡ ክዳውንቲ በፍታ ይከደኑ።+ ኣብ ኣፍ ደገታት እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ወይ ኣብ ውሽጡ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ጸምሪ ኣይከደኑ። 18 መጠምጠምያ በፍታ ኣብ ርእሶም ይግበሩ፣ ሓጺር ስረ በፍታ ድማ ንምሕኵልቶም ይሸፍኖ።+ ዜርህጾም ነገር ኣይከደኑ። 19 ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡—ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡—ቅድሚ ምውጻኦም፡ ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ኽዳውንቲ ኣውጺኦም+ ኣብቲ ቕዱስ መመገቢ ኽፍልታት* የንብርዎ።+ ብኽዳውንቶም ነቲ ህዝቢ ቕድስና ምእንቲ ኸየመሓላልፉሉ* ኸኣ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ። 20 ርእሶም ኣይላጽዩ+ ወይ ጸጕሪ ርእሶም ኣየንውሑ። የግዳስ፡ ጸጕሪ ርእሶም ይቐምቅሙ። 21 እቶም ካህናት ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተዉ፡ ወይኒ ኣይስተዩ።+ 22 ንመበለት ወይ ንፍትሕቲ፡ ሰበይቲ ገይሮም ኣየእትዉ፣+ ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝዀነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ግና ኪምርዓዉ ይኽእሉ እዮም።’+

23 “‘ንህዝበይ፡ ኣብ መንጎ ቕዱስን ተራን ዘሎ ፍልልይ ይምሃርዎ፣ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ፍልልይ እውን ኪምህርዎ እዮም።+ 24 ኣብ ጕዳይ ድማ ፈራዶ ይኹኑ፣+ ምስ ፍርድታተይ ተሰማሚዖም ከኣ ይፍረዱ።+ ብዛዕባ ዅሉ በዓላተይ ሕግታተይን ስርዓታተይን ይሓልዉ፡+ ሰናብተይ እውን ይቐድሱ። 25 ከይረኽሱስ፡ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ። ብኣቦኦም፡ ወይ ብኣዲኦም፡ ወይ ብወዶም፡ ወይ ብጓሎም፡ ወይ ብሓዎም፡ ወይ ብዘይተመርዓወት ሓብቶም ግና ኪረኽሱ ይኽእሉ እዮም።+ 26 ካህን ድሕሪ ምንጻሁ ኸኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸሩሉ። 27 በታ ኣብታ መቕደስ ኬገልግል፡ ናብታ መቕደስ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ፡ ዚኣትወላ መዓልቲ፡ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

28 “‘ርስቶም ድማ እዚ ኪኸውን እዩ፦ ኣነ ርስቶም እየ።+ ኣነ ውርሶም እየ እሞ፡ ውርሲ ኣይትሃብዎም። 29 መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን+ ኪበልዑ፡ ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዅሉ ኸኣ ናታቶም ኪኸውን እዩ።+ 30 ሕሩይ ኵሉ በዅሪ ፍረታትኩምን ኵሉ ዓይነት መባእኩምን ናይ ካህናት ኪኸውን እዩ።+ በዅሪ ሓርጭኩም ከኣ ንኻህን ሃብዎ።+ እዚ ንዝተረፉ ቤተ ሰብኩም በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።+ 31 እቶም ካህናት ሕሉቕ ወይ እተሰላልዐ ዘበለ ዑፍ ወይ እንስሳ ኣይብልዑ።’+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ