ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ምስ ብንያማውያን እተገብረ ውግእ (1-48)

መሳፍንቲ 20:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከም ሓደ ሰብ ኰይኑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:47, 48፣ መሳ 18:29
  • +እያ 22:9
  • +1ሳሙ 7:5፣ 10:17፣ 2ነገ 25:23

መሳፍንቲ 20:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:17፣ 2ሳሙ 24:9

መሳፍንቲ 20:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:22

መሳፍንቲ 20:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:1, 2
  • +መሳ 19:12, 14

መሳፍንቲ 20:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብ መሬት” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:25, 26

መሳፍንቲ 20:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:29

መሳፍንቲ 20:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:30

መሳፍንቲ 20:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከም ሓደ ሰብ ኰይኑ።”

መሳፍንቲ 20:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:18፣ ምሳ 16:33

መሳፍንቲ 20:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከም ሓደ ሰብ ኰይኖምን።”

መሳፍንቲ 20:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 13:5፣ 17:7፣ 22:22፣ መሳ 19:22, 25፣ 1ቈረ 5:6, 13

መሳፍንቲ 20:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 96

መሳፍንቲ 20:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:2

መሳፍንቲ 20:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:30፣ ዘሁ 27:21፣ መሳ 20:27

መሳፍንቲ 20:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:28

መሳፍንቲ 20:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:21

መሳፍንቲ 20:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:23
  • +2ዜና 20:3፣ እዝ 8:21
  • +ዘሌ 1:3
  • +ዘሌ 3:1

መሳፍንቲ 20:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 27:21፣ መሳ 20:18

መሳፍንቲ 20:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ይቐውም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:25፣ ዘሁ 25:7
  • +መሳ 20:23

መሳፍንቲ 20:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 8:3, 4

መሳፍንቲ 20:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:20, 22

መሳፍንቲ 20:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:36
  • +መሳ 20:39

መሳፍንቲ 20:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:21, 25

መሳፍንቲ 20:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:28, 48
  • +መሳ 20:14, 15, 46

መሳፍንቲ 20:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:31
  • +መሳ 20:29

መሳፍንቲ 20:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:31
  • +መሳ 20:21, 25

መሳፍንቲ 20:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:15

መሳፍንቲ 20:45

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀረሙ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 21:13

መሳፍንቲ 20:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:15, 35

ሓፈሻዊ

መሳ. 20:1እያ 19:47, 48፣ መሳ 18:29
መሳ. 20:1እያ 22:9
መሳ. 20:11ሳሙ 7:5፣ 10:17፣ 2ነገ 25:23
መሳ. 20:2መሳ 20:17፣ 2ሳሙ 24:9
መሳ. 20:3መሳ 19:22
መሳ. 20:4መሳ 19:1, 2
መሳ. 20:4መሳ 19:12, 14
መሳ. 20:5መሳ 19:25, 26
መሳ. 20:6መሳ 19:29
መሳ. 20:7መሳ 19:30
መሳ. 20:9መሳ 20:18፣ ምሳ 16:33
መሳ. 20:13ዘዳ 13:5፣ 17:7፣ 22:22፣ መሳ 19:22, 25፣ 1ቈረ 5:6, 13
መሳ. 20:17መሳ 20:2
መሳ. 20:18ዘጸ 28:30፣ ዘሁ 27:21፣ መሳ 20:27
መሳ. 20:23መሳ 20:28
መሳ. 20:25መሳ 20:21
መሳ. 20:26መሳ 20:23
መሳ. 20:262ዜና 20:3፣ እዝ 8:21
መሳ. 20:26ዘሌ 1:3
መሳ. 20:26ዘሌ 3:1
መሳ. 20:27ዘሁ 27:21፣ መሳ 20:18
መሳ. 20:28ዘጸ 6:25፣ ዘሁ 25:7
መሳ. 20:28መሳ 20:23
መሳ. 20:29እያ 8:3, 4
መሳ. 20:30መሳ 20:20, 22
መሳ. 20:31መሳ 20:36
መሳ. 20:31መሳ 20:39
መሳ. 20:32መሳ 20:21, 25
መሳ. 20:35መሳ 20:28, 48
መሳ. 20:35መሳ 20:14, 15, 46
መሳ. 20:36መሳ 20:31
መሳ. 20:36መሳ 20:29
መሳ. 20:39መሳ 20:31
መሳ. 20:39መሳ 20:21, 25
መሳ. 20:44መሳ 20:15
መሳ. 20:45መሳ 21:13
መሳ. 20:46መሳ 20:15, 35
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 20:1-48

መሳፍንቲ

20 ስለዚ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ካብ ዳን+ ክሳብ ብኤር-ሸባዕን ካብ ምድሪ ጊልዓድን፡+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብሓደ ሰሚሩ* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ሚጽጳ ተኣከበ።+ 2 ኣሕሉቕ እቲ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን፡ ኣስያፍ ዝዓጠቑ 400,000 ኣጋር ተዋጋእቲ፡ ኣብ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ቦታኦም ሓዙ።+

3 ብንያማውያን ድማ ሰብ እስራኤል ናብ ሚጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ።

ሰብ እስራኤል ከኣ፡ “እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝዀነ ንገሩና” በሉ።+ 4 ሽዑ፡ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡+ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ምስ ሰበይቲ ወሰነይ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ክሓድር ኣቶኹ።+ 5 ነበርቲ* ጊብዓ ድማ ኣንጻረይ ተንስኡ እሞ፡ ነታ ቤት ብለይቲ ኸበብዋ። ኪቐትሉኒ እዮም ሓሲቦም ነይሮም፣ ኣብ ክንዳኡ ግና ንሰበይቲ ወሰነይ ዓመጽዋ እሞ ሞተት።+ 6 ኣነ ኸኣ፡ ኣብ እስራኤል ዜሕፍርን ዜነውርን ተግባር ስለ ዝገበሩ፡ ሬሳ ሰበይቲ ወሰነይ ወሲደ ቘራረጽክዎ እሞ፡ ነቲ ቝርጽራጽ ናብ ኵሉ ኽፋል ርስቲ እስራኤል ሰደድክዎ።+ 7 ሕጂ፡ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ተዛራረቡሉን ተማኸሩሉን።”+

8 ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ሰሚሩ* ኸምዚ ኢሉ ተላዕለ፦ “ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፡ ወይ ናብ ቤቱ ኣይመለስ። 9 ሕጂ፡ ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፦ ዕጫ ኣውዲቕና ኽንጻረራ ኽንድይብ ኢና።+ 10 ብሰንኪ እቲ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ነውሪ፡ ኣብታ ጊብዓ ናይ ብንያም ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስዱ፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ነቲ ሰራዊት ስንቂ ዚእክቡ ኻብ 100ስ 10፡ ካብ 1,000 ከኣ 100፡ ካብ 10,000 ድማ 1,000 ሰብኡት ንውሰድ።” 11 በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ብሓደ ሰሚሮምን* ሓቢሮምን ኣንጻር እታ ኸተማ ተኣከቡ።

12 ሽዑ፡ ነገዳት እስራኤል ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም ከምዚ ኢሎም ሰባት ለኣኹሎም፦ “እዚ ኣብ መንጎኹም ዝዀነ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ፧ 13 ሕጂ ኸኣ፡ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለዉ ዘይጠቕሙ ሰባት ክንቀትሎም ሃቡና።”+ ብንያማውያን ግና ንኣሕዋቶም ሰብ እስራኤል ምስማዕ ኣበዩ።

14 ብንያማውያን ድማ ምስ ሰብ እስራኤል ኪዋግኡ ኢሎም፡ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተኣከቡ። 15 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ካብ ከተማታቶም እተኣከቡ ብንያማውያን፡ ብዘይካ እቶም 700 ሕሩያት ሰብ ጊብዓ፡ ሰይፊ እተዓጥቁ 26,000 ሰብኡት ነበሩ። 16 ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊት ድማ፡ 700 ዓኼሎት ሰብኡት ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ እምኒ ወንጪፎም ጸጕሪ ዘይስሕቱ ነበሩ።

17 ሰብ እስራኤል ድማ፡ ብዘይካ ኻብ ብንያም፡ ሰይፊ እተዓጥቁ 400,000 ሰብኡት ተኣከቡ፣+ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ምኩራት ተዋጋእቲ ነበሩ። 18 ንኣምላኽ ኪሓትቱ፡ ተንሲኦም ናብ ቤት-ኤል ደየቡ።+ ሰብ እስራኤል ከኣ፡ “ምስ ብንያማውያን ንምውጋእ፡ ካባና መን መሪሑ ይደይብ፧” በሉ። የሆዋ ድማ፡ “ይሁዳ ይምራሕ” ኢሉ መለሰ።

19 ድሕርዚ፡ እስራኤላውያን ንግሆ ተንሲኦም፡ ኣንጻር ጊብዓ ሰፈሩ።

20 ሰብ እስራኤል ከኣ ምስ ብንያም ኪዋግኡ ወጹ፣ ኪዋግእዎም ድማ ኣብ ጊብዓ ተሰለፉ። 21 ብንያማውያን ከኣ ካብ ጊብዓ ወጺኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል 22,000 ሰብኡት ቀተሉ። 22 ግናኸ፡ እቶም ሰራዊት ሰብ እስራኤል፡ ተቢዖም ኣብታ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ንውግእ ተሰለፉ። 23 እስራኤላውያን ድማ ደዪቦም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ምሸት በኸዩ፣ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ብንያማውያን ክንዋጋእ ክንከይድ፧” ኢሎም ከኣ ንየሆዋ ሓተትዎ።+ የሆዋ ድማ፡ “ኣንጻሮም ደይቡ” በሎም።

24 እስራኤላውያን ከኣ ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ። 25 ብንያም ድማ ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኺቀባበሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ፡ መሊሶም ካብ እስራኤላውያን 18,000 ሰብኡት ቀተሉ፣+ ኵላቶም ከኣ ሰይፊ እተዓጥቁ ነበሩ። 26 ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ቤት-ኤል ደየቡ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ በኸዩን ኮፍ በሉን፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽሳዕ ምሸት ጾይሞም ከኣ፡+ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቡ። 27 ድሕርዚ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ሰብ እስራኤል ንየሆዋ ሓተትዎ።+ 28 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኣሮን፡ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል* ነበረ። ንሳቶም ድማ፡ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ሰብ ብንያም ክንዋጋእ ክንከይድ፡ ወይስ ክንሓድጎ፧” ኢሎም ሓተቱ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ጽባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ፡ ደይቡ” ኢሉ መለሰ። 29 እስራኤል ድማ ንጊብዓ ብዙርያኣ ደባይ ኣንበረላ።+

30 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ እስራኤላውያን ኣንጻር ብንያማውያን ደየቡ፣ ከምቲ ኻልእ ግዜያት ከኣ ኣንጻር ጊብዓ ተሰለፉ።+ 31 ብንያማውያን ነቲ ሰራዊት ኪቀባበልዎ ምስ ወጹ፡ ካብታ ኸተማ ተሳሕቡ።+ ከምቲ ኻልእ ግዜያት ከኣ፡ ኣብ ጐደናታት፡ ማለት ኣብታ ናብ ቤት-ኤል እተደይብን ኣብታ ናብ ጊብዓ እተብልን፡ ንገለ ኻብቶም ሰባት ኬጥቅዑን ኪቐትሉን ጀመሩ፣ ኣስታት 30 ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ መሮር ቀተሉ።+ 32 ብንያማውያን ድማ፡ “ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ ቅድሜና ይስዓሩ ኣለዉ” በሉ።+ እስራኤላውያን ግና፡ “ነንሳሕብ እሞ፡ ካብታ ኸተማ ናብ ጐደናታት ክንስሕቦም ኢና” በሉ። 33 ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓል-ታማር ተሰለፉ፣ እስራኤላውያን ደባይ ድማ ካብቲ ኣብ ጥቓ ጊብዓ ዝነበሩሉ ቦታ ጠኒኖም ኣጥቅዑ። 34 በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኵሉ እስራኤል እተሓርዩ 10,000 ሰብኡት ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከኣ በርትዐ። ብንያማውያን ግና ጥፍኣቶም ቀሪቡ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጡን።

35 የሆዋ ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ሰዓሮ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ካብ ብንያም 25,100 ሰብኡት ቀተሉ፣ ኵላቶም ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ ነበሩ።+

36 ግናኸ፡ ብንያማውያን፡ እቶም ሰብ እስራኤል ዚስዓሩ መሰሎም፣+ ንሳቶም ግና በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ደባይ ተኣሚኖም እዮም ካብ ብንያም ዘንሰሓቡ።+ 37 እቶም ደባይ ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጠኒኖም ከዱ። እቶም ደባይ ከኣ ተበቲኖም ንብዘላ እታ ኸተማ ብሰይፊ ወቕዕዋ።

38 ሰብ እስራኤል ድማ፡ እቶም ነታ ኸተማ ዘድበዩላ፡ ምልክት ኪኸውን ትኪ ኻብኣ ኼዕርጉ ተሰማሚዖም ነበሩ።

39 እስራኤላውያን ኣብቲ ውግእ ገጾም ምስ መለሱ፡ ሰብ ብንያም ካብ እስራኤል 30 ሰብኡት ኬጥቅዑን ኪቐትሉን ጀመሩ፣+ “ከምቲ ዝቐደመ ውግእ፡ ኣብ ቅድሜና ብንጹር ተሳዒሮም” ከኣ በሉ።+ 40 እቲ ምልክት ግና ከም ዓንዲ ትኪ ዀይኑ ኻብታ ኸተማ ኺዓርግ ጀመረ። ሰብ ብንያም ኪርእዩ ግልጽ ምስ በሉ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገት ረኣዩ። 41 ሽዑ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ገጾም መለሱ፣ ሰብ ብንያም ከኣ ጥፍኣት ከም ዘርከቦም ርኣዩ እሞ፡ ተዳህሉ። 42 ካብ ሰብ እስራኤል ድማ ናብ በረኻ ኣቢሎም ኣንሰሓቡ፣ እቲ ውግእ ግና ሰዓቦም፣ እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ሰባት ከኣ ኣብ ምውቃዖም ሓበሩ። 43 ንብንያማውያን ከቢቦም ድማ፡ ከየዕረፉ ሰዓብዎም። ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ክሳብ መንጽር ጊብዓ ረጋገጽዎም። 44 ካብ ብንያም ድማ 18,000 ሰብኡት ወደቑ፣ ኵላቶም ከኣ ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።+

45 ሰብ ብንያም ድማ ተመሊሶም ናብ በረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሃደሙ፣+ እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ጐደናታት ካባታቶም 5,000 ቀተሉ።* ክሳብ ጊድዖም ስዒቦም ድማ፡ ተወሰኽቲ 2,000 ሰብኡት ቀተሉ። 46 ኵሎም እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዝወደቑ፡ ሰይፊ እተዓጥቁ 25,000 ሰብኡት ነበሩ፣+ ኵላቶም ድማ ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። 47 ግናኸ፡ 600 ሰብኡት ናብ በረኻ ናብ ከውሒ ሪሞን ኣንሰሓቡ፣ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከኣ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ።

48 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ብንያማውያን ተመሊሶም፡ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝረኸብዎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ ማል፡ ብሰይፊ ወቕዕዎ። ኣብ መገዶም ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታት እውን፡ ብሓዊ ኣንደድወን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ