ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ብንያማውያን ኣብ ጊብዓ ዝፈጸምዎ ጾታዊ ገበን (1-30)

መሳፍንቲ 19:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:4, 5
  • +እያ 17:14, 15
  • +ዘፍ 35:19፣ ሚክ 5:2

መሳፍንቲ 19:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ልብኻ ኸተጽንዕሲ።”

መሳፍንቲ 19:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ልብኻ ኸተጽንዕሲ።”

መሳፍንቲ 19:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድንኳንካ።”

መሳፍንቲ 19:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:8, 63፣ 18:28፣ መሳ 1:8

መሳፍንቲ 19:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:28

መሳፍንቲ 19:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:21, 25

መሳፍንቲ 19:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 27

መሳፍንቲ 19:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:1
  • +እያ 18:21, 28

መሳፍንቲ 19:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኸኣ እየ ዘገልግል” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:1, 2

መሳፍንቲ 19:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:32
  • +ዘፍ 18:5፣ 19:3

መሳፍንቲ 19:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:4, 5፣ ዘሌ 20:13፣ ሮሜ 1:27፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ ይሁ 7

መሳፍንቲ 19:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዓታተን ኣሕስርወን፡ ኣብ ኣዒንትኹም ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ከኣ ግበርወን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:6-8

መሳፍንቲ 19:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 19:2

መሳፍንቲ 19:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:7

ሓፈሻዊ

መሳ. 19:11ሳሙ 8:4, 5
መሳ. 19:1እያ 17:14, 15
መሳ. 19:1ዘፍ 35:19፣ ሚክ 5:2
መሳ. 19:10እያ 15:8, 63፣ 18:28፣ መሳ 1:8
መሳ. 19:12እያ 18:28
መሳ. 19:13እያ 18:21, 25
መሳ. 19:15ዘፍ 19:2
መሳ. 19:16መሳ 19:1
መሳ. 19:16እያ 18:21, 28
መሳ. 19:18መሳ 19:1, 2
መሳ. 19:19ዘፍ 24:32
መሳ. 19:19ዘፍ 18:5፣ 19:3
መሳ. 19:22ዘፍ 19:4, 5፣ ዘሌ 20:13፣ ሮሜ 1:27፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ ይሁ 7
መሳ. 19:24ዘፍ 19:6-8
መሳ. 19:25መሳ 19:2
መሳ. 19:30መሳ 20:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 19:1-30

መሳፍንቲ

19 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ፡+ ሽዑ ኣብ ግሉል ክፋል ኣኽራን ኤፍሬም+ ዚነብር ዝነበረ ሓደ ሌዋዊ፡ ካብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ። 2 እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና መንዘረት፣ ሓዲጋቶ ኸኣ ናብ ቤት ኣቦኣ ናብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸደት። ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ኣብኣ ጸንሐት። 3 እቲ ሰብኣያ ኸኣ ኣእሚኑ ኺመልሳ፡ ደድሕሪኣ ኸደ፣ ምስኡ ድማ ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ነበሩ። ንሳ ኸኣ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ። ኣቦኣ ምስ ረኣዮ ድማ፡ ተሓጒሱ ተቐበሎ። 4 እቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ ምስኡ ሰለስተ መዓልቲ ኺጸንሕ ኣእመኖ። ይበልዑን ይሰትዩን ከኣ ነበሩ፣ ኣብኡ እውን ይሓድር ነበረ።

5 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ኪኸዱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ ንሰብኣይ ጓሉ፡ “ሓይሊ ኽትረክብሲ* ብላዕ፣ ድሕሪኡ ትኸዱ” በሎ። 6 ስለዚ፡ ኮፍ ኢሎም፡ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ድሕሪኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ “በጃኻ ሕደር፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ” በሎ። 7 እቲ ሰብኣይ ኪኸይድ ምስ ተንስአ፡ ሓሙኡ ለመኖ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ።

8 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ኪኸይድ ኣንጊሁ ምስ ተንስአ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ “ሓይሊ ኽትረክብሲ* በጃኻ ብላዕ” በሎ። ምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ድማ ጸንሑ፡ ክልቲኦም ከኣ በልዑ። 9 እቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ወሰኑን ምስ ጊልያኡን ኪኸይድ ምስ ተንስአ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ “እንሆ፡ ሕጂ ኺመሲ ኢሉ ኣሎ። በጃኹም ሕደሩ። መዓልቲ ኺዓርብ ኢሉ ኣሎ። ሕደር፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ። ጽባሕ ድማ መገድኹም ክትከዱ ኣንጊህኩም ትትንስኡ፣ ናብ ቤትካ* እውን ትኸይድ” በሎ። 10 እቲ ሰብኣይ ግና ኪሓድር ኣይደለየን እሞ፡ ተንሲኡ ኽሳብ ይቡስ፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም፡+ መጸ። እተን ክልተ እተጻዕና ኣእዱግን ሰበይቲ ወሰኑን ጊልያኡን ድማ ምስኡ ነበሩ።

11 ናብ ይቡስ ምስ ቀረቡ፡ ኪዓርብ ቀሪቡ ነበረ። እቲ ጊልያ ኸኣ ንጐይታኡ፡ “ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣላጊስናዶ ኣብኣ ኽንሓድር፧” በሎ። 12 ጐይታኡ ግና፡ “እስራኤላውያን ዘይኰኑ ጓኖት ናብ ዚነብርዋ ኸተማስ ኣይነላግስን ኢና። ክሳብ ጊብዓ+ ደኣ ንኺድ” በሎ። 13 ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ “ንዓ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚአን ክንበጽሕ ንፈትን፣ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ+ ኸኣ ንሕደር” በሎ። 14 መገዶም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ ናይ ብንያም ምስ በጽሑ ኸኣ ጸሓይ ዓረበቶም።

15 ኣብ ጊብዓ ኣትዮም ኪሓድሩ ድማ፡ ናብኣ ኣላገሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፣ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።+ 16 ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ምሸት ካብ ዕዮኡ ኻብ መሮር መጸ። ንሱ ኻብ ኣኽራን ኤፍሬም ነበረ፡+ ኣብ ጊብዓ እውን ንግዜኡ ይነብር ነበረ፣ ነበርቲ እታ ኸተማ እቲኣ ግና፡ ብንያማውያን ነበሩ።+ 17 እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ነቲ ተጓዓዚ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ምስ ረኣዮ፡ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ፧ ካበይከ መጺእካ፧” በሎ። 18 ንሱ ድማ፡ “ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ናብቲ ዝነብሮ ግሉል ክፋል ኣኽራን ኤፍሬም ንኸይድ ኣለና። ናብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸይደ ነይረ፡+ ናብ ቤት የሆዋ ኸኣ እኸይድ ኣለኹ፣* ኣብ ቤቱ ዚቕበለኒ ሰብ ግና ስኢነ። 19 ንኣእዱግና እኹል ሓሰርን ድርቋን፡+ ንዓይን ንሰበይተይን ንጊልያናን ከኣ እንጌራን+ ወይንን ኣሎና። ዚጐድለና ነገር የልቦን” በሎ። 20 እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ “ሰላም ንዓኻ ይኹን! ዜድልየካ ዘበለ ኣነ ኸማልኦ እየ። ሓንትስ ኣብዚ ኣደባባይ እዚ ደኣ ኣይትሕደር” በሎ። 21 ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸኣ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሃበን። ኣእጋሮም ተሓጺቦም ከኣ በልዑን ሰተዩን።

22 ልቦም ኪሕጐስ ከሎ ኸኣ፡ ዘይጠቕሙ ሰብ እታ ኸተማ ነታ ቤት ከቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፣ ነቲ ብዓል እታ ቤት ዝዀነ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ “ምስዚ ኣብ ቤትካ ዝኣተወ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ክንገብርሲ፡ ኣውጽኣዮ” ይብልዎ ነበሩ።+ 23 እቲ ብዓል ቤት ከኣ ናባታቶም ወጺኡ፡ “ኣይፋልኩምን ኣሕዋተየ፡ ክፉእሲ ኣይትግበሩ። በጃኹም፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ጋሻ እዩ። እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ። 24 እነዋ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰን እዚ ሰብኣይን። ግዲ ኻብ በልኩም፡ ንዓታተን ከውጽኣልኩም፡ ንዓታተን ከተሕስርወን ትኽእሉ ኢኹም።*+ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ” በሎም።

25 እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይደለዩን። ስለዚ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ+ ሒዙ፡ ናብኦም ናብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከኣ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚነግህ ዓመጽዋን ሃሰይዋን። ኪወግሕ ከሎ ድማ፡ ትኺድ ሓደግዋ። 26 ኪነግህ ምስ ጀመረ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ኣፍ ደገ እታ ጐይታኣ ዘለዋ ቤት እቲ ሰብኣይ መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ በጥ ኢላ ነበረት። 27 እቲ ጐይታኣ ንግሆ ተንሲኡ፡ መገዱ ኪኸይድ ማዕጾ እታ ቤት ምስ ከፈተ፡ እታ ሰበይቲ፡ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ዘርጋሕ ኢላ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ኣብ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት። 28 ንሱ ድማ፡ “ተንስኢ፡ ንኺድ” በላ። ግናኸ፡ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ፡ ናብ ቦታኡ ኸደ።

29 ናብ ቤቱ ምስ በጽሐ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ፡ በብብልዕቲ ኣብ 12 ቘራረጻ እሞ፡ ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ሓሓደ ቝራጽ ሰደደ። 30 እዚ ዝረኣየ ዅሉ ኸኣ፡ “ካብታ እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ዝደየቡላ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዀይኑ ወይ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ሕሰቡሉን ተማኸሩሉን+ እንገብሮ ንገሩናን” በለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ