ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ብዛዕባ ሞት ሳኦል ሰምዐ (1-16)

      • ዳዊት ንሳኦልን ንዮናታንን ዘልቀሰሎም ልቕሶ (17-27)

2 ሳሙኤል 1:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወቒዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 27:5, 6

2 ሳሙኤል 1:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:1, 6፣ 1ዜና 10:4, 6

2 ሳሙኤል 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:4፣ 1ዜና 10:1
  • +1ሳሙ 31:3፣ 1ዜና 10:3

2 ሳሙኤል 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 17:16፣ ዘዳ 25:19፣ 1ሳሙ 15:20፣ 30:1

2 ሳሙኤል 1:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኵላ ነፍሰይ ምሳይ ስለ ዘላ።”

2 ሳሙኤል 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:4

2 ሳሙኤል 1:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:1
  • +1ሳሙ 31:11, 13

2 ሳሙኤል 1:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 12:8፣ 1ሳሙ 24:6፣ 26:9፣ 31:4

2 ሳሙኤል 1:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 4:10

2 ሳሙኤል 1:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 1:6, 10

2 ሳሙኤል 1:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:6

2 ሳሙኤል 1:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 10:13

2 ሳሙኤል 1:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:8

2 ሳሙኤል 1:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:9

2 ሳሙኤል 1:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:1፣ 1ዜና 10:1
  • +ዘሌ 27:16

2 ሳሙኤል 1:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:4፣ 20:20
  • +1ሳሙ 14:47

2 ሳሙኤል 1:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ባህ ዜብሉን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1
  • +1ሳሙ 31:6፣ 1ዜና 10:6
  • +እዮ 9:26
  • +ምሳ 30:30

2 ሳሙኤል 1:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 31:8

2 ሳሙኤል 1:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1, 3
  • +1ሳሙ 19:2፣ 20:17, 41፣ 23:16-18፣ ምሳ 17:17፣ 18:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 5/2022፡ ገጽ 4

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 1:11ሳሙ 27:5, 6
2 ሳሙ. 1:41ሳሙ 31:1, 6፣ 1ዜና 10:4, 6
2 ሳሙ. 1:61ሳሙ 28:4፣ 1ዜና 10:1
2 ሳሙ. 1:61ሳሙ 31:3፣ 1ዜና 10:3
2 ሳሙ. 1:8ዘጸ 17:16፣ ዘዳ 25:19፣ 1ሳሙ 15:20፣ 30:1
2 ሳሙ. 1:101ሳሙ 31:4
2 ሳሙ. 1:121ሳሙ 31:1
2 ሳሙ. 1:121ሳሙ 31:11, 13
2 ሳሙ. 1:14ዘሁ 12:8፣ 1ሳሙ 24:6፣ 26:9፣ 31:4
2 ሳሙ. 1:152ሳሙ 4:10
2 ሳሙ. 1:162ሳሙ 1:6, 10
2 ሳሙ. 1:171ሳሙ 31:6
2 ሳሙ. 1:18እያ 10:13
2 ሳሙ. 1:191ሳሙ 31:8
2 ሳሙ. 1:201ሳሙ 31:9
2 ሳሙ. 1:211ሳሙ 31:1፣ 1ዜና 10:1
2 ሳሙ. 1:21ዘሌ 27:16
2 ሳሙ. 1:221ሳሙ 18:4፣ 20:20
2 ሳሙ. 1:221ሳሙ 14:47
2 ሳሙ. 1:231ሳሙ 18:1
2 ሳሙ. 1:231ሳሙ 31:6፣ 1ዜና 10:6
2 ሳሙ. 1:23እዮ 9:26
2 ሳሙ. 1:23ምሳ 30:30
2 ሳሙ. 1:251ሳሙ 31:8
2 ሳሙ. 1:261ሳሙ 18:1, 3
2 ሳሙ. 1:261ሳሙ 19:2፣ 20:17, 41፣ 23:16-18፣ ምሳ 17:17፣ 18:24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 1:1-27

2 ሳሙኤል

1 ድሕሪ ሞት ሳኦል፡ ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ* ምስ ተመልሰ፡ ዳዊት ኣብ ጺቅላግ+ ክልተ መዓልቲ ገበረ። 2 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል መጸ። ናብ ዳዊት ምስ ቀረበ ድማ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።

3 ዳዊት ከኣ፡ “ካበይ ኢኻ መጺእካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ካብ ሰፈር እስራኤል እየ ኣምሊጠ” ኢሉ መለሰሉ። 4 ዳዊት ከኣ፡ “እቲ ነገር ከመይ ኰይኑ፧ በጃኻ ንገረኒ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሃዲሙ፡ ብዙሓት ከኣ ወዲቖምን ሞይቶምን። ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እውን ሞይቶም” በሎ።+ 5 ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ወረ ዘምጽአ ጐበዝ፡ “ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ጌርካ ፈሊጥካ፧” ኢሉ ሓተቶ። 6 እቲ ጐበዝ ድማ፡ “ብኣጋጣሚ ኣብ ከረን ጊልቦዓ ነበርኩ፣+ ሳኦል ድማ ኣብኡ ኣብ ኲናቱ ተመርኲሱ ነበረ፣ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከኣ ኣርከብዎ።+ 7 ግልጽ ኢሉ ምስ ረኣየኒ፡ ጸውዓኒ እሞ፡ ‘እነኹ’ በልክዎ። 8 ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ ‘ኣማሌቃዊ እየ’+ ኢለ መለስኩሉ። 9 ንሱ ድማ፡ ‘ገና ብህይወት እኳ እንተ ኣለኹ፡* ብርቱዕ ስቓይ ኣሎኒ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ልዕለይ ደው ኢልካ ቕተለኒ’ በለኒ። 10 ኣነ ኸኣ፡ ቈሲሉ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ።+ ነቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድክዎ እሞ፡ ናብዚ ናብ ጐይታይ ኣምጺአዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።

11 ሽዑ፡ ዳዊት ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፣ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት እውን ከምኡ ገበሩ። 12 ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ የሆዋን ንቤት እስራኤልን፡ ብሰይፊ ወዲቖም ስለ ዝነበሩ፡+ ዋይዋይ በሉሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸት እውን ጾሙ።+

13 ዳዊት ድማ ነቲ ወረ ዘምጽአ ጐበዝ፡ “ኣታ ኻበይ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ” በለ። 14 ዳዊት ድማ፡ “ነቲ ቕቡእ የሆዋ ንምቕታል ኢድካ ኸተልዕል ዘይፈራህካስ ስለምንታይ ኢኻ፧” በሎ።+ 15 ሽዑ፡ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ጸዊዑ፡ “ቅረብ እሞ፡ ውቕዓዮ” በሎ። ንሱ ኸኣ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ 16 ዳዊት ድማ፡ “‘ኣነ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ቐቲለዮ’ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” በሎ።+

17 ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ወዱ ዮናታንን እዚ ልቕሶ እዚ ኣልቀሰ፣+ 18 ደቂ ይሁዳ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ያሻር ተጻሒፉ ዘሎ፡+ “ቀስቲ” ዚብሃል ልቕሶ ኺምሃርዎ ኸም ዘለዎም እውን ተዛረበ፦

19 “ኦ እስራኤል፡ ጽባቐኻ ኣብ በረኽትኻ ተቐትሉ።+

እቶም ጀጋኑስ ከመይ ወደቑ!

20 ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡

ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ከይፍስሃስ፡

ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡+

ኣብ ጐደናታት ኣሽቀሎን እውን ኣይተውርዩ።

21 ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡+

ኣብኡ ዋልታ ጀጋኑ ረኺሱ፡

ዋልታ ሳኦል እውን ደጊም ብዘይቲ ኣይተቐብአን እሞ፡

ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡

ግራውቲ እውን መባእ ኣየፍሪ።+

22 ካብ ደም ቅቱላት፡ ካብ ስብሒ ጀጋኑ፡

ቀስቲ ዮናታን ኣይተመልሰን፡+

ሰይፊ ሳኦል እውን ብዘይ ኣሳልጦ ኣይትምለስን።+

23 ሳኦልን ዮናታንን+ ብህይወቶም ፍቑራትን ተፈተውትን* ነበሩ፣

ብሞቶም እውን ኣይተፈላለዩን።+

ካብ ንስሪ ዚፈጥኑ፡+

ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።+

24 ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡

ነቲ ቐይሕን ግምጃን ዝኸደነክን፡

ኣብ ክዳውንትኽን እውን ወርቂ ዝሰለመክን ሳኦል ብኸያሉ።

25 እቶም ጀጋኑ ኸመይ ኣብ ውግእ ወደቑ!

ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ተቐትለ!+

26 ዮናታን ሓወይ፡ ብኣኻ ተጨኒቐ ኣለኹ።

ኣዝየ እፈትወካ ነይረ።+

ንዓይ ዝነበረካ ፍቕሪ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ብዝያዳ ዜደንቕ ነበረ።+

27 እቶም ጀጋኑ ኸመይ ወደቑ፡

ኣጽዋር ውግኦም እውን ከመይ ጠፍአ!”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ