ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኣይኣመንዎን (1-11)

1 ሳሙኤል 29:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:1
  • +እያ 19:17, 18፣ 1ሳሙ 29:11

1 ሳሙኤል 29:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:2

1 ሳሙኤል 29:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 27:7, 12

1 ሳሙኤል 29:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 12:19
  • +1ሳሙ 14:21

1 ሳሙኤል 29:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:7፣ 21:11

1 ሳሙኤል 29:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:10፣ 27:2
  • +1ሳሙ 27:11, 12
  • +1ሳሙ 28:2
  • +1ሳሙ 29:3, 9

1 ሳሙኤል 29:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 27:12

1 ሳሙኤል 29:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:17, 18፣ 1ሳሙ 29:1

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 29:11ሳሙ 28:1
1 ሳሙ. 29:1እያ 19:17, 18፣ 1ሳሙ 29:11
1 ሳሙ. 29:21ሳሙ 28:2
1 ሳሙ. 29:31ሳሙ 27:7, 12
1 ሳሙ. 29:41ዜና 12:19
1 ሳሙ. 29:41ሳሙ 14:21
1 ሳሙ. 29:51ሳሙ 18:7፣ 21:11
1 ሳሙ. 29:61ሳሙ 21:10፣ 27:2
1 ሳሙ. 29:61ሳሙ 27:11, 12
1 ሳሙ. 29:61ሳሙ 28:2
1 ሳሙ. 29:61ሳሙ 29:3, 9
1 ሳሙ. 29:91ሳሙ 27:12
1 ሳሙ. 29:11እያ 19:17, 18፣ 1ሳሙ 29:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 29:1-11

1 ሳሙኤል

29 ፍልስጥኤማውያን+ ድማ ኵሉ ሰራዊቶም ኣብ ኣፌቅ ኣኽተቱ፣ እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ይዝርኤል+ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ። 2 እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ይሓልፉ ነበሩ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣኪሽ ብድሕሪት ይጕዓዙ ነበሩ።+ 3 መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና፡ “እዞም እብራውያን እዚኦም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧” በሉ። ኣኪሽ ድማ ንመሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ “እዚ ምሳይ ዝያዳ ዓመት ዝገበረ ዳዊት ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤል እዩ።+ ካብታ ኸዲዑ ናባይ ዝመጸላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጕድለት ኣይረኸብኩሉን” ኢሉ መለሰሎም። 4 እቶም መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ተቘጥዕዎ፡ “ነዚ ሰብኣይ ምለሶ።+ ናብታ ዝመደብካሉ ቦታ ይመለስ። ኣብ ውግእ ኣንጻርና ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይውረድ።+ ሞገስ ጐይታኡ ንምርካብ፡ ካብ ኣራእስ ሰብና ዝሓሸ እንታይ መገዲ ኣለዎ፧ 5 እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡

‘ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡

ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ’

ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊት ደይኰነን፧” ድማ በልዎ።+

6 ኣኪሽ+ ከኣ ንዳዊት ጸዊዑ፡ “ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጕድለት ኣይረኸብኩልካን እሞ፡+ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ ቕኑዕ ኢኻ፡ ኣነ እውን ኣብ ወፈራ ምስ ሰራዊተይ ምኻድካ ባህ ይብለኒ እዩ።+ እዞም ጐይተት ግና ኣይኣመኑኻን።+ 7 እምበኣር፡ ብሰላም ተመለስ፡ ንጐይተት ፍልስጥኤማውያን ዜጕሂ ድማ ገለ እኳ ኣይትግበር” በሎ። 8 ዳዊት ግና ንኣኪሽ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ እየ ገይረ፧ ምሳኻ ኸይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘይዋጋእሲ፡ ካብታ ናባኻ ዝመጻእኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ እንታይ ጕድለት ረኺብካለይ፧” በሎ። 9 ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ “ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ኢኻ።+ እዞም መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና፡ ‘ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ’ ኢሎም ኣለዉ። 10 ሕጂ ድማ፡ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላዉ ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ፣ ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ ምስ በርሃልኩም ኪዱ” በሎ።

11 ዳዊትን ሰቡን ድማ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኪምለሱ ኣንጊሆም ተንስኡ፣ እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ