ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ዝገበሮ ዘይግቡእ ቈጸራ ህዝቢ (1-6)

      • ካብ የሆዋ ዝመጸ መቕጻዕቲ (7-17)

      • ዳዊት መሰውኢ ሰርሐ (18-30)

1 ዜና መዋእል 21:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓደ ተጻራሪ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:1-3

1 ዜና መዋእል 21:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16
  • +መሳ 18:29፣ 2ሳሙ 17:11

1 ዜና መዋእል 21:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:4, 8

1 ዜና መዋእል 21:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:9

1 ዜና መዋእል 21:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:23, 24
  • +ዘሁ 1:47

1 ዜና መዋእል 21:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:13
  • +2ሳሙ 24:10-14
  • +መዝ 25:11፣ 51:1

1 ዜና መዋእል 21:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:29

1 ዜና መዋእል 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26
  • +ዘሌ 26:14, 17
  • +2ነገ 19:35
  • +ዘሌ 26:25

1 ዜና መዋእል 21:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:6፣ መዝ 51:1፣ ኢሳ 55:7፣ ድጕ 3:22
  • +2ዜና 28:9

1 ዜና መዋእል 21:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 16:46
  • +2ሳሙ 24:15, 16

1 ዜና መዋእል 21:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጐሃየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:14፣ ዘዳ 32:36
  • +መዝ 90:13
  • +2ዜና 3:1
  • +2ሳሙ 5:6

1 ዜና መዋእል 21:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 22:31፣ እያ 5:13
  • +2ነገ 19:1
  • +2ሳሙ 24:17

1 ዜና መዋእል 21:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 51:4
  • +ዘጸ 32:12፣ ዘሁ 16:22

1 ዜና መዋእል 21:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:11
  • +2ሳሙ 24:18-23፣ 2ዜና 3:1

1 ዜና መዋእል 21:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሃበኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 25:8

1 ዜና መዋእል 21:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:27

1 ዜና መዋእል 21:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:24, 25

1 ዜና መዋእል 21:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

1 ዜና መዋእል 21:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:25
  • +ዘሌ 9:23, 24፣ 1ነገ 18:38፣ 2ዜና 7:1

1 ዜና መዋእል 21:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:16፣ መዝ 103:20

1 ዜና መዋእል 21:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:4፣ 1ዜና 16:39፣ 2ዜና 1:3

ሓፈሻዊ

1 ዜና 21:12ሳሙ 24:1-3
1 ዜና 21:22ሳሙ 8:16
1 ዜና 21:2መሳ 18:29፣ 2ሳሙ 17:11
1 ዜና 21:42ሳሙ 24:4, 8
1 ዜና 21:52ሳሙ 24:9
1 ዜና 21:61ዜና 27:23, 24
1 ዜና 21:6ዘሁ 1:47
1 ዜና 21:82ሳሙ 12:13
1 ዜና 21:82ሳሙ 24:10-14
1 ዜና 21:8መዝ 25:11፣ 51:1
1 ዜና 21:91ዜና 29:29
1 ዜና 21:12ዘሌ 26:26
1 ዜና 21:12ዘሌ 26:14, 17
1 ዜና 21:122ነገ 19:35
1 ዜና 21:12ዘሌ 26:25
1 ዜና 21:13ዘጸ 34:6፣ መዝ 51:1፣ ኢሳ 55:7፣ ድጕ 3:22
1 ዜና 21:132ዜና 28:9
1 ዜና 21:14ዘሁ 16:46
1 ዜና 21:142ሳሙ 24:15, 16
1 ዜና 21:15ዘጸ 32:14፣ ዘዳ 32:36
1 ዜና 21:15መዝ 90:13
1 ዜና 21:152ዜና 3:1
1 ዜና 21:152ሳሙ 5:6
1 ዜና 21:16ዘሁ 22:31፣ እያ 5:13
1 ዜና 21:162ነገ 19:1
1 ዜና 21:162ሳሙ 24:17
1 ዜና 21:17መዝ 51:4
1 ዜና 21:17ዘጸ 32:12፣ ዘሁ 16:22
1 ዜና 21:182ሳሙ 24:11
1 ዜና 21:182ሳሙ 24:18-23፣ 2ዜና 3:1
1 ዜና 21:22ዘሁ 25:8
1 ዜና 21:23ኢሳ 28:27
1 ዜና 21:242ሳሙ 24:24, 25
1 ዜና 21:26ዘጸ 20:25
1 ዜና 21:26ዘሌ 9:23, 24፣ 1ነገ 18:38፣ 2ዜና 7:1
1 ዜና 21:272ሳሙ 24:16፣ መዝ 103:20
1 ዜና 21:291ነገ 3:4፣ 1ዜና 16:39፣ 2ዜና 1:3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 21:1-30

1 ዜና መዋእል

21 ሰይጣን* ከኣ ኣንጻር እስራኤል ተንስአ እሞ፡ ንዳዊት፡ ንእስራኤል ኪቘጽሮ ኣለዓዓሎ።+ 2 ዳዊት ድማ ንዮኣብን+ ንኣሕሉቕ ህዝብን፡ “ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ዳን+ ቍጸርዎ እሞ፡ ቍጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ንገሩኒ” በሎም። 3 ዮኣብ ግና፡ “የሆዋ ነቲ ህዝቢ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ! ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ኵሎም ገላዉ ጐይታይ ደይኰኑን፧ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ከምዚ ኺገብር ደልዩ፧ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት በደል ዚኸውን፧” በሎ።

4 ቃል ንጉስ ግና ንዮኣብ ሰዓሮ። ዮኣብ ከኣ ወጺኡ፡ ናብ ብዘላ እስራኤል ከደ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ 5 ዮኣብ ድማ ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ኵሎም እስራኤል ከኣ ሰይፊ እተዓጥቁ 1,100,000 ሰባት ኰኑ፣ ይሁዳ ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ 470,000 ሰባት ኰኑ።+ 6 ዮኣብ ንቓል ንጉስ ፈንፊንዎ ስለ ዝነበረ ግና፡+ ሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይተመዝገቡን።+

7 እዚ ነገር እዚ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣጕሃዮ እሞ፡ ንእስራኤል ወቕዖ። 8 ዳዊት ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በዲለ እየ።+ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡+ ሕጂ ድማ በጃኻ ንስሕተት ጊልያኻ ይቕረ በል” በሎ።+ 9 የሆዋ ኸኣ ንጋድ+ እቲ ናይ ዳዊት ብዓል ራእይ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10 “ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ኣማራጺ እህበካ ኣለኹ። ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኦስ፡ ሓዲኡ ሕረ።”’” 11 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እትደልዮ ሕረ፦ 12 ኣብ ምድርኻ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኪኸውን፡+ ወይስ ሰይፊ ጸላእትኻ እናኣርከበካ ሰለስተ ወርሒ ብተጻረርትኻ ኽትኵስተር፡+ ወይስ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል እናኣጥፍአ+ ሰለስተ መዓልቲ ሰይፊ የሆዋ፡ ማለት ኣብዛ ምድሪ ለበዳ ኪኸውን።’+ ሕጂ ኸኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝምልሰሉ ሕሰብ” በሎ። 13 ዳዊት ከኣ ንጋድ፡ “ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ። ግናኸ፡ ምሕረቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኢድ የሆዋ ደኣ እውደቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይውደቕ”+ በሎ።

14 ሽዑ፡ የሆዋ ናብ እስራኤል ለበዳ ሰደደ፣+ ካብ እስራኤል ድማ 70,000 ሰባት ወደቑ።+ 15 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ መልኣኽ ሰደደላ፣ ንሱ ኼጥፍኣ ምስ በለ ግና፡ የሆዋ ነዚ ርእዩ በቲ መዓት ተጣዕሰ፣*+ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ ድማ፡ “ይኣክል!+ ሕጂ ኢድካ ኣውርዳ” በሎ። መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርናን+ እቲ ይቡሳዊ+ ደው ኢሉ ነበረ።

16 ዳዊት ኣዒንቱ ምስ ኣልዓለ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማያትን ደው ኢሉ፡ ኣብ ኢዱ ዝሓዛ እተመልሐት ሰይፊ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ዘርጊሑ ረኣየ።+ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ድማ ማቕ ተኸዲኖም+ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 17 ዳዊት ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “እቲ ህዝቢ ኪቝጸር ዝበልኩስ ኣነ ደይኰንኩን፧ ኣነ እየ ሓጢአ፡ ኣነ እየ በዲለ፣+ እዘን ኣባጊዕ እዚአን ግና እንታይ ገይረን፧ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኢድካ ኣንጻረይን ኣንጻር ቤት ኣቦይን ትኹን፣ እዚ መቕዘፍቲ እዚ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኣይተምጽእ” በሎ።+

18 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንጋድ፡+ ንዳዊት ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ንየሆዋ መሰውኢ ኬቕውም ኪነግሮ ነገሮ።+ 19 ዳዊት ድማ ከም ቃል እቲ ብስም የሆዋ እተዛረበ ጋድ፡ ደየበ። 20 ኦርናን ከኣ ግልጽ ኢሉ ነቲ መልኣኽ ረኣዮ፣ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሓብኡ። ኦርናን ከኣ ስርናይ የኽይድ ነበረ። 21 ዳዊት ናብኡ ምስ መጸ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ እሞ ብኡብኡ ኻብቲ ዓውዲ ወጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። 22 ዳዊት ከኣ ንኦርናን፡ “ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ምእንቲ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሽጠለይ።* እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጸ መቕዘፍቲ ደው ምእንቲ ኺብል፡ ብምሉእ ዋጋ ሽጠለይ” በሎ።+ 23 ኦርናን ግና ንዳዊት፡ “ንዓኻ ውሰዶ፣ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕ ዝመሰሎ* ድማ ይግበር። እንሆ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ ንዕንጨይቲ ዚኸውን መኼዲ፡+ ንመስዋእቲ እኽሊ ዚኸውን ከኣ ስርናይ እህብ ኣለኹ። ኵሉ ሂበ ኣለኹ” በሎ።

24 ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ “ኣይፋልን፡ ንየሆዋ ዝህቦስ ናትካ ዝዀነ ኣይወስድን ወይ ዋጋ ብዘይከፈልኩሉስ ዚሓርር መስዋእቲ ኣየቕርብን እየ እሞ፡ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽዕድጎ ኣሎኒ” በሎ።+ 25 ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን 600 ሲቃል* ወርቂ ሃቦ። 26 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን እውን ኣቕረበ፣ ናብ የሆዋ ድማ ተማህለለ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ሰማያት ብሓዊ መለሰሉ።+ 27 የሆዋ ድማ ነቲ መልኣኽ፡ ሰይፉ ናብ ሰገባኣ ኺመልሳ ኣዘዞ።+ 28 በታ ግዜ እቲኣ፡ ዳዊት፡ የሆዋ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ኸም ዝመለሰሉ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ይስውእ ነበረ። 29 እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር የሆዋን እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዚርከብ በሪኽ ነበረ።+ 30 ዳዊት ግና ብምኽንያት እታ ሰይፊ መልኣኽ የሆዋ ስለ እተሸበረ፡ ንኣምላኽ ምኽሪ ኺሓትቶ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ