ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ጀመረ (1-7)

      • ቅድስተ ቕዱሳን (8-14)

      • ክልተ ዓንዲ ነሓሲ (15-17)

2 ዜና መዋእል 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:25፣ 1ዜና 21:18
  • +ዘፍ 22:2, 14
  • +2ሳሙ 24:18፣ 1ዜና 21:22
  • +1ነገ 6:1, 37

2 ዜና መዋእል 3:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እቲ ልሙድ እመት 44.5 ሰ.ሜ. እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም እቲ “ናይ ቀደም መለክዒ” ነቲ 51.8 ሰ.ሜ. ዚኸውን ነዊሕ እመት ከም ዜመልክት ይግምቱ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:2

2 ዜና መዋእል 3:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ኰይኑ 20 እመት ዝዓቐኑ ነበረ።”

  • *

    ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት “120” ይብል፡ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋትን ገሊኡ ትርጉማትን ግና “20 እመት” ይብል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:3

2 ዜና መዋእል 3:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:15, 22
  • +1ነገ 6:29
  • +1ነገ 6:21

2 ዜና መዋእል 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:2, 8
  • +1ዜና 29:3, 4

2 ዜና መዋእል 3:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 26:29
  • +ዘጸ 26:1፣ 1ነገ 6:29

2 ዜና መዋእል 3:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”

  • *

    ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 26:33፣ 1ነገ 8:6፣ እብ 9:24
  • +1ነገ 6:20

2 ዜና መዋእል 3:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

2 ዜና መዋእል 3:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:23-28

2 ዜና መዋእል 3:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:6፣ 1ዜና 28:18

2 ዜና መዋእል 3:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ናብታ ቕድስቲ።

2 ዜና መዋእል 3:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 27:51፣ እብ 10:19, 20
  • +ዘጸ 26:31, 33

2 ዜና መዋእል 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:13
  • +1ነገ 7:15-22፣ 2ነገ 25:17፣ 2ዜና 4:11-13፣ ኤር 52:22, 23

2 ዜና መዋእል 3:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብደቡብ።”

  • *

    ወይ፡ “ብሰሜን።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ንሱ [የሆዋ] የጽንዕ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ብብርታዐ” ኪኸውን ይኽእል።

ሓፈሻዊ

2 ዜና 3:12ሳሙ 24:25፣ 1ዜና 21:18
2 ዜና 3:1ዘፍ 22:2, 14
2 ዜና 3:12ሳሙ 24:18፣ 1ዜና 21:22
2 ዜና 3:11ነገ 6:1, 37
2 ዜና 3:31ነገ 6:2
2 ዜና 3:41ነገ 6:3
2 ዜና 3:51ነገ 6:15, 22
2 ዜና 3:51ነገ 6:29
2 ዜና 3:51ነገ 6:21
2 ዜና 3:61ዜና 29:2, 8
2 ዜና 3:61ዜና 29:3, 4
2 ዜና 3:7ዘጸ 26:29
2 ዜና 3:7ዘጸ 26:1፣ 1ነገ 6:29
2 ዜና 3:8ዘጸ 26:33፣ 1ነገ 8:6፣ እብ 9:24
2 ዜና 3:81ነገ 6:20
2 ዜና 3:101ነገ 6:23-28
2 ዜና 3:111ነገ 8:6፣ 1ዜና 28:18
2 ዜና 3:14ማቴ 27:51፣ እብ 10:19, 20
2 ዜና 3:14ዘጸ 26:31, 33
2 ዜና 3:152ነገ 25:13
2 ዜና 3:151ነገ 7:15-22፣ 2ነገ 25:17፣ 2ዜና 4:11-13፣ ኤር 52:22, 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 3:1-17

2 ዜና መዋእል

3 ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ የሆዋ ንኣቦኡ ዳዊት እተራእየላ+ ኸረን ሞርያ፡+ ኣብታ ዳዊት ኣብ ዓውዲ ኦርናን+ እቲ ይቡሳዊ ዘዳለዋ ቦታ ቤት የሆዋ ኺሃንጽ ጀመረ።+ 2 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ኺሃንጽ ጀመረ። 3 እቲ ሰሎሞን ንህንጸት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ፡ ብናይ ቀደም መለክዒ፡* 60 እመት ዝንውሓቱን 20 እመት ዝግፍሑን ነበረ።+ 4 እቲ ኣብ ቅድሚት ዝነበረ ገበላ ድማ፡ 20 እመት ዝንውሓቱ፡ ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ፣* ቍመቱ ኸኣ 20 እመት* ነበረ፣ ውሽጡ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ።+ 5 ነታ ዓባይ ቤት ከኣ ብዕንጨይቲ ጽሕዲ* ረቢቡ፡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጣ፣+ ብምስልታት ኦም ስየን+ ሰንሰለታትን+ እውን ሰለማ። 6 ነታ ቤት ድማ ውቁብ ክቡራት ኣእማን ገበረላ፣+ እቲ እተጠቕመሉ ወርቂ+ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም ነበረ። 7 ነታ ቤትን ነቲ ሰርወታትን ነቲ ድርኵዂታትን መናድቓን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፣+ ኣብቲ መናድቕ ከኣ ኪሩቤል ቀረጸ።+

8 ክፍሊ* ቕድስተ ቕዱሳን ድማ ገበረ፣+ ንውሓታ ኸም ግፍሒ እታ ቤት 20 እመት፡ ግፍሓ እውን 20 እመት ነበረ። ብ600 ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ።+ 9 ሚዛን እቲ ንመሳምር ዝዀነ ወርቂ፡ 50 ሲቃል* ነበረ፣ ነተን ኣብ ደርቢ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን።

10 ኣብ ክፍሊ* እታ ቕድስተ ቕዱሳን ከኣ ክልተ ቕርጻታት ኪሩቤል ገበረ፣ ብወርቂ ድማ ለበጦ።+ 11 ድምር ንውሓት ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል+ 20 እመት ነበረ፣ ሓንቲ ኽንፊ እቲ ቐዳማይ ኪሩብ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንክዮ ነበረት፣ እታ ኻልአይቲ ኽንፉ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ትትንክያ ነበረት። 12 እታ ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ከኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ እታ ቤት ትትንክዮ ነበረት፣ እታ ኻልአይቲ ኽንፉ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍ እቲ ቐዳማይ ኪሩብ ትትንክያ ነበረት። 13 ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኦም 20 እመት ተዘርጊሐን ነበራ፣ ብኣእጋሮም ድማ ደው ኢሎም ነበሩ፡ ገጾም እውን ናብ ውሽጢ* ኣቢሉ ነበረ።

14 ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ድሙቕ ቀይሕን ቅጭን ዓለባን ከኣ መጋረጃ ገበረ፣+ ኪሩቤል ድማ ገበረሉ።+

15 ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ 35 እመት ዝንውሓቱ ኽልተ ዓንዲ ገበረ፣+ ኣብ ረርእሲ እቲ ዓንዲ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱ ርእሲ ዓንዲ ነበረ።+ 16 ከም ድሪ ዚመስል ሰንሰለታት ገይሩ ድማ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበሮ፣ 100 ሮማን ገይሩ ኸኣ፡ ኣብቲ ሰንሰለታት ገበሮ። 17 ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን፡* ሓደ ኸኣ ብጸጋም* ኣቘሞ፣ ነቲ ብየማን ዝነበረ ያኪን፡* ነቲ ብጸጋም ዝነበረ ድማ ቦኣዝ* ኢሉ ሰመዮ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ