ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ኢሽ-ቦሸት ተቐትለ (1-8)

      • ዳዊት ነቶም ቀተልቲ ኣቕተሎም (9-12)

2 ሳሙኤል 4:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ወዲ ሳኦል።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳዉ ደኸማ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:8
  • +2ሳሙ 3:27

2 ሳሙኤል 4:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 9:17፣ 18:21, 25

2 ሳሙኤል 4:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 11:31, 33

2 ሳሙኤል 4:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝሓንከሰ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:16
  • +2ሳሙ 9:3
  • +1ሳሙ 29:1, 11
  • +2ሳሙ 9:13፣ 1ዜና 8:34

2 ሳሙኤል 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 4:2

2 ሳሙኤል 4:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:10
  • +1ሳሙ 18:10, 11፣ 20:1, 33፣ 23:15
  • +1ሳሙ 18:28, 29

2 ሳሙኤል 4:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ ካብ ኵሉ ጭንቂ እተበጀዋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:12፣ 26:25፣ 2ሳሙ 12:7፣ መዝ 34:7

2 ሳሙኤል 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 1:2, 4
  • +2ሳሙ 1:13-15

2 ሳሙኤል 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12፣ ዘሁ 35:16, 30

2 ሳሙኤል 4:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 55:23
  • +ዘዳ 21:22

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 4:12ሳሙ 2:8
2 ሳሙ. 4:12ሳሙ 3:27
2 ሳሙ. 4:2እያ 9:17፣ 18:21, 25
2 ሳሙ. 4:3ነህ 11:31, 33
2 ሳሙ. 4:41ሳሙ 20:16
2 ሳሙ. 4:42ሳሙ 9:3
2 ሳሙ. 4:41ሳሙ 29:1, 11
2 ሳሙ. 4:42ሳሙ 9:13፣ 1ዜና 8:34
2 ሳሙ. 4:62ሳሙ 4:2
2 ሳሙ. 4:82ሳሙ 2:10
2 ሳሙ. 4:81ሳሙ 18:10, 11፣ 20:1, 33፣ 23:15
2 ሳሙ. 4:81ሳሙ 18:28, 29
2 ሳሙ. 4:91ሳሙ 24:12፣ 26:25፣ 2ሳሙ 12:7፣ መዝ 34:7
2 ሳሙ. 4:102ሳሙ 1:2, 4
2 ሳሙ. 4:102ሳሙ 1:13-15
2 ሳሙ. 4:11ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12፣ ዘሁ 35:16, 30
2 ሳሙ. 4:12መዝ 55:23
2 ሳሙ. 4:12ዘዳ 21:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 4:1-12

2 ሳሙኤል

4 ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል፡*+ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡+ ጃጀወ፡* ኵሎም እስራኤላውያን እውን ተረበሹ። 2 ንወዲ ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመትቲ ጭፍራታት ኣሕሉቕ ዝዀኑ እቲ ሓደ ባዓና፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ ዝስሞም ክልተ ሰባት ነበርዎ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ካብ ነገድ ብንያም እዮም። (ብኤሮትሲ+ ኸም ክፍሊ ብንያም እያ እትቝጸር ነይራ። 3 እቶም ብኤሮታውያን ድማ ናብ ጊታዪም+ ሃዲሞም፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብኡ ጓኖት ኰይኖም ኣለዉ።)

4 ዮናታን+ ወዲ ሳኦል ከኣ ኣእጋሩ ዝሰንከለ* ወዲ ነበሮ።+ ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል+ ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ኣልዒላቶ ሃደመት፣ ብስምባድ ክትሃድም ከላ ግና፡ ወደቐ እሞ ስንኩል ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።+

5 ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ድማ፡ መዓልቲ ምስ ደሃረ፡ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ። 6 ስርናይ ዚወስዱ መሲሎም ናብ ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ፣ ሽዑ፡ ሬካብን ሓዉ ባዓናን+ ኣምለጡ። 7 ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ መደቀሲ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወቒዖም ቀተልዎ፡ ርእሱ እውን ቈረጽዎ። ርእሱ ወሲዶም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ዓራባ ኸዱ። 8 ርእሲ ኢሽ-ቦሸት+ ከኣ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ኣምጺኦም፡ ንንጉስ፡ “ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ወዲ እቲ ንህይወትካ* ዚደልያ ዝነበረ+ ሳኦል ጸላኢኻ፡+ እንሀ። የሆዋ ግና በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታይ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ሳኦልን ዘርኡን ሕነ ፈድዩሉ” በልዎ።

9 ዳዊት ግና ንሬካብን ንሓዉ ባዓናን፡ ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ እቲ ኻብ ኵሉ ጭንቂ ዘናገፈኒ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ 10 ሓደ ዘበሰረ መሲልዎ፡ ‘እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ምስ ነገረኒ፡+ ሒዘ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ።+ ካባይ እተቐበሎ ዓስቢ ልኡኽ እዚ እዩ ነይሩ! 11 እኩያት ሰባት ንጻድቕ ሰብ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ምስ ዚቐትልዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይግብኦም! ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን፧+ ካብ ምድሪኸ ኣየጥፍኣኩምንዶ፧” 12 ዳዊት ድማ ንኣጕባዙ ኪቐትልዎም ኣዘዞም።+ ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ቈሪጾም፡ ኣብ ጥቓ ሓጽቢ ኬብሮን ሰቐልዎም።+ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ድማ ወሲዶም፡ ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ