ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ግዝኣት ሮብዓም (1-12)

      • እሙናት ሌዋውያን ናብ ይሁዳ ገዓዙ (13-17)

      • ስድራ ቤት ሮብዓም (18-23)

2 ዜና መዋእል 11:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:27፣ 2ዜና 14:8
  • +1ነገ 12:21-24

2 ዜና መዋእል 11:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 12:15

2 ዜና መዋእል 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:31፣ 2ዜና 10:15

2 ዜና መዋእል 11:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓረደን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:19፣ ማቴ 2:1
  • +ኣሞ 1:1

2 ዜና መዋእል 11:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:18
  • +1ሳሙ 22:1

2 ዜና መዋእል 11:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 18:1
  • +1ሳሙ 23:14

2 ዜና መዋእል 11:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:9
  • +እያ 10:10፣ ኤር 34:7

2 ዜና መዋእል 11:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓረደን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:42, 48
  • +እያ 14:14, 15፣ 2ሳሙ 2:1

2 ዜና መዋእል 11:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:2, 3
  • +1ነገ 12:31, 32

2 ዜና መዋእል 11:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 17:7
  • +1ነገ 12:26, 28
  • +1ነገ 13:33

2 ዜና መዋእል 11:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:11፣ 1ዜና 22:1፣ 2ዜና 15:8, 9፣ 30:10, 11

2 ዜና መዋእል 11:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:6፣ 17:13

2 ዜና መዋእል 11:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 13:1፣ 18:33
  • +1ነገ 15:1፣ 2ዜና 12:16፣ ማቴ 1:7

2 ዜና መዋእል 11:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:17

2 ዜና መዋእል 11:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኣእምሮ።”

  • *

    ወይ፡ “በተኖም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:5, 11

ሓፈሻዊ

2 ዜና 11:1ዘፍ 49:27፣ 2ዜና 14:8
2 ዜና 11:11ነገ 12:21-24
2 ዜና 11:22ዜና 12:15
2 ዜና 11:41ነገ 11:31፣ 2ዜና 10:15
2 ዜና 11:6ዘፍ 35:19፣ ማቴ 2:1
2 ዜና 11:6ኣሞ 1:1
2 ዜና 11:72ዜና 28:18
2 ዜና 11:71ሳሙ 22:1
2 ዜና 11:81ዜና 18:1
2 ዜና 11:81ሳሙ 23:14
2 ዜና 11:92ዜና 32:9
2 ዜና 11:9እያ 10:10፣ ኤር 34:7
2 ዜና 11:10እያ 19:42, 48
2 ዜና 11:10እያ 14:14, 15፣ 2ሳሙ 2:1
2 ዜና 11:14ዘሁ 35:2, 3
2 ዜና 11:141ነገ 12:31, 32
2 ዜና 11:15ዘሌ 17:7
2 ዜና 11:151ነገ 12:26, 28
2 ዜና 11:151ነገ 13:33
2 ዜና 11:16ዘዳ 12:11፣ 1ዜና 22:1፣ 2ዜና 15:8, 9፣ 30:10, 11
2 ዜና 11:181ሳሙ 16:6፣ 17:13
2 ዜና 11:202ሳሙ 13:1፣ 18:33
2 ዜና 11:201ነገ 15:1፣ 2ዜና 12:16፣ ማቴ 1:7
2 ዜና 11:21ዘዳ 17:17
2 ዜና 11:232ዜና 11:5, 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 11:1-23

2 ዜና መዋእል

11 ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋ ኢሉ፡ ብኡብኡ ንቤት ይሁዳን ብንያምን፡+ 180,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ፡ ኣኽተተ።+ 2 ግናኸ፡ ሸማዕያ+ ናብ ዚብሃል ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸ፦ 3 “ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም እስራኤልን ከምዚ በሎም፦ 4 ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ኣሕዋትኩም ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ።”’”+ ንሳቶም ከኣ ቃል የሆዋ ተኣዚዞም ተመልሱ፡ ኣንጻር የሮብዓም እውን ኣይከዱን።

5 ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ እተዓርዳ ኸተማታት ሰርሐ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ንቤት-ልሄምን+ ንዔጣምን ንተቆዓን+ ሰርሐን፣* 7 ንቤት-ጹርን ንሶኮን+ ንዓዱላምን+ 8 ንጋትን+ ንማረሻን ንዚፍን+ 9 ንኣዶራዪምን ንላኪሽን+ ንዓዜቃን+ 10 ንጾርዓን ንኣያሎንን+ ንኬብሮንን+ እውን ሰርሐን፣* እዚኣተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዚርከባ እተዓርዳ ኸተማታት ነበራ። 11 ነቲ ዕርድታት ኣጽኒዑ ድማ፡ ኣብኡ ኣዘዝቲ ኣንበረ፣ ምግብን ዘይትን ወይንን ከኣ ሃቦም፣ 12 ንዅለን እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ዋላቱን ሕላሳትን ሃበን፣ ኣዝዩ እውን ኣጽንዐን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ናቱ ዀና።

13 እቶም ኣብ ኵላ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ድማ፡ ካብ ኵሉ ዓድታቶም መጺኦም ኣብ ጐድኑ ቘሙ። 14 የሮብዓምን ደቁን ነቶም ሌዋውያን፡ ካህናት ኰይኖም ንየሆዋ ኸየገልግሉ ስለ ዝሰጐጕዎም፡ ንሳቶም መጓሰይኦምን ርስቶምን+ ሓዲጎም ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን መጹ።+ 15 የሮብዓም ከኣ ነቲ በረኽትን ነቶም ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንትን*+ ነቶም ንሱ ዝገበሮም ምራኹትን+ ናይ ርእሱ ኻህናት ሸመ።+ 16 ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዘንቀዱ ዘበሉ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪስውኡሉ ናብ የሩሳሌም ሰዓብዎም።+ 17 ሰለስተ ዓመት ብመገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ተመላሊሶም እዮም እሞ፡ ሰለስተ ዓመት ንንግስነት ይሁዳ ኣጽንዕዎ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ከኣ ደገፍዎ።

18 ሮብዓም ከኣ ንማሓላት ሰበይቲ ኽትኰኖ ኣእተዋ፣ ንሳ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ጓል ኣቢሓይል ጓል ኤልያብ+ ወዲ እሴይን እያ። 19 ንሳ ድማ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን ዚብሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ። 20 ድሕሪኣ ኸኣ፡ ንማዓካ ጓል ጓሉ ንኣቤሴሎም+ ተመርዓዋ። ንሳ ድማ ንኣብያን+ ንዓታይን ንዚዛን ንሸሎሚትን ወለደትሉ። 21 ሮብዓም ከኣ 18 ኣንስትን 60 ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ፡ 28 ኣወዳትን 60 ኣዋልድን ወሊዱ ነበረ፣ ግናኸ፡ ሓለፋ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ንማዓካ ጓል ጓሉ ንኣቤሴሎም የፍቅራ ነበረ።+ 22 ሮብዓም ድማ ንኣብያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ርእስን መራሕን ገይሩ ሸሞ። 23 ብምስትውዓል* ከኣ ንገለ ኻብ ኣወዳቱ ናብ ኵለን ዞባታት ይሁዳን ብንያምን፡ ናብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ሰደዶም፣*+ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ሃቦም፡ ብዙሓት ኣንስቲ እውን ኣምጽኣሎም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ