ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ዮኣሓዝ፡ ንጉስ እስራኤል (1-9)

      • ዮኣስ፡ ንጉስ እስራኤል (10-13)

      • ኤልሳእ ንቕንኣት ዮኣስ ፈተኖ (14-19)

      • ኤልሳእ ሞተ፣ ኣዕጽምቱ ምዉት ኣተንስአ (20, 21)

      • ኤልሳእ እተነበዮ ናይ መወዳእታ ትንቢት ተፈጸመ (22-25)

2 ነገስት 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:2, 21
  • +2ነገ 8:26፣ 9:27
  • +2ነገ 10:30, 35

2 ነገስት 13:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33፣ 14:16

2 ነገስት 13:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:29
  • +ዘሌ 26:14, 17
  • +1ነገ 19:17፣ 2ነገ 8:12
  • +2ነገ 13:24

2 ነገስት 13:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኣፈሽሓወ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:7፣ መሳ 10:16፣ 2ነገ 14:26, 27

2 ነገስት 13:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰላምን ደሓንን ረኸቡ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 9:27

2 ነገስት 13:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:29፣ 17:21
  • +ዘዳ 7:5፣ 1ነገ 14:15፣ 16:33

2 ነገስት 13:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 1:3
  • +2ነገ 8:12፣ 10:32

2 ነገስት 13:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:35

2 ነገስት 13:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:1

2 ነገስት 13:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:29

2 ነገስት 13:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:8, 13

2 ነገስት 13:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ዳግማይ የሮብዓም።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:28
  • +2ነገ 10:35፣ 13:9

2 ነገስት 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:16
  • +2ነገ 2:11, 12

2 ነገስት 13:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድሕነት።”

  • *

    ወይ፡ “ድሕነት ካብ።”

  • *

    ወይ፡ “ክትስዕሮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 29:1፣ 1ነገ 20:26

2 ነገስት 13:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 13:25

2 ነገስት 13:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ምእታው ዓመት።” ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 1:1፣ 24:2

2 ነገስት 13:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 11:44፣ እብ 11:35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2017፡ ገጽ 5

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2005፡ ገጽ 11

2 ነገስት 13:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:15
  • +2ነገ 8:12፣ 10:32

2 ነገስት 13:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:26, 27
  • +ዘፍ 13:14-16
  • +ዘፍ 26:3
  • +ዘፍ 28:13፣ መዝ 105:8፣ ሚክ 7:20

2 ነገስት 13:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰዓሮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 13:19

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 13:12ነገ 11:2, 21
2 ነገ. 13:12ነገ 8:26፣ 9:27
2 ነገ. 13:12ነገ 10:30, 35
2 ነገ. 13:21ነገ 12:28-30፣ 13:33፣ 14:16
2 ነገ. 13:3እብ 12:29
2 ነገ. 13:3ዘሌ 26:14, 17
2 ነገ. 13:31ነገ 19:17፣ 2ነገ 8:12
2 ነገ. 13:32ነገ 13:24
2 ነገ. 13:4ዘጸ 3:7፣ መሳ 10:16፣ 2ነገ 14:26, 27
2 ነገ. 13:5ነህ 9:27
2 ነገ. 13:62ነገ 10:29፣ 17:21
2 ነገ. 13:6ዘዳ 7:5፣ 1ነገ 14:15፣ 16:33
2 ነገ. 13:7ኣሞ 1:3
2 ነገ. 13:72ነገ 8:12፣ 10:32
2 ነገ. 13:92ነገ 10:35
2 ነገ. 13:102ነገ 14:1
2 ነገ. 13:112ነገ 10:29
2 ነገ. 13:122ነገ 14:8, 13
2 ነገ. 13:132ነገ 14:28
2 ነገ. 13:132ነገ 10:35፣ 13:9
2 ነገ. 13:141ነገ 19:16
2 ነገ. 13:142ነገ 2:11, 12
2 ነገ. 13:171ሳሙ 29:1፣ 1ነገ 20:26
2 ነገ. 13:192ነገ 13:25
2 ነገ. 13:202ነገ 1:1፣ 24:2
2 ነገ. 13:21ዮሃ 11:44፣ እብ 11:35
2 ነገ. 13:221ነገ 19:15
2 ነገ. 13:222ነገ 8:12፣ 10:32
2 ነገ. 13:232ነገ 14:26, 27
2 ነገ. 13:23ዘፍ 13:14-16
2 ነገ. 13:23ዘፍ 26:3
2 ነገ. 13:23ዘፍ 28:13፣ መዝ 105:8፣ ሚክ 7:20
2 ነገ. 13:252ነገ 13:19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 13:1-25

2 ነገስት

13 ኣብ መበል 23 ዓመት ዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 17 ዓመት ከኣ ነገሰ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ በቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ተመላለሰ፣+ ካብኡ እውን ኣየልገሰን። 3 ቍጥዓ የሆዋ+ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ፣+ ብዅሉ ዘመኖም ከኣ ኣብ ኢድ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤን-ሃዳድ+ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሃቦም።

4 ዮኣሓዝ ግና ሞገስ የሆዋ ለመነ፣* የሆዋ ድማ እቲ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዝጨቈኖ ጭቈና ስለ ዝረኣየ፡ ሰምዖ።+ 5 የሆዋ ኸኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሶርያ ዜድሕኖም መድሓኒ ሃቦም፣+ እስራኤላውያን ድማ ከም ቀደሞም ኣብ ኣባይቶም ኪቕመጡ ኸኣሉ።* 6 (ግናኸ፡ ካብቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም ኣየልገሱን።+ ብእኡ ደኣ ተመላለሱ፣ እቲ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ኣብ ሰማርያ ቘይሙ ነበረ።) 7 ንጉስ ሶርያ ኸምቲ ኣብ ዓውዲ ዘሎ ደበቝበቛ+ ብምርጋጽ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡+ ንዮኣሓዝ 50 ፈረሰኛታትን 10 ሰረገላን 10,000 ኣጋር ተዋጋእትን ዘጠቓለለ ሰራዊት ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ።

8 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣሓዝ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 9 ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ሰማርያ እውን ቀበርዎ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ።

10 ኣብ መበል 37 ዓመት ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 16 ዓመት ድማ ነገሰ። 11 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ኣየልገሰን።+ በቲ ሓጢኣት እቲ ደኣ ተመላለሰ።

12 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 13 ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ የሮብዓም*+ ከኣ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።+

14 ኤልሳእ+ ከኣ እታ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፣ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ “ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን!” ኢሉ በኸየ።+ 15 ኤልሳእ ከኣ፡ “ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታትን ወሰደ። 16 ንንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ኢድካ ኣብ ቀስቲ ኣንብር” በሎ። ኢዱ ድማ ኣብኡ ኣንበረ፣ ድሕሪኡ፡ ኤልሳእ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው ንጉስ ገበረ። 17 “ነቲ ናብ ምብራቕ ዜብል መስኰት ክፈቶ” ኸኣ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ “ወርውር!” በሎ። ንሱ ኸኣ ወርወረ። ንሱ ድማ፡ “ናይ የሆዋ ፍላጻ ዓወት፡* ፍላጻ ዓወት ኣብ ልዕሊ* ሶርያ! ንሶርያ ኣብ ኣፌቅ+ ኽሳዕ እትውድኦም ክትወቕዖም* ኢኻ” በሎ።

18 ንሱ ኸኣ፡ “ፍላጻታት ውሰድ” በሎ፣ ንሱ ድማ ወሰደ። ንንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ድማ ኣቋረጸ። 19 ሽዑ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ተቘጥዖ እሞ፡ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሳዕ ክትወቕዓ ነይሩካ! ሽዑ፡ ንሶርያ ኽሳዕ እትውድኦም ምወቓዕካዮም ኔርካ፣ ሕጂ ግና ንሶርያ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትወቕዖም ኢኻ” በሎ።+

20 ኤልሳእ ከኣ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። በብመጀመርታ ዓመት* ዚመጹ ሞኣባውያን ዘመትቲ ጭፍራታት+ ድማ ነበሩ። 21 ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለዉ፡ ዘማቲ ጭፍራ ረኣዩ እሞ፡ ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርብዮምዎ ሃደሙ። እቲ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ ድማ፡ ህያው ኰይኑ+ ብእግሩ ደው በለ።

22 ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዅሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ጨቈኖ።+ 23 የሆዋ ግና ሞገስን ምሕረትን ገበረሎም፣+ ምእንቲ እቲ ምስ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ተገደሰሎም። ኬጥፍኦም ኣይደለየን፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን። 24 ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ምስ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ወዱ ቤን-ሃዳድ ነገሰ። 25 ሽዑ፡ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት፡ ካብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ከኣ ሰለስተ ሳዕ ወቕዖ፣*+ ነተን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣምለሰን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ