ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • እስራኤል ካብ ሮብዓም ዓለወ (1-19)

2 ዜና መዋእል 10:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 20:7፣ 24:1፣ መሳ 9:1
  • +1ነገ 12:1-4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    6/2018፡ ገጽ 13

2 ዜና መዋእል 10:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:28
  • +1ነገ 11:40

2 ዜና መዋእል 10:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጨቋኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:11-18፣ 1ነገ 4:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    6/2018፡ ገጽ 13

2 ዜና መዋእል 10:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:5-7

2 ዜና መዋእል 10:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:8-11

2 ዜና መዋእል 10:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:12-15

2 ዜና መዋእል 10:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:29-31
  • +ዘዳ 2:30፣ 2ሳሙ 17:14

2 ዜና መዋእል 10:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድንኳኑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:32
  • +1ነገ 12:16, 17

2 ዜና መዋእል 10:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:35, 36

2 ዜና መዋእል 10:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 20:24፣ 1ነገ 4:6
  • +1ነገ 12:18, 19

ሓፈሻዊ

2 ዜና 10:1እያ 20:7፣ 24:1፣ መሳ 9:1
2 ዜና 10:11ነገ 12:1-4
2 ዜና 10:21ነገ 11:28
2 ዜና 10:21ነገ 11:40
2 ዜና 10:41ሳሙ 8:11-18፣ 1ነገ 4:7
2 ዜና 10:51ነገ 12:5-7
2 ዜና 10:81ነገ 12:8-11
2 ዜና 10:121ነገ 12:12-15
2 ዜና 10:151ነገ 11:29-31
2 ዜና 10:15ዘዳ 2:30፣ 2ሳሙ 17:14
2 ዜና 10:161ነገ 11:32
2 ዜና 10:161ነገ 12:16, 17
2 ዜና 10:171ነገ 11:35, 36
2 ዜና 10:182ሳሙ 20:24፣ 1ነገ 4:6
2 ዜና 10:181ነገ 12:18, 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 10:1-19

2 ዜና መዋእል

10 ኵሉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም+ መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ናብ ሴኬም ከደ።+ 2 የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ (ንሱስ ብሰንኪ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ገና ኣብ ግብጺ እዩ ነይሩ እሞ፡)+ የሮብዓም ብኡብኡ ኻብ ግብጺ ተመልሰ። 3 ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ፣ የሮብዓምን ኵሉ እስራኤልን ከኣ ናብ ሮብዓም መጺኦም፡ 4 “ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርቲዑልና።+ ግናኸ፡ ነቲ ብርቱዕ መግዛእቲ ኣቦኻ እንተ ኣቕሊልካልና፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኸቢድ* ኣርዑት ድማ እንተ ኣፍኲስካልና፡ ክንግዝኣካ ኢና” በልዎ።

5 ንሱ ኸኣ፡ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ከዱ።+ 6 ንጉስ ሮብዓም ከኣ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ ዝምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ተማኸረ። 7 ንሳቶም ድማ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ሎሚ ሕያዋይ እንተ ዄንካሎምን ባህ እንተ ኣቢልካዮምን ጽቡቕ ምላሽ እንተ ሂብካዮምን፡ ንሳቶም ወትሩ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።

8 ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኣጕባዝ ተማኸረ።+ 9 ንዓታቶም ድማ፡ “ነዞም፡ ‘ነቲ ኣቦኻ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኣርዑት ኣፍኵሰልና’ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ እንምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። 10 እቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣጕባዝ ከኣ፡ “ነዞም፡ ‘ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፣ ንስኻ ግና ኣፍኵሰልና’ ዝበሉኻ ህዝቢ፡ ከምዚ በሎም፣ ከምዚ ድማ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ሕንጥሊተይ እኳ ኻብ ሕቘ ኣቦይ ክትረጕድ እያ። 11 ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጽዒኑኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ’ በሎም” በልዎ።

12 ከምቲ ንጉስ፡ “ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ዝበሎም፡ የሮብዓምን ኵሎም እቶም ህዝብን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ።+ 13 ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሮብዓም ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓደጎ። 14 “ኣርዑትኩም ከኽብዶ እየ፣ ክውስኸሉ እውን እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ” ኢሉ ድማ ከም ምኽሪ እቶም ኣጕባዝ ገይሩ ተዛረቦም። 15 እቲ የሆዋ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ+ እቲ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እዚ ነገር እዚ ኻብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ህዝቢ ኣይሰምዖምን።+

16 ኵሎም እስራኤል ከኣ፡ ንጉስ ምስማዕ ስለ ዝኣበዮም፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ “ኣብ ዳዊት እንታይ ግደ ኣሎና፧ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍካ ነናብ ኣማልኽትኻ። ኦ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሓሉ” ኢሎም መለሱሉ።+ ሽዑ፡ ኵሉ እስራኤል ነናብ ቤቱ* ተመልሰ።+

17 ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነገሰ።+

18 ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ዝነበረ ሃዶራም+ ሰደዶ፣ እስራኤላውያን ግና ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ከኣ ናብ የሩሳሌም ኪሃድም ኢሉ ዝገበረ ገይሩ ናብ ሰረገላኡ ደየበ።+ 19 እስራኤላውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ቤት ዳዊት ዓልዮም ኣለዉ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ