ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1, 2)

      • ዮስያስ ዝገበሮ ተሓድሶ (3-13)

      • መጽሓፍ ሕጊ ተረኽበት (14-21)

      • ሑልዳ እተነበየቶ ናይ መዓት ትንቢት (22-28)

      • ዮስያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብታ መጽሓፍ ኣንበበሎም (29-33)

2 ዜና መዋእል 34:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 13:2፣ ጸፎ 1:1፣ ማቴ 1:10
  • +2ነገ 22:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 21

2 ዜና መዋእል 34:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 21

2 ዜና መዋእል 34:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 15:2
  • +2ዜና 33:17
  • +2ዜና 33:21, 22
  • +2ነገ 23:4, 14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1996፡ ገጽ 8-9

2 ዜና መዋእል 34:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:6

2 ዜና መዋእል 34:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 13:2፣ 2ነገ 23:16

2 ዜና መዋእል 34:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:19፣ 2ዜና 30:1

2 ዜና መዋእል 34:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:41
  • +2ዜና 31:1

2 ዜና መዋእል 34:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:12
  • +2ነገ 22:3-6

2 ዜና መዋእል 34:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 30:11, 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 55

2 ዜና መዋእል 34:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 55

2 ዜና መዋእል 34:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:11, 12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 55

2 ዜና መዋእል 34:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:15
  • +1ዜና 23:6
  • +2ዜና 20:19
  • +1ዜና 25:1

2 ዜና መዋእል 34:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጾር ዚጾሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 8:14

2 ዜና መዋእል 34:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ ሙሴ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:4
  • +ዘሌ 26:46
  • +ዘዳ 17:18፣ 31:24-26፣ እያ 1:8፣ 2ነገ 22:8

2 ዜና መዋእል 34:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:8
  • +ዘዳ 17:18, 19

2 ዜና መዋእል 34:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:11-13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2001፡ ገጽ 27

2 ዜና መዋእል 34:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:22፣ ኤር 40:14

2 ዜና መዋእል 34:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:17, 18፣ 31:16, 24-26፣ እያ 1:8

2 ዜና መዋእል 34:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:20፣ መሳ 4:4፣ ሉቃ 2:36፣ ግብ 21:8, 9
  • +2ነገ 22:14-20

2 ዜና መዋእል 34:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:16፣ ዘዳ 28:15፣ 30:17, 18፣ ዳን 9:11
  • +ኤር 35:17

2 ዜና መዋእል 34:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:20
  • +2ነገ 21:1, 3, 6፣ 2ዜና 28:1, 3
  • +ዘዳ 29:22, 23፣ ኤር 7:20

2 ዜና መዋእል 34:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:19

2 ዜና መዋእል 34:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:26፣ 33:11, 13

2 ዜና መዋእል 34:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:29፣ ኢሳ 39:8

2 ዜና መዋእል 34:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:1

2 ዜና መዋእል 34:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:2፣ 2ዜና 17:3, 9፣ ነህ 8:3

2 ዜና መዋእል 34:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ኺዳን ሓደሰ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:24-26፣ 2ነገ 22:8
  • +ዘዳ 6:5
  • +እዝ 10:3

2 ዜና መዋእል 34:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 30:1, 12፣ 33:1, 16

2 ዜና መዋእል 34:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጣኦታት።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 21

ሓፈሻዊ

2 ዜና 34:11ነገ 13:2፣ ጸፎ 1:1፣ ማቴ 1:10
2 ዜና 34:12ነገ 22:1, 2
2 ዜና 34:32ዜና 15:2
2 ዜና 34:32ዜና 33:17
2 ዜና 34:32ዜና 33:21, 22
2 ዜና 34:32ነገ 23:4, 14
2 ዜና 34:42ነገ 23:6
2 ዜና 34:51ነገ 13:2፣ 2ነገ 23:16
2 ዜና 34:62ነገ 23:19፣ 2ዜና 30:1
2 ዜና 34:72ነገ 17:41
2 ዜና 34:72ዜና 31:1
2 ዜና 34:82ነገ 22:12
2 ዜና 34:82ነገ 22:3-6
2 ዜና 34:92ዜና 30:11, 18
2 ዜና 34:112ነገ 12:11, 12
2 ዜና 34:122ነገ 12:15
2 ዜና 34:121ዜና 23:6
2 ዜና 34:122ዜና 20:19
2 ዜና 34:121ዜና 25:1
2 ዜና 34:132ዜና 8:14
2 ዜና 34:142ነገ 22:4
2 ዜና 34:14ዘሌ 26:46
2 ዜና 34:14ዘዳ 17:18፣ 31:24-26፣ እያ 1:8፣ 2ነገ 22:8
2 ዜና 34:182ነገ 22:8
2 ዜና 34:18ዘዳ 17:18, 19
2 ዜና 34:192ነገ 22:11-13
2 ዜና 34:202ነገ 25:22፣ ኤር 40:14
2 ዜና 34:21ዘዳ 30:17, 18፣ 31:16, 24-26፣ እያ 1:8
2 ዜና 34:22ዘጸ 15:20፣ መሳ 4:4፣ ሉቃ 2:36፣ ግብ 21:8, 9
2 ዜና 34:222ነገ 22:14-20
2 ዜና 34:24ዘሌ 26:16፣ ዘዳ 28:15፣ 30:17, 18፣ ዳን 9:11
2 ዜና 34:24ኤር 35:17
2 ዜና 34:25ዘዳ 28:20
2 ዜና 34:252ነገ 21:1, 3, 6፣ 2ዜና 28:1, 3
2 ዜና 34:25ዘዳ 29:22, 23፣ ኤር 7:20
2 ዜና 34:262ዜና 34:19
2 ዜና 34:272ዜና 32:26፣ 33:11, 13
2 ዜና 34:281ነገ 21:29፣ ኢሳ 39:8
2 ዜና 34:292ነገ 23:1
2 ዜና 34:302ነገ 23:2፣ 2ዜና 17:3, 9፣ ነህ 8:3
2 ዜና 34:31ዘዳ 31:24-26፣ 2ነገ 22:8
2 ዜና 34:31ዘዳ 6:5
2 ዜና 34:31እዝ 10:3
2 ዜና 34:322ዜና 30:1, 12፣ 33:1, 16
2 ዜና 34:332ነገ 23:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 34:1-33

2 ዜና መዋእል

34 ዮስያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 31 ዓመት ነገሰ።+ 2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ተመላለሰ፣ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን።

3 ኣብ 8ይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፣+ ኣብ መበል 12 ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ በረኽትን+ ኣዕኑድ ኣምልኾን* ቅሩጽ ምስልታትን+ ፍሱስ ምስልታትን ኬንጽሀን ጀመረ።+ 4 ንመሰውኢታት በዓላት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፣ ኣብ ልዕሊኡ ንዝነበረ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ቈረጾ። ንኣዕኑድ ኣምልኾን* ንቕሩጽ ምስልታትን ንፍሱስ ምስልታትን ሰባበሮ፡ ኣድቀቖ፡ ኣብ መቓብራት እቶም ዚስውኡሎም ዝነበሩ ድማ ነስነሶ።+ 5 ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብ መሰውኢታቶም ኣንደዶ።+ በዚ ኸምዚ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣንጽሀን።

6 ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን+ ስምኦንን ክሳብ ንፍታሌም፡ ኣብ ዙርያአን ኣብ ዘለዋ ዑናታት ከኣ፡ 7 መሰውኢታት ኣፍረሰ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾን* ቅሩጽ ምስልታትን+ ድማ ሓምሺሹ ኣድቀቐ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ቈረጸ፣+ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።

8 ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስናኡ፡ ነታ ምድርን ነታ ቤተ መቕደስን* ምስ ኣንጽሀን፡ ንሻፋን+ ወዲ ኣጻልያን ንማዓስያ እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ እቲ መዝጋብን፡ ቤት የሆዋ ኣምላኹ ኺጽግኑ ለኣኾም።+ 9 ንሳቶም ከኣ ናብ ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጺኦም፡ ነቲ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ዀይኖም ዜገልግሉ ሌዋውያን ካብ ምናሴን ካብ ኤፍሬምን ካብ ኵሎም ዝተረፉ እስራኤልን+ ካብ ይሁዳን ካብ ብንያምን ካብ ነበርቲ የሩሳሌምን ዝኣከብዎ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ገንዘብ ሃብዎ። 10 ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ሃብዎም። እቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ዓየይቲ ኸኣ ነታ ቤት ንምዕራይን ንምጽጋንን ተጠቕሙሉ። 11 ውቑር ኣእማንን ንመደገፊ ዚኸውን ኣዕጫውን ኪዕድጉሉ፡ ነተን ነገስታት ይሁዳ ኺዓንዋ ዝሓደግወን ኣባይቲ ድማ ብኣግማል ኪሃንጽወን ኢሎም እውን፡ ንኢደ ጥበበኛታትን ንሃነጽትን ሃብዎም።+

12 እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብተኣማንነት ገበርዎ።+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለፍቲ ዀይኖም ኬገልግሉ እተሸሙ ሌዋውያን፡ ካብ መራራውያን፡+ ያሓትን ኦብድያን፡ ካብ ቀሃታውያን፡+ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። እቶም ክኢላታት ሙዚቀኛታት ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ፡+ 13 ኣብ ልዕሊ እቶም ተራ ሸቃሎ* ነበሩ፣ ሓለፍቲ ዅሎም እቶም ኣብ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዕዮ ዚዓይዩ ዝነበሩ እውን ነበሩ፣ ገለ ኻብቶም ሌዋውያን ከኣ ጸሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ነበሩ።+

14 ነቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝኣተወ ገንዘብ ኬውጽእዎ ኸለዉ ድማ፡+ ካህን ሒልቅያ ነታ ብሙሴ* እተዋህበት+ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ረኸባ።+ 15 ሒልቅያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ሒልቅያ ድማ፡ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ። 16 ሻፋን ከኣ ነታ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኣ እሞ፡ “ገላዉኻ ዅሉ እቲ እተመደበሎም ይገብሩ ኣለዉ። 17 ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦምዎ፡ ነቶም እተሸሙን ነቲ ዕዮ ዚዓይዩን ድማ ሂቦምዎም” ኢሉ ነገሮ። 18 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ “ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጽሓፍ ሂቡኒ” ኢሉ ነገሮ።+ ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኣ ኣንበበ።+

19 ንጉስ ነቲ ቓላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ 20 ንጉስ ድማ ንሒልቅያን ንኣሒቃም+ ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ እቲ ጊልያ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 21 “ኣቦታትና ንቓል የሆዋ ኸምቲ ዅሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሓለውዎ፡ እቲ ኣባና ዚክዖ ነድሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኬድኩም ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እተረኽበት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉን ንየሆዋ ሕተትዎ።”+

22 ሽዑ፡ ሒልቅያ ምስቶም ብንጉስ እተላእኩ ዀይኑ ናብ ነብዪት ሑልዳ ኸደ።+ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሓርሓስ፡ እቲ ሓላው ክዳውንቲ እያ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፋል የሩሳሌም ድማ ትቕመጥ ነበረት። ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ተዛረብዋ።+ 23 ንሳ ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዚ በልዎ፦ 24 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከም ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበብዎ ኣብታ መጽሓፍ እተጻሕፈ መርገም፡+ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን መዓት ከምጽእ እየ።+ 25 ብዅሉ ግብርታት ኣእዳዎም ምእንቲ ኬዀርዩኒ፡ ንዓይ ሓዲጎም+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይዓጥኑ ስለ ዘለዉ፡+ ነድረይ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ኺክዖ እዩ፡ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።’”+ 26 ነቲ ንየሆዋ ኽትሓትቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓላት፡+ 27 እቲ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ነበርታን እተባህለ ቓላቱ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ስለ ዝበልካን ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘትሓትካን ክዳውንትኻ ቐዲድካ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻን፡ ኣነ እውን ሰሚዐካ ኣለኹ፡+ ይብል የሆዋ። 28 ስለዚ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፣* ኣብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣዒንትኻ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን ዘምጽኦ መዓት ኣይኪርእያን እየን።’”’”+

ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምላሽ ኣምጽኡሉ። 29 ሽዑ፡ ንጉስ ለኣኸ እሞ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣከቦም።+ 30 ድሕሪኡ፡ ንጉስ ምስ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኰታስ ምስ ኵሎም ህዝቢ፡ ምስ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ናብ ቤት የሆዋ ደየበ። ኵሉ ቓላት እታ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበት መጽሓፍ ኪዳን ድማ እናሰምዑ ኣንበበ።+ 31 ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ቃላት እቲ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ እተጻሕፈ ኺዳን ብምፍጻም፡+ ንየሆዋ ኸም ዚስዕቦ፡ ትእዛዛቱን መዘኻኸሪታቱን ስርዓታቱን ከኣ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን*+ ከም ዚሕሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ኣተወ።*+ 32 ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌምን ብንያምን እተረኽቡ እውን ከም ዚሰማምዑሉ ገበረ። ነበርቲ የሩሳሌም ከኣ ከምቲ ኺዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ።+ 33 ድሕሪኡ፡ ዮስያስ ካብ ኵለን ሃገራት እስራኤላውያን ፍንፉን* ዘበለ ዅሉ ኣርሓቐ፣+ ኣብ እስራኤል ንእተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም። ብዅሉ ዘመኑ* ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምስዓብ ኣየልገሱን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ