ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዮሳፋጥ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-6)

      • ወፈራ ትምህርቲ (7-9)

      • ወተሃደራዊ ሓይሊ ዮሳፋጥ (10-19)

2 ዜና መዋእል 17:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:24፣ 22:41

2 ዜና መዋእል 17:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 15:8

2 ዜና መዋእል 17:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:15

2 ዜና መዋእል 17:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:29፣ 2ዜና 26:1, 5
  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33

2 ዜና መዋእል 17:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:4, 5፣ መዝ 132:12
  • +2ዜና 18:1

2 ዜና መዋእል 17:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:42, 43
  • +ዘዳ 7:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2009፡ ገጽ 12

2 ዜና መዋእል 17:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 33:8, 10፣ ሚል 2:7

2 ዜና መዋእል 17:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:11፣ እያ 1:7, 8፣ ነህ 8:7

2 ዜና መዋእል 17:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 18:1
  • +2ዜና 14:2, 6
  • +1ነገ 9:19፣ 2ዜና 8:3, 4

2 ዜና መዋእል 17:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 13:3፣ 26:11-13

2 ዜና መዋእል 17:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:27
  • +2ዜና 14:8

2 ዜና መዋእል 17:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:5, 23

ሓፈሻዊ

2 ዜና 17:11ነገ 15:24፣ 22:41
2 ዜና 17:22ዜና 15:8
2 ዜና 17:32ሳሙ 8:15
2 ዜና 17:4ዘዳ 4:29፣ 2ዜና 26:1, 5
2 ዜና 17:41ነገ 12:28-30፣ 13:33
2 ዜና 17:51ነገ 9:4, 5፣ መዝ 132:12
2 ዜና 17:52ዜና 18:1
2 ዜና 17:61ነገ 22:42, 43
2 ዜና 17:6ዘዳ 7:5
2 ዜና 17:8ዘዳ 33:8, 10፣ ሚል 2:7
2 ዜና 17:9ዘዳ 31:11፣ እያ 1:7, 8፣ ነህ 8:7
2 ዜና 17:122ዜና 18:1
2 ዜና 17:122ዜና 14:2, 6
2 ዜና 17:121ነገ 9:19፣ 2ዜና 8:3, 4
2 ዜና 17:142ዜና 13:3፣ 26:11-13
2 ዜና 17:17ዘፍ 49:27
2 ዜና 17:172ዜና 14:8
2 ዜና 17:192ዜና 11:5, 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 17:1-19

2 ዜና መዋእል

17 ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ+ ነገሰ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ስልጣኑ ኣደልደለ። 2 ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ።+ 3 ዮሳፋጥ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ስለ እተመላለሰን+ ንበዓላት ስለ ዘይደለዮምን፡ የሆዋ ምስኡ ነበረ። 4 ንሱስ ንኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡+ ብትእዛዙ እውን ተመላለሰ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይተመላለሰን።+ 5 የሆዋ ኸኣ ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፣+ ኵሎም ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ህያባት ይህብዎ ነበሩ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ሃብትን ክብርን ከኣ ነበሮ።+ 6 ልቡ ድማ ብመገድታት የሆዋ ተብዐ፣ ነቲ በረኽትን+ ኣዕኑድ ኣምልኾን*+ እውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ።

7 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስናኡ ኸኣ ንመሳፍንቱ ቤን-ሓዪልን ኦብድያን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም። 8 ምሳታቶም ድማ ሌዋውያን፡ ማለት ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ-ኣዶንያን ነበሩ፣ ምሳታቶም እውን ኤሊሻማዕን ዮራምን እቶም ካህናት ነበሩ።+ 9 መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ምሳታቶም ወሲዶም፡ ኣብ ይሁዳ መሃሩ፣+ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ፡ ንህዝቢ ይምህሩ ነበሩ።

10 ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ፡ ራዕዲ የሆዋ ዀነ፣ ምስ ዮሳፋጥ ከኣ ኣይተዋግኡን። 11 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንዮሳፋጥ ህያባት ኣምጽኡሉ፡ ገንዘብ እውን ገበሩሉ። ኣዕራብ ከኣ ካብ መጓሰኦም 7,700 ድዑልን 7,700 ድቤላን ኣምጽኡሉ።

12 ዮሳፋጥ ድማ እናዓበየ ኸደ፣+ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዕርድታትን+ ከተማታት መኽዘንን+ ሰርሐ። 13 ኣብ ከተማታት ይሁዳ ድማ ሰፊሕ ዕዮታት ዓየየ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተዋጋእትን ሓያላት ጀጋኑን ነበርዎ። 14 እዚኣቶም በብማይ ቤቶም ተጐጂሎም ነበሩ፦ ናይ ይሁዳ ኣሕሉቕ ሽሕ፡ ዓድናሕ እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ 300,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።+ 15 ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ 280,000 ነበሩ። 16 ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ እውን እቲ ብፍታዉ ንየሆዋ ዜገልግል ዓማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ድማ 200,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። 17 ካብ ብንያም+ ከኣ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡ ድማ ቀስትን ዋልታን እተዓጥቁ 200,000 ነበሩ።+ 18 ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ የሆዛባድ፡ ምስኡ ድማ ኣብ ሰራዊት ኪዀኑ እተዓጥቁ 180,000 ነበሩ። 19 ብዘይ እቶም ንጉስ ኣብተን እተዓርዳ ኸተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ንንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ