መዝሙር
ናይ ዳዊት።
28 ኦ የሆዋ ኸውሐይ፡ ናባኻ እጽውዕ ኣለኹ፣+
ጸማም ኣይትዅነኒ።
2 ኣእዳወይ ናብ ውሽጣዊት ክፍሊ መቕደስካ ኣልዒለ
ኸእዊ ኸለኹ፡ ልማኖይ ስማዕ።+
4 ከም ግብሮምን
ከምቲ ኽፉእ ስራሖምን ሃቦም።+
ከምቲ ተግባር ኣእዳዎምን
ከምቲ ዝገበርዎን ፍደዮም።+
5 ንሳቶምሲ ንተግባራት የሆዋ ዀነ፡
ወይ ንግብሪ ኣእዳዉ ኣየቕልብሉን እዮም።+
ንሱ ድማ ኬፍርሶም እምበር፡ ኣይኪሃንጾምን እዩ።
6 ልማኖይ ሰሚዑ እዩ እሞ፡
የሆዋ ይወደስ።
ረድኤቱ ተቐቢለ እየ፡ ልበይ እውን ተሓጒሱ እዩ፣
ስለዚ፡ ብመዝሙር ክውድሶ እየ።
8 የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ እዩ፣
ንቕቡኡ ድማ ዓብዪ ድሕነት ዜምጽኣሉ ዕርዲ እዩ።+
9 ንህዝብኻ ኣድሕኖ፡ ንርስትኻ ኸኣ ባርኮ።+
ጓስዮም፡ ንዘለኣለም ድማ ኣብ ቀላጽምካ ጹሮም።+