ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ጐረባብቲ ኣህዛብ ንይሁዳ ኣስግእዎ (1-4)

      • ዮሳፋጥ ረድኤት ኪረክብ ጸለየ (5-13)

      • ምላሽ የሆዋ (14-19)

      • ይሁዳ ብተኣምራዊ መገዲ ደሓነ (20-30)

      • መወዳእታ ግዝኣት ዮሳፋጥ (31-37)

2 ዜና መዋእል 20:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መዑኒማውያን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:14፣ 2ሳሙ 8:2፣ መዝ 83:2, 6
  • +ዘፍ 19:36-38

2 ዜና መዋእል 20:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምዉት ባሕሪ ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:1
  • +እያ 15:20, 62

2 ዜና መዋእል 20:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጹ ኣቕንዐ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 19:1, 3

2 ዜና መዋእል 20:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:29-31

2 ዜና መዋእል 20:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:23፣ ማቴ 6:9
  • +1ዜና 29:11፣ ዳን 4:17
  • +1ዜና 29:12፣ ኢሳ 40:15, 17፣ ዳን 4:35

2 ዜና መዋእል 20:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓርክኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7፣ ነህ 9:7, 8፣ ኢሳ 41:8፣ ያእ 2:23

2 ዜና መዋእል 20:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 2:4

2 ዜና መዋእል 20:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 6:20
  • +1ነገ 8:33, 34፣ 2ዜና 6:28-30

2 ዜና መዋእል 20:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 36:8
  • +ዘሁ 20:17, 18፣ ዘዳ 2:5, 9, 19

2 ዜና መዋእል 20:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 11:23, 24፣ መዝ 83:2, 4

2 ዜና መዋእል 20:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 11:27, 28፣ መዝ 7:6
  • +2ነገ 6:15, 16
  • +2ዜና 14:11፣ መዝ 25:15፣ 62:1

2 ዜና መዋእል 20:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 1:29, 30፣ እያ 11:4, 6፣ 2ዜና 32:7, 8

2 ዜና መዋእል 20:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

2 ዜና መዋእል 20:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜድሕነኩም ርኣዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:15
  • +ዘጸ 14:13, 14፣ 15:2፣ 1ሳሙ 2:1፣ 1ዜና 16:23፣ ድጕ 3:26
  • +ዘዳ 31:8፣ እያ 10:25
  • +ዘሁ 14:9፣ 2ዜና 15:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ፡ ገጽ 120-121

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 21

    1/6/2003፡ ገጽ 21-22

2 ዜና መዋእል 20:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:12
  • +1ዜና 15:16

2 ዜና መዋእል 20:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኽትጻወሩስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:5, 6
  • +ዘጸ 14:31፣ 19:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1998፡ ገጽ 20

2 ዜና መዋእል 20:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:6
  • +1ዜና 15:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1998፡ ገጽ 20

2 ዜና መዋእል 20:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:22፣ 1ሳሙ 14:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1998፡ ገጽ 20

2 ዜና መዋእል 20:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 2:5
  • +ዘጸ 14:25፣ ህዝ 38:21

2 ዜና መዋእል 20:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 20:16
  • +ዘጸ 14:30፣ መዝ 110:5, 6፣ ኢሳ 37:36

2 ዜና መዋእል 20:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:35፣ 2ነገ 7:15, 16

2 ዜና መዋእል 20:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ባረኽዎ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “በረኸት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 17:14, 15፣ 1ሳሙ 7:12

2 ዜና መዋእል 20:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:1፣ መዝ 20:5፣ 30:1

2 ዜና መዋእል 20:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኽራርን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:8፣ 1ዜና 13:8፣ 2ዜና 29:26
  • +2ሳሙ 6:5፣ 1ዜና 16:5
  • +መዝ 116:19

2 ዜና መዋእል 20:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:13, 14፣ እያ 9:3, 9፣ 2ዜና 17:10

2 ዜና መዋእል 20:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 23:1፣ 2ሳሙ 7:1፣ 2ዜና 15:15

2 ዜና መዋእል 20:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:41, 42

2 ዜና መዋእል 20:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:11
  • +2ዜና 17:3, 4፣ 19:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2017፡ ገጽ 20

2 ዜና መዋእል 20:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:14፣ 22:43፣ 2ዜና 17:1, 6
  • +1ነገ 18:21

2 ዜና መዋእል 20:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:1፣ 2ዜና 19:2
  • +2ዜና 16:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2009፡ ገጽ 32

2 ዜና መዋእል 20:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 1:2, 16

2 ዜና መዋእል 20:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 10:22, 23
  • +ዘሁ 33:1, 35፣ ዘዳ 2:8፣ 1ነገ 9:26

2 ዜና መዋእል 20:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 19:2፣ መዝ 127:1
  • +1ነገ 22:48

ሓፈሻዊ

2 ዜና 20:1መሳ 3:14፣ 2ሳሙ 8:2፣ መዝ 83:2, 6
2 ዜና 20:1ዘፍ 19:36-38
2 ዜና 20:2እያ 15:1
2 ዜና 20:2እያ 15:20, 62
2 ዜና 20:32ዜና 19:1, 3
2 ዜና 20:4ዘዳ 4:29-31
2 ዜና 20:61ነገ 8:23፣ ማቴ 6:9
2 ዜና 20:61ዜና 29:11፣ ዳን 4:17
2 ዜና 20:61ዜና 29:12፣ ኢሳ 40:15, 17፣ ዳን 4:35
2 ዜና 20:7ዘፍ 12:7፣ ነህ 9:7, 8፣ ኢሳ 41:8፣ ያእ 2:23
2 ዜና 20:82ዜና 2:4
2 ዜና 20:92ዜና 6:20
2 ዜና 20:91ነገ 8:33, 34፣ 2ዜና 6:28-30
2 ዜና 20:10ዘፍ 36:8
2 ዜና 20:10ዘሁ 20:17, 18፣ ዘዳ 2:5, 9, 19
2 ዜና 20:11መሳ 11:23, 24፣ መዝ 83:2, 4
2 ዜና 20:12መሳ 11:27, 28፣ መዝ 7:6
2 ዜና 20:122ነገ 6:15, 16
2 ዜና 20:122ዜና 14:11፣ መዝ 25:15፣ 62:1
2 ዜና 20:15ዘዳ 1:29, 30፣ እያ 11:4, 6፣ 2ዜና 32:7, 8
2 ዜና 20:17ኢሳ 30:15
2 ዜና 20:17ዘጸ 14:13, 14፣ 15:2፣ 1ሳሙ 2:1፣ 1ዜና 16:23፣ ድጕ 3:26
2 ዜና 20:17ዘዳ 31:8፣ እያ 10:25
2 ዜና 20:17ዘሁ 14:9፣ 2ዜና 15:2
2 ዜና 20:191ዜና 23:12
2 ዜና 20:191ዜና 15:16
2 ዜና 20:202ዜና 11:5, 6
2 ዜና 20:20ዘጸ 14:31፣ 19:9
2 ዜና 20:21ዘጸ 34:6
2 ዜና 20:211ዜና 15:16
2 ዜና 20:22መሳ 7:22፣ 1ሳሙ 14:20
2 ዜና 20:23ዘዳ 2:5
2 ዜና 20:23ዘጸ 14:25፣ ህዝ 38:21
2 ዜና 20:242ዜና 20:16
2 ዜና 20:24ዘጸ 14:30፣ መዝ 110:5, 6፣ ኢሳ 37:36
2 ዜና 20:25ዘጸ 12:35፣ 2ነገ 7:15, 16
2 ዜና 20:26ዘጸ 17:14, 15፣ 1ሳሙ 7:12
2 ዜና 20:271ሳሙ 2:1፣ መዝ 20:5፣ 30:1
2 ዜና 20:28ዘሁ 10:8፣ 1ዜና 13:8፣ 2ዜና 29:26
2 ዜና 20:282ሳሙ 6:5፣ 1ዜና 16:5
2 ዜና 20:28መዝ 116:19
2 ዜና 20:29ዘጸ 15:13, 14፣ እያ 9:3, 9፣ 2ዜና 17:10
2 ዜና 20:30እያ 23:1፣ 2ሳሙ 7:1፣ 2ዜና 15:15
2 ዜና 20:311ነገ 22:41, 42
2 ዜና 20:321ነገ 15:11
2 ዜና 20:322ዜና 17:3, 4፣ 19:2, 3
2 ዜና 20:331ነገ 15:14፣ 22:43፣ 2ዜና 17:1, 6
2 ዜና 20:331ነገ 18:21
2 ዜና 20:341ነገ 16:1፣ 2ዜና 19:2
2 ዜና 20:342ዜና 16:7
2 ዜና 20:352ነገ 1:2, 16
2 ዜና 20:361ነገ 10:22, 23
2 ዜና 20:36ዘሁ 33:1, 35፣ ዘዳ 2:8፣ 1ነገ 9:26
2 ዜና 20:372ዜና 19:2፣ መዝ 127:1
2 ዜና 20:371ነገ 22:48
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 20:1-37

2 ዜና መዋእል

20 ድሕርዚ፡ ሞኣባውያንን+ ዓሞናውያንን+ ምስ ዓሞኒም* ሓቢሮም ንዮሳፋጥ ኪዋግእዎ መጹ። 2 ንዮሳፋጥ ከኣ፡ “ካብ ዞባ ባሕሪ፡* ካብ ኤዶም+ ብዙሕ ህዝቢ ኣንጻርካ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣብ ሓጻጾን-ታማር፡ ንሳ ዔን-ገዲ፡+ ድማ ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ። 3 ሽዑ፡ ዮሳፋጥ ፈርሀ፡ ንየሆዋ ኺደልዮ ኸኣ ቈረጸ።*+ ኣብ ኵላ ይሁዳ ድማ ጾም ኣወጀ። 4 ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንየሆዋ ኺሓትትዎ ተኣከቡ፣+ ካብ የሆዋ ምኽሪ ኺሓትቱ ድማ፡ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ተኣከቡ።

5 ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ጉባኤ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው ኢሉ፡ 6 ከምዚ በለ፦

“ኦ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ኣብ ሰማያት ኣምላኽ ዝዀንካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት ኣህዛብ እትገዝእከ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ሓይልን ብርታዐን ኣብ ኢድካ እዩ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል እውን የልቦን።+ 7 ኦ ኣምላኽና፡ ንነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ሰጒጕካ፡ ንዓኣ ንዘርኢ እቲ ፈታዊኻ* ኣብርሃም ንሓዋሩ ርስቲ ጌርካ ዝሃብካዮም ንስኻ ደይኰንካን፧+ 8 ንሳቶም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ፣ ኣብኣ እውን ንስምካ መቕደስ ሃነጹ፣+ ከምዚ ድማ በሉ፦ 9 ‘ኣብ ልዕሌና መዓት፡ ማለት ሰይፊ፡ ፍርዲ፡ ለበዳ፡ ወይ ጥሜት እንተ መጺኡ፡ (ስምካ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡)+ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣ ደው ኢልና፡ ብጭንቅና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፣ ንስኻ ድማ ሰሚዕካ ኣድሕነና።’+ 10 ሕጂ ኸኣ፡ ሰብ ዓሞንን ሞኣብን ኣኽራን ሰዒርን+ እነዉ፣ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉስ ኪወርርዎም ኣይፈቐድካሎምን። ካባታቶም ዞሩ ደኣ እምበር፡ ኣየጥፍእዎምን።+ 11 እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስተኻና ርስትኻ ኺሰጕጉና ብምምጻእ፡ እዚ ይፈድዩና ኣለዉ።+ 12 ኦ ኣምላኽና፡ ኣብ ልዕሊኦም ፍርዲ ኣይትፍጽምን ዲኻ፧+ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ሓይሊ የብልናን፣ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፣+ ኣዒንትና ግና ናባኻ እየን።”+

13 ኵሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድማ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ኢሎም ነበሩ።

14 ሽዑ፡ ኣብ ማእከል እታ ጉባኤ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ ወዲ በናያ ወዲ የዒኤል ወዲ ማታንያ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ መጸ። 15 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ኵላትኩም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ እውን ንጉስ ዮሳፋጥ፡ ኣቕልቡ! የሆዋ ኸምዚ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብሰንኪ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ 16 ጽባሕ ኣንጻሮም ውረዱ። ብመተሓላለፊ ጺጽ ኪድይቡ እዮም፣ ኣብ ወሰን እቲ ስንጭሮ፡* ኣብ ቅድሚ በረኻ የሩኤል ክትረኽብዎም ኢኹም። 17 ኣብዚ ውግእ እዚ ኽትዋግኡ ኣይኬድልየኩምን እዩ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡+ እቲ የሆዋ ምእንታኹም ዚገብሮ ድሕነት ርኣዩ።*+ ኦ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ ጽባሕ ኣንጻሮም ውጹ፡ የሆዋ ድማ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።’”+

18 ሽዑ፡ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ሰገደ፣ ኵሎም ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ንየሆዋ ኺሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብገጾም ተደፍኡ። 19 እቶም ካብ ደቂ ቀሃታውያንን+ ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ዝዀኑ ሌዋውያን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኺውድስዎ ተንስኡ።+

20 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ፡ ናብ በረኻ ተቆዓ+ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ዮሳፋጥ ተንሲኡ፡ “ኦ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ስምዑኒ! ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡* ብየሆዋ ኣምላኽኩም እመኑ። ብነብያቱ እውን እመኑ እሞ፡+ ኪቐንዓኩም እዩ” በሎም።

21 ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ድማ፡ ቀቅድሚ እቶም ዕጡቓት ወጺኦም፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ”+ እናበሉ ንየሆዋ ዚዝምሩሉን ቅዱስ ስሉም ኣልባሳት ለቢሶም ዚውድስዎን ሰባት ሸመ።+

22 ብታሕጓስ ውዳሰ ኺዝምሩ ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም ንይሁዳ ዚወርሩ ዝነበሩ ሰብ ዓሞንን ሞኣብን ኣኽራን ሰዒርን ደባይ ኣምጽኣሎም እሞ፡ ንሓድሕዶም ተቓተሉ።+ 23 እቶም ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ድማ ነቶም ነበርቲ ኣኽራን ሰዒር+ ኬጥፍእዎምን ኬጽንትዎምን ተንስኡ፣ ነቶም ነበርቲ ሰዒር ምስ ወድእዎም ከኣ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፍኡ ተሓጋገዙ።+

24 ይሁዳ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ መጹ+ እሞ ናብቲ ህዝቢ ምስ ጠመቱ፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ሬሳታቶም ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኣዩ።+ 25 ዮሳፋጥን ህዝቡን ከኣ ነቲ ምርኮ ኻባታቶም ኪዘምቱ መጹ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ ጥሪትን ክዳውንትን ተባሃጊ ኣቕሑን ረኸቡ፣ ነዚ ድማ ምጻሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ገፈፍዎ።+ እቲ ምርኮ ኣኺሉ ዚተርፍ ነበረ እሞ፡ ንምዝማቱ ሰለስተ መዓልቲ ወሰደሎም። 26 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ስንጭሮ* በራካ ተኣከቡ፣ ኣብኣ ድማ ንየሆዋ ወደስዎ።* ስለዚ እዮም ክሳዕ ሎሚ ነታ ቦታ እቲኣ ስንጭሮ በራካ*+ ኢሎም ሰምዮምዋ ዘለዉ።

27 ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ዮሳፋጥ እናመርሖም ናብ የሩሳሌም ብታሕጓስ ተመልሱ።+ 28 ብበገናን ብመሰንቆን*+ ብመለኸትን+ ድማ ናብ የሩሳሌም ኣተዉ፡ ናብ ቤት የሆዋ እውን ከዱ።+ 29 ኵለን መንግስትታት ሃገራት ከኣ የሆዋ ኣንጻር ጸላእቲ እስራኤል ከም እተዋግአ ምስ ሰምዓ፡ ራዕዲ ኣምላኽ ኣባታተን ኰነ።+ 30 በዚ ኸምዚ፡ መንግስቲ ዮሳፋጥ ሃድአት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሃቦ።+

31 ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 35 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 25 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓዙባ እዩ፣ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ።+ 32 ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ኸኣ ተመላለሰ።+ ካብኡ ኣየልገሰን፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ቅኑዕ ገበረ።+ 33 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቶም ህዝቢ እውን ገና ልቦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየዳለዉን ነበሩ።+

34 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮሳፋጥ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ኣትዩ ዘሎ ቓላት የሁ+ ወዲ ሓናኒ+ ተጻሒፉ ኣሎ። 35 ድሕርዚ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝገበረ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ኪዳን ገበረ።+ 36 ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሕ ድማ መሻርኽቱ ገበሮ፣+ ነተን መራኽብ ከኣ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰርሕወን።+ 37 ይኹን እምበር፡ ኤልዔዘር ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ “ምስ ኣሓዝያ ኺዳን ስለ ዝገበርካ፡ የሆዋ ንዕዮኻ ኼፍርሶ እዩ” ኢሉ ኣንጻር ዮሳፋጥ ተነበየ።+ እተን መራኽብ ድማ ተሰብራ፣+ ናብ ተርሲስ ኪኸዳ እውን ኣይከኣላን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ